ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ብዛዕባ ምስልዩነትና ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ

ብዛዕባ ምስልዩነትና

 ምስልዩነት ካብ ገለ መዘክረ ጥንታዊ ቃላት ዝተለቅመ ኦሪታዊ ቃል ይጥዕም። ካብ ርሑቕ ድርብ ሞራልነትን ናይ ሓሶት ቅዱስነትን ንቡር ዝነበረሉ እዋን። ካብ ምምሳል ዝመንጨወ ቃል’ዩ። ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዒላማዊ ሓሶት እዩ። ሓሶትን ከም ኵሉ ሓሶት ከኣ ቀሻሺን ስለዝኾነ ድማ ኣቘምትን መራሕትን ሃይማኖታትን ሞራላውያንን ኣዓርዮም ይዅንንዎ። ክርስቶስ ንምስልዩነት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣበርቲዑ ከምዝተቛወመ ንፈልጥ። እንተኾነ፡ ምስልዩነት ኣገዳሲ ኣካል ናብራናን ስረትናን፡ ስለ’ዚ ከኣ ኣካል ስነኣእምሮና ስለዝኾነ ካብ ጠባይና ብቐሊሉ ኣይጠፍአን። ቀሺ ዝበለካ ግበር ንሱ ዝገብሮ ኣይትግበር ኢልና ድማ ንግብዝነት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን መምሎቒ ረኺብናሉ። ኣብ ዘመንና ከኣ ምስልዩነት ኣዝዩ ተዘርጊሑን ረቒቑን ኣካል መዓልታዊ ህይወትና ኴይኑ ንረኽቦ።

 ምስልዩነት ኣብ ካልኦት ሓደ ዝተወሰነ ስምዒታዊ መልሰተግብሪ ንምፍጣር ዝወጠነ ናይ ሓሶት ስምዒት እዩ። ምምስላይ፡ ንዘይኮንካዮ ምምሳል፡ ንሓደ ዝተወሰነ ረብሓ ንምዕዋት፡ ናብ ሓደ ዝተወሰነ ሸቶ ንምብጻሕ ዝዕላማኡ ብዛዕባኻ ናይ ሓሶት ስእሊ ምፍጣርን ምዝርጋሕን እዩ። ምስልዩነት፡ እትደልዮ ውሱን ስምዒት ኣብ ካልኦት ንምፍጣር ምውሳእ እዩ። ስምዒታዊ ተዋስኦ። ምስልዩነት ምትንኳይን ምቕራጽን ስምዒት እዩ። ጀርመንኛን ግሪኽኛን ንግብዝነት ብተዋስኦነት ይገልጽዎ። ልበወለዳዊ ተዋስኦ ኣብ ክውን ህያው መድረኽ- ዓለም።

 ከም’ቲ ተራ ሓሶት ጻዕዳን ጸሊምን ተባሂሉ ዝኽፈል ምስልዩነት እውን ጻዕዳን ጸሊምን ኣሎዎ። ከም’ቲ ንቡር ከኣ እቲ ጸሊም እቲ ጎዳኢ እዩ።

 “ድሓንዶ ውዒልካ?”

 “ይመስገን። ጽቡቕ”

 እቲ መላሲ ሓመዱ ንላዕሊ ተገምጢሉ ካብ ኣድጊ ንላዕሊ ከፊኡዎ ምስ ኣምላኽ ክጻረፍ ዝወዓለ ይኸውን። ሓሚሙ፡ ጠምዩ ተሸጊሩ ውዒሉ ይነብር። ሕማቕ ውዒለ ግን ኣይትወጾን ነቶም ብሕማቕነት ኵነታቱ ክድሰቱ ዝኽእሉ ደስታኦም ኪነፍግ። ንጽባሕ ዝፈላለዩ ተፋቐርቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣዕሩዅቶም ከም’ዛ ከምኣቶም ዝፋቐር ዘየሎ ክለሓሓሱ የምስዩ። ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ዝባንካ ወደ’ቦ ኣይርኣዮ ቁንጮ ጻዕዳዊ ምስልዩነትና እዩ። ዘይጓድኡ ጻዕዳ ምስልዩነታት ኢያቶም መግለጺ ማሕበራዊ-ስምዒታዊ ትዅረትና(social-emotional intelligence) እውን። ልበወለድ ንፈቱ ብፊልምታት ንዕዘም ብሓሳባትና ናብ’ቶም ፋንጣዝያዊ ጠባያት ስለንሰሉዅ እዩ። ኣብ ገዛእ ፋንጣዝያኻ ነቲ ትፈትዎ ጅግናኻ ምዃን ዘደስትን ነፍሰ ንቕሓት’ውን ዘዕቢን እዩ። ፋንጣዝያን ክውንነትን ደረቶም ምስዝሰዓር ግን እቲ ጻዕዳ ምስልዩነት ናብ ጸሊም ይልወጥ።

 እቲ ማራኺ ፍሽኽታን ትሕትናን ሸቃጣይ፣ እቲ ድንጋጼ ዝመልኦ ዝመስል ኣቀራርባ ኣለይቲ ሕሙማት ልስሉስ ክእለት ((soft skill) ተባሂሉ ኣብ ሞንጎ ነጋድን ዓዳግን፣ ሕሙምን ተኸናኸንትን ቅዱው ናይ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ዝምድና ይፈጥር። ፍሕሽው ገጽ፡ ፍሽኽታ፡ ትሕትና ካብ’ቶም ብዅሉ ቅቡላት ዝኾኑ ምስልዩነታት እዮም። ነቲ ዓጺብዎ ክነሱ ጸጊበ ዝብለኒ ከኣ፡ ጊንጢ ዓይነት ነፍሰ ኵርዓት እኳ እንተኾነ፡ እንትርፎ ከማኻ ይብዝሑ ክብሎ ኣይቅየመሉን። እምበኣር ምስልዩነት ወርትግ ኣሉታዊ ኣይኮነን። እቲ ዝሰፊሐ ዝተዘርግሐ ምስልዩነት እውን ናይ ሓሶት ሕጉስነት እዩ። ናይ ሓሶት’ውን ይኹን ሓጎስ ሓጎስ’ዩ ንዝጎድኦ የብሉን ብዘይካ ነቲ ሓሳዊ። ናይ ሓሶት ድንጋጼን ሓዘንን እውን ኣዝዮም ዝርጉሓት እዮም። ነታ ንነዊሕ እዋን ተገዲስናላ ዘይንፈልጥ እኖ ሓጎና ወይ ሓውቲ’ኖና፡ ዝውረስ እንትሃለዋ፡ ኣብ መቓርቦ ሞታ ብዙሕ ንግደሰላ። ኣብ መቃብራ ድማ ነእዊ ጸጉርና ንነጺ። ሓዘን’ና ተዋስኦ እዩ ንብዓትና’ውን ንብዓት ሓርገጽ። ኣብ ኑዛዜኣ እንተዘይሰፊርና ከኣ “እዛ ርግምቲ ስርኤል ቀትሪ ሞት እኳ ክውሕዳ!” ንጻረፍ።

 ደረፍቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ፖለቲካውያን … ኵሎም ኣገደስትን ውሩያትን ኣባላት ማሕበረሰብ ግብረሰናያዊ ፌስታታት ይውድቡ። ንህጻናትን ኣረገውቶትን ስንኩላትን ሕሙማትን ክሳብ ክንደይ ከምዝሓልዩ የርእዩ። ሓቐኛ ሓልዮት ግን የብሎምን። እቲ ድኹም ግድን ሓላዪ ስለ ዘድልዮ፡ ክኣምን ስለዝደሊ ብቐሊሉ ይኣምን- ማለት፡ ይዕሾ። ኪኢላ ምስሉያት ገበርቲ ሰናይ ክሳብ ናብ ‘ነጋውስ ልቢ’፡ ‘እኖታት ድኻ’፡ ‘መልኣኽቲ ሰላም!’ ይስቀሉ። እዚ ድማ ነፍሳቶም ኣብ’ቲ ዘመናዊ ዕዳጋ ኪሸጡ፡ ሞያታቶም ከደንፍዑ፡ ቦርሳታቶም ኪመልኡ የኽእሎም። ተፈታውነት፡ ከም ዝኾነ ኣቕሓ ይሽየጥ እዩ። ኣብ’ቲ ዕዳጋታት ዕቡያት፡ ጃህረኛታት፡ ምኵሓት፡ ታዕናናት፡ ኣባኸንቲ፡ ብላሻት ከኣ ዋጋኡ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ዋግኡ ብልክዕ ኪፈልጥ ዝደለየ ንኣንጀሊና ጆሊ ይወከስ። ሰናይት ገብረህይወት፡ ደራሲት ‘እሳት ልቢ’ (Feurherz): ነቲ ‘ኣውሮጳዊ ስምዒት ንህጻናት ወትሃደራት ኣፍሪቃ’ ዘረጋግጽ ኤርትራዊ ድርሰት ደሪሳ፡ መጽሓፋ ሽዑ ንሽዑ ብሉጽ ተሸያጢ ኴይኑ ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጕሙ ክሳብ ናብ ፊልም እውን ተሰሪሑ። ሰናይት፡ ምናልባት፡ ንክዉል ስምዒት ካልኦት ናይ ምልዕዓልን ናብ ገዛእ ጥቕሚ ናይ ምውዓሉን ኣህጕራዊ ምስኹር ልዑል ክእለት ዝወነት ኤርትራዊት ምስልዪቲ እያ ኣዋልድ ሃገረይ እንኳዕ ደስ በለክን። ንመጠረስትኡ ግዳ ኒሕ ጸረምስሉይነትን ሕግን ስዒሮማ።

 ኣብ ዘመንና፡ ወርትግ ዝነበረ እዩ ግና ብፍሉይ ኣብ ዘምን’ና፡ ምስልዩነት መተካታ ጻልጣ ሓይሊ ንስልጣን ኴይኑ መጺኡ እዩ። ሳላ ኤለክትሮኒካዊ ምትእስሳር ምትላልን ሽሕጠትን ውዲትን ካብ ቅልጽም ዝበለጹ ሜላታት ስልጣን ኴይኖም ኣሎዉ። እቲ ምሉእ ጸወታ ስምዒታዊ ትኵርነት (emational intelligence) ኣብ ኵሉ መሳልላት ማሕበረተሰብ ዚሒቑ ንኵሉ የዋስእ። ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ትዅረቱ፡ ምስልዩነት፡ ከም ሰላማዊ ኣገባብ ኣመጻጽኣ ናብ ስልጣን ተባሂሉ’ውን ክግለጽ ይከኣል እዩ። ምስሉያት ፖለቲከኛታት፡ (ከምኡ’ውን ካህናት፡ ሰበኽቲ፡ ለመንቲ … ) ንረብሓኦም ዘገልግል ስምዒት ንምፍጣር ምስሉይ ነፍሰ ስምዒት ይሰርሑን የስርሑን። ኣብ ሞንጎ ሓቀኛ ስምዒትን ምስልዩነትን ክንፈላሊ ኣዝዩ ስለዘጸግም ከኣ እቲ ምስሉይ ስምዒት ዳርጋ ኵል ጊዜ ሸቶኡ ይወቅዕ። ስለ’ዚ ድማ ኢና ብፊልምታት፡ ተዋስኦታት፡ ስእልታት ክሳብ ልብናን ከድናን እንትንከፍ። ሽሕ’ኳ እቲ ንርእዮ ምሉእ ስምዒት ተዋስኦ/ጸወታ ምዃኑ ንፈልጥ እንተኾንና፣ ንነብዕ፡ ንሓዝን፡ ንሓርቕ፡ ንምሰጥ። ብሓጺሩ፡ ንኣምን።

 እቲ ቀደም፡ እቲ ብምስልዩነት ዝኽሰስ እቲ ላዕለዋይ ማሕበራዊ ቀጸላታት ጥራሕ ነበረ። ኣብ ዘመን’ና ግን እቲ ሸክስፒር ዝበሎ ግዲ ተፈጺሙ ብምልእታ ዓለም ናብ ዓውደ ተዋስኦ ተለዊጣ። ምስላዊ ዘረባ ኣይኮነን ቃል ብቓል ዓለም ናብ ዓውደ ትያትር ምስልዩነት ተለዊጣ እያ። እቲ ኣነነት መሊኡ ኮነ ተባሂሉ ይስራሕ እዩ። እቲ መሳርሒ ኢንተርነት ድማ ኣሎ፡ ስለ’ዚ እቲ ተራ ሓፋሽ እውን ንምስልዩነት ከም መሳርሒ መዓልታዊ ስረቱ ክጥቀም ተማሂሩ። ሞያውያን ተጻወቲ ኵዕሶ ከይተተንከፉን ከይተጎድኡን ከመይ ከምዝተተንከፉ ይወድቁን ከምዝተጎዱ ይመስሉን ብወግዒ ይመሃሩዎን ኣብ ታዕሊማቶም ይለማመድዎን እዮም። ፍሪድሪሽ ኒትሸ፡ “እቲ ተራ ለማናይ እውን ንሽግሩ ካብ ንእሽቶይ ስእነት ናብ ኣስካሕካሒ ዓጸባ ይልውጣ” ኢሉ ይግረ,ም’ዩ። ምናልባት እቲ ዘመናዊ ሰብ ካብ‘ቲ ጥንታዊ ሰብ ዚተፈልየ ምስሉይ ኣይከውንን። እንተኾነ ምዕብልና መሳርሒ ርክባትን ዕቡደዕዳጋ ማሕበረሰብን ንምስልዩነት ኣዝዮም የጋንንዎን ይዝርግሕዎን። ምስልዩነት ናብ ሓቀኛ ጥበብ ማዕቢሉ ናይ ‘ማሕበራዊ ርክብ ሞያውያን’ ዝስየሙ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ናብ ዝደለኻዮ ዓይነት ሰብ ክትከውን ዘኽእሉ ሞያውያን ሸሓርቲ እዮም። በዚ መገዲ’ዚ ከኣ ንመንፈሳዊን ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ርእይቶታትናን ኣዝዮም ይጸልዉ።

 ዝኾነ ስምዒት ክምስለይ ይከኣል እዩ። ስምዒት ከኣ ካብ ክትሓብኦ ክትምስለዮ ይቐልል። ስለ’ዝዲ ድማ ናብ ልዑል ጥበብን ሞያን ተቐይሩ። ጆርጅ ቡሽ ንኡስ ኣርኣያዊ ውጽኢት ፋብሪካ ምስልዩነት እዩ። ሓደ ካብ ቬትናማዊ ግቡኡ ኣብ ‘ሓለዋ ሃገር’ ዝተሓብአ ሰኽራን ነበር ንኣብ ቬትናም ናይ ጅግነት መዳልያ ዝተሰለመ ጆን ከሪ ስዒሩ። ቡሽ ግሩማት ዓለምትን ኣሳናዳእቲ መድረኽን ነበሩዎ። ግሩማት ምስሉያት ንካልኦት ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ንነፍሳቶም እውን ዘእምኑ። ሲልቨስተር ስታሎን ናብ ውግእ ቬትናም መታን ከይስለፍ ኣብ ስቪጸራ ትሓቢኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ መምህር ኴይኑ ኣሕለፎ። ድሕሪ’ቲ ውግእ ግን፡ ኣብ ፊልምታቱ ንነፍሱ ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእ ጅግና ወትሃደር ኣብ ቬትናም ከምዘይነበረ ሰኣላ። ራምቦ! ኣቤት ክኽእለሉ። ኣነ’ስ ኵንታል ገበናዊ ስምዒት ኣብ ዝባነይ ተጻዒኑ ኣንበይከኣልኩዎን። ስታሎን፡ ንነፍሱ ናብ ራምሞ ሰሪሑ ካብ’ቲ ዘይወዓሎ ውግእ ብዙሕ ከሰበ። ነገራውን (መዓት ገንዘብ) መንፈሳውን (ማሕበራዊ ቦታ)መኽሰብ። እቶም ዝወዓሉዎ ከኣ ኣደዳ ኣካላውን መንፈሳውን ስንክልና ኴይኖም ተርሪፎም። ካብ በዓል ጣፍ’ሲ በዓል ኣፍ። ነዚ ስጊንጢር’ዚ ዘኽኣለ ጥበብ ምስልዩነት እዩ።

 እቲ ሽግር ብዛዕባ ምስልዩነት

 ካብ’ቲ ዝለዓለ መንፈሳዊ ክሳብ’ቲ ዝነኣሰ ሰራቒ ይምስለይ። ናይ ሓሶት ቅድስንናን ድርብ ሞራልን (ግብዝና) ኣካል ሃይማኖታዊ ትካላትናን ተለኣኽቱን እዮም። ኣነነት ሰብኣዊ እዩ። ኣነኣዊ ከምዘይኮንካ ገቢርካ ነፍስኻ ምቕራብ እውን ሰብኣዊ እዩ። ሓቅን ምስሉዪን ስምዒት ሰብ ብጭብጢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኪረጋገጽ ስለዘይክእል ምስልዩነት ሓጢኣት (ሞራላዊ ገበን) ድኣ’ምበር ሕጋዊ ገበን ኣይኮነን። እቲ ብምስሉይነት ካልኦት ዝታለል፡ እቲ ግዳዪ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ እቲ ገበነኛ። ሕጊ’ቲ ጸወታ ‘ነጋዳይ፡ ኣዕይንትኻ ክፈት!” እዩ። ምስልዩነት ንሓቐኛ ኣነነት ሓቢኡ ናይ ሓሶት ኣነነት ስለዝፈጥር፡ ብተራ ኣዘራርባ ምትላል እዩ’ሞ ኣብ’ቲ ምስሉይ ገበናዊ ስምዒት ኪፈጥር ይኽእል። እንተኾነ፡ ሰብ፡ ነዚ ስምዒት’ዚ ኣብ ምጥምዛዝን ምሕባእን’ውን ሰልጢኑ እዩ።

 ሓደ ለማናይ ታሪኽ ሕሰመታት ህይወቱ ንባሮን ሮትሺልድ የዘንቱ። እቲ ዝሃብተመ ሰብ ናይ እዋኑ ኣብ’ቲ ሽግራት ህይወት’ቲ ለማናይ ጠሊቑ ኣካሉ ተጨበጠ ገጹ ተጨማደደ። እቲ ለማናይ ብጎቦ ዓይኑ ጠሚቱ፡ ድንጋጼ፡ ንሮትሺልድ ክትከድኖ ረኣየ። ክሳብ ተመሲጡ ክብሃል ዝከኣል ከኣ ሽግራቱ ኣጋኒኑ፡ ኣቃሚሙ ቃነየ። ኣዕይንቲ’ቲ ሜጋ ሃብታም ንብዓት ቋጸሩ። ባሮን ሮትሺልድ ንኣፋሪኡ ጸውዐ። ልቢ’ቲ ለማናይ ብትጽቢተ ርህራሄ ክትነቱጕ በለት። “ነዚ ሰብኣይ’ዚ ንልበይ ከይሰባበረ ኣርሕቐለይ!” ኣዘዘ ባሮን። እቲ ኣጋፋሪ ከኣ ነቲ ለማናይ ብክሳዱ ኣንጠልጢሉ ናብ ግዳም ክረምቲ ደርበዮ። ባሮን ሮትሺልድ ወሃቢ እንተዝነብር ባሮን ሮትሺልድ ኣንበይኮነን። ዝኾነ ሕማም፡ እንተላይ ቁጠባውን ንግዳውን ሕማም ከይተሓጕመን ከይደመየን ከምዘይሓውን! ዝበለ ሰብ’ዩ። ብክውን ሽግርን ብተዋስኦን ዝርስርስ ሰብ ኣይነበረን።

 ኣብ ሲና ኣካላትና ተጎዝዪ ክሳብ ዝሽየጥ ኢና በጺሕና። ባርነት እቲ ዝተሓተ ማሕበራዊ ውድቐት እዩ። ንነዊሕ እዋን ኣካል ታሪኽናን ባህልናን ስለዝኾነ ከም ገለ ኢሉ ንቡር ኴይኑና እዩ። ነብያትናን ብዙሓት ኣርኣያታት መጽሓፍ ቅዱሳትናን ባራዩ ይውንኑ ነቢሮም እዮም። ባርነት ክሳብ ኣምላኽ ባዕሉ ዓይኑ ሰም ዘበለሉ፡ ንሱ ባዕሉ’ውን ከም መቕጻዕቲ ዝጥቀመሉ ዓይነት ዓመጻ እዩ። ባርነት ውጽኢት ፍጹም ስዕረት እዩ።ንባርያኻ ኣካላቱ ጎዛዚኻ ንኽትሽይጥ ኮነ ኢልካ ምቕታሉ ግን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ሓዲስ ሓጢኣት’ዩ። ነቲ ዝለዓለ ጫፍ ሓጢኣት ዝሰንጠቐ ገበን። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምሉእ ፡ እኹብ ‘ኣነነት ኤርትራ’ ዝወረደ ኣካላውን መንፈሳውን ሕስረት እዩ። እቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝተነፍሐ ‘ኣነነት’ ኤርትራ ነዚ ኢሰብኣዊ ውርደት ከመይ ይውሕጦ? እሞ ኣይሓንቆ ኣይቀርጾ! ወይ’ስ እቲ ውሩይ ኣነነትና ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ ምስልዩነት እዩ ነቢሩ?

 ኣይፋልን! ምስልዩነትና እኳ’ስ ክሳብ ክንደይ’ኳ ንጡፍ። ኣነነትና ነቲ ዘይወሓጠሉ ብቐሊሉ ንደገ ኪተፍኦ ጎሪሑ እዩ። ይኽሕዶ። ይጥምዝዞ። ካብ ኵሉ ከኣ ንጎቦ ይጥምት ብዛዕባ ካልእ ይጸዊ። ብዛዕባ መሸጣ ስጋ ኤርትራውያን ባራዩ ኣብ ሲና ኣይተስምዑኒ ልበይ ከይትሰብሩለይ! ይብል። እታ ምኽሕቲ፡ ብድዕቲ፡ ግብዝቲ ልቢ ካብ ትሰባበረኒ ዓይነ ስዉር ምዃን ይበልጸኒ! ይመርጽ። ክሳብ ኣብ ነፍሶም ዝወርዶም፡ እቲ መሸጣ ስጋ ሲና ተቓዉሞ ዝሰርሖ ጸረ-መንግስታዊ ፕሮፓጋንዳ/ተዋስኦ እዩ! ኢሎም ዝኣምኑ ኣሎዉ። ሓቂ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምስተገተረት ግን መልሓሶም ኣቐዲማ ተጋግያ እንታይ ከምዝብሉ’ውን ኣይፈልጡን ተዓዚዞም ይተርፉ።

 እቲ ንመላእ ህዝቢ ናብ ባሮቱ ዝቐየረ መንግስቲ ሰብኣዊ ጥረ ኣቕሓታቱ ከም ድላዩ ኪሸይጥን ኪልውጥን ባህርያዊ መሰል ዝኾነ ወናኒ እዩ። ነቲ ኣቓሓኡ በታቲኑ ክሸጦ ዝያዳ ዘኽስቦ እንተኾነ’ውን መሰሉ እዩ። እዚ ኣረሜናዊ ተረክቦ’ዚ ብባህሪ መንግስቲ ኤርትራን ስነሞገት ዕዳጋን ድሮ ዝተወሰነ መደምደምታ እዩ። እወ፡ ብጭካኔ ባርባራዊ ‘ራሻይዳ’ ክንሓርቕ ይግብኣና እዩ። እቲ ማእከለ ንጥፈት ናይ’ቲ ስጋዊ መሸጣን ኣስመራ፣ እቲ ቀንዲ ወዳቢ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። ነዚ ኵላትና ንፈልጥ። ገዛእ ስጋና ምሻጥ ድኽመትና ኣዘኪሩ ስለዘሕፍረና ነቲ ምሉእ ተግባር ናብ በደው ራሻይዳ ክንድርብዮ ይቐለልና። ዝተገደ ጥራሕ ዓዱ ከም ዝሓድግ ንፈልጥ ኢና። መን ዓዶም ሕደጉ ኢሉ ኣገዲዱዎም!? ኢልና ድማ ንዋሳእ። ራሻይዳ ንእግረ መገዶም ንነዛእ ጥቕሞም እውን ዝሰርሑ መሳርሒ መንግስቲ ኤርትራ እዮም። በዚ ተግባራቱ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ ይቐትል። ካብ መሸጣ ህዝቡ ይኸስብ። ህዝቢ ከኣ ካብ’ታ ኤርትራ ዝተባህለት ቤት ማእሰርቲ ተሓይሩ ክነብር ይግድድ። መኽሰብን ሜላን መቂረሞ ከኣ መንግስቲ ነዚ ንግድ’ዚ ከቋርጾ ኣይኮነን። ደጊም፡ ቈልዑት፡ ካብ ማእከል ኤርትራ፡ ካብ ማእከል ከተማታት ክስረቑ ጀሚሮም ኣሎዉ። ምሻጥ ኣካላት ሰብ ከኣ ፡ ከም’ቲ ኣብ ቺና፡ ብጠለብ ዓደግቲ ክሰላሰል ኪጅምር እዩ። ሓንቲ ኢንዶነዝያዊት ሃብታም ብ50ሽሕ ዶላር ናይ ሓደ ሽጋራን መስተን ሰትዩ ዘይፈልጥ መንእሰይ እሞ ድማ ዓይነት ደሙ ምስ ደማ ዝሰማማዕ ኵሊት ጠሊባ’ስ መንግስቲ ንምሉእ ቤት ማእሰርትታኡ ፈቲሹ ሓደ ተለቪዝዮን ሰሪቑ ዝተኣስረ መንእሰይ ተረኽበ። እቲ መንእሰይ ተለቪዝዮን ስለዝሰረቐ ሽዓ ንሞት ተፈሪዱ ኵላሊቱ ናብ’ታ ሰበይቲ ተሰዅዐ። ድሕሪ ቍሩብ ጊዜ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ውሽጣዊ ኣካላቶም ንመሸጣ ኪቐርብ ዘይክእል ኣረጎውቶትን ሕሙማትን ኪተርፉ ምዃኖም ይስምዓኒ።

 ሽሕ’ኳ ኵሉ ዚፈልጦ እንተኾነ፡ ነዚ ዓንጸጽ’ዚ ነቲ ንጉሰ ነገስት ምስልዩነት ኤርትራ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈጨርቂ ከይዘከርኩ ክድምድሞ ኣይደልን። ከም ደራስን ተዋስእን ምስልዩነት ዝለዓለ ኤርትራዊ ክእለት እዩ – እቲ ዝጸለመ ጸሊም ምስልዩነት። ንበዓል ክእለት ብቕዓቱ ክንክሕዶ ኣይግባእን። ኢሳያስ ያኢ ‘ኣግኣዚ’ እዩ። ሳላ’ኡ እንተዘይከውን ኤርትራ ነጻ ኣንበይወጸትን! ኢሳያስ እንተዘይነብር ኤርትራ ድሮ ተፈናጢሓ ምሃለወት! ኢሳያስ ሓላይ ህዝቢ እዩI ኢሳያስ ውላድ ወርቂ ማህጸን ኤርትራ እዩ! “ንሱ ድኣ ደላይ ጽቡቕ እንድ’ዩ ደይ ሓገዝቲ ስኢኑ እዩ! ምስኪናይ ኢሳያስ … !” ንብለሉ። “ሲ.ኣይ.አይ እያ ዝዒራትና እምበር ዓጋመ ድኣ በየናይ መዓንጣኦምን ክእለቶምን ክስዕሩና!” ነማሳምሰሉ። ነቲ ስንኩፍ ተሃኒጹ ውሒዝ ዝበንቈሮ ሓጽቢ እውን ሲ.ኣይ.አይ እያ ኣፍሪሳቶ! ነቲ ኵሉ ዝፈሸለ መደባት መንግስቲ እውን ሲ.ኣይ.አይ እያ ኣፍሺላቶ! እዞም ኵሎም ምስልዩነታት፡ ኢሳያስ፡ ገና ኣብ ሜዳ እንተሎ ዘበገሶም ናይ ሓሶት ነፍሰ ስእልታት እዮም። ክሳብ ሔዚ ዘይምእራጎም፡ ዘይምፍሻሎም እገርመኒ። እታ ብኢሳያስ ዝተፈትወት ውርይቲ ሜላ ’ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ!’ እያ። ነዛ ሜላ’ዚኣ ዘሰነዩ መግለጺታትን ተግባራትን ክሳብ ኪትኣምኖም ዘሸግሩ ኣደነቕቲ እዮም። ሔዚ እቲ ዝብኢ ደልዪዎ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጋጋኡ ቀርቂሩ ምሕንካስ ሓዲጉዎ። ሔዚ’ስ ነቲ ምምስላይ እኳ ሓዲጉዎ ብግልጺ የላግጽ። ንዓይ ዝትክእ የሎን! ይብል ኣፉ መሊኡ። ንዝመጽእ 40 ዓመታት ኤርትራ ንዲሞክራሲ ብቕዕቲ ኣይኮነትን! ይብል ኣፍ ልቡ ቀሊዑ። እንተደለየ ንኤርትራ ናብ ሶማልያ ክልውጣ ከምዝኽእል ይህድድ። ህዝቢ ኤርትራ ደጊሙ ከምዘይትስእ ጨፍሊቐዮ እዬ! ኢሉ (ብኣምባሳዶራቱ) ይምካሕ። ንሓደ ህዝቢ ካብ’ዚ ዝዓበየ ንዕቀትን ውርደትን ኣይርከብን። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ መዓስ ኢኻ ደገ ኢሳያስ እንዳወሓጥካ ክትነብር? እቲ ጎይታ ምስልዩነት እኳ ምስልዩነቱ ዝቐንጠጠ ንስኻ ክሳብ መዓስ ኢኻ ኣብ ናይ ሓሶት ተዋስኦ ክትለሀ? አረ በይዛኻትኩም ነታ ተሪፋትና ዘላ ጠብታ ነፍሰ ክብረት ነድሕና!

 ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

 27.06. 2013

 ጀርመን

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s