ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

“እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ!” ……. ብሽሻይ ገብረሃንስ

“እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ!” …….እንታይ ሒዙ፡ እንታይ ገዲፉ?


ከም ኣርእስቲ ገሊጸያ ዘለኹ ሓረግ፡ ነተን ብድሕሪ’ታ ዝሰዓባ ክልተ ሕቶታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ኽፍትሽ ደሪኻትኒ፡፡ ብዛዕባኣ ደጋጊመ ክሓስብንSAMSUNG ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከንብቦን ምስ ጀመርኩ ድማ፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ገሊጸዮም ዘለኹ፡ ትርጉማት፡ መረዳእታታት፡ እምነታት፡ ግምታትን ክውንነትን ገሊኦም ተተፈቲሎም ገለ ድማ ተተዘርዚሮም ክብተኑ ክኢሎም። “እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ፡” መልክዕን ኣበሃህላን ቀያይራ መዓልታዊ እትዝውተር ሓሳባት’ያ፡፡ ሓላፋይ’ዩ ሽግር፡ ዘይሓልፍ የለን፡ ጽባሕ ኩሉ ተቐይሩ ክንርእዮ ኢና፡ ክሓልፈልና እንድዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ሽግር ዘየሕለፈ? ብዝብሉ ሓጸርቲን ነዋሕቲን ሓሳባት’ኳ ክትትካእ እንተተራእየት ብኣጠቓላሊ ክርእዮን ክርድኦን ከለኹስ፡ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ዘስምዕ ትርጉም’ዩ ዝህበኒ፡፡ ከም ኤርትራዊ፡ ሽግሩ ተወዲኡ እፎይ ክብል ዘይደሊ ዜጋ የለን፡ ኣብ’ቲ ናብ ሞት ዝተጸጋጋዓሉ ህሞት ከይተረፈ እዚስ ሓሊፉ’ባ ንርእዮ ንኸውን-ብምጥርጣር። ወይ ድማ ክሓልፍ’ዩ’ኮ- ብምትእምማን፡ ብምባል ነብሱ ከጸናንዕ በቲ ሓደ። ነብሱ ከዐሹ ድማ በቲ ካልእ ምርኣይ ንቡር’ዩ። ካብ ነብስኻ ጀሚርካ፡ መቕርብካን ኣብ ግዜ ሽግር ምሳኻ ዘለዉ  ሰባትን፡ ክሓልፈልና’ዩ ኢልካ ከተጸናንዖምን ከተበራትዖምን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣይኣቱን’ዩ፡ ካብ ምርባጽ ኮነ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ ሓጺር ስጉምቲ ከይወስዱ ብምባል፡ እቲ ካልእ ሜላ፡ ምዕሻዉ፡ ብምጥቃም ክትገትኦም ምፍታን’ውን ዝውቱር ተርእዮ’ዩ። መረዳእታን እምነትን ናይ’ቶም ኣብ ሽግር ዘለዉ ሰባት ንምብርታዕን ብተስፋ ንኽሰግርዎን ዝግበር ሃቐና ብምዃኑ ዝጽላእ ኣይምነበረን። መበገሲን ድርኺትን ናይ’ዚ ጽሑፍ ግና፡ ኪኖ’ዞም መሰረታውያን መረዳእታታትን እምነታትን ብምፍንታት፡ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ንዝብል ኣጸናናዒን ሓባባላይን ሓረግ፡ እንታይ ሒዙ እንታይ ከ ገዲፉ ይሓልፍ ኣሎ ንዝብል ክውንነታዊ ሕቶ ንምርኣይ’ዩ

 እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ፡ ካብ’ቲ ብቐዳማይ ደረጃ ግዳይ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ጉጅለ ሰባትን ብዓቢኡ ካብ’ቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ሕብረተሰብን ብተደጋጋሚ እንተተሰምዐት ዘገርም ኣይኮነን። ካብ’ቲ ውልቀሰብ ጀሚርካ እቲ ብእኩብ ኣብ ጸገም ኮይኑ ክሓልፍ’ዩ ብምባል ነብሱ ዘጸናንዕን ዝሓባብልን  ዜጋ፡ እቲ ሽግር፡ ሂወቱን ህይወት ኣሕዋቱን ለኻኺሙ እና ሓለፈ፡ ኣብ መንፈሱ ኣብ ሕልናኡ ኣብ ኣእምሮኡን ኣካሉን ዘይርሳዕን ዘይሓልፍን ስንብራት እናገደፈ ክነሱ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ እናበለ ዝህመል እንተኾይኑን እንተበዚሑን፡ ዓገብ! እቲ ዝሓልፍ እንታይ ሒዙን ገዲፉን ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስትባሃል የድልየካ ክትብሎ ትግደድ።

ከም’ቲ ብተደጋጋንሚ ዝተገለጸ፡ እቶም ኣብ ሲና ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ መግረፍቲ፡ ዝወረዶም ውሽጣዊ ኣካላት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ተተጓሕጒሑ ክዝመትን ክሽይጥን ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብምብእታዎም ጥራይ ነቲ ክሓልፍ’ዩ እናበሉ ዝሓለፍዎን ዘይሓለፍዎን ሽግር ክርስዕዎን ሓሊፉልና እናበሉ ክድሰቱን ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ዋላ’ኳ ናብ’ቲ ዝወሸጠ መንፈስን ኣእምሮን ብምህታፉ ንግዜኡ ብናይ መዓልታዊ ተርእዮታትን ተረክቦታትን ተዓብሊሉ ዝተረሰዐ እንተመሰለ፡ እቲ ኣብ ነብሱ ዝወረደ ሽግር ኣብ ካልእ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ወሪዱ ክሰምዕን ክርኢን ከሎ ዝፈጥረሉ ስምዒት ብምንባብ ጥራይ ካብ’ቲ ሽግር ከም ዘይተናገፈን እቲ ሽግር ከም ዘይሓለፈን ትግንዘብ። እቶም ብሳሃራ፡ ብማኣከላይ ባሕሪ ሰብን መንፈስን ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ገዲፎም ዝሰገሩ፡ ሽግርና ተወዲኡ እቲ ክሓልፍ’ዩ እንብሎ ዝነበርና ሓሊፉ ብምባል ደፊሮም ክዛረቡ ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ካብኡ እንተሓለፈ ካብ’ቲ ኣብ ድሕሪት እግሪ እግሩ ዝስዕብ ሓዉን መቕርቡን ስለ ዘይሓለፈ።

እቲ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ! ዝበሃል ዘሎ ሕማቅ እዋን፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ዝያዳ ዘድምጾን ዝጥቀመሉን ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኤርትራዊ እቲ ሽግር ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣምሲልካ ዝርኢ መንፈስን ሕልናን ዝዓብለሎ ይመስል። ስለ’ዚ ነቲ ዝሓልፎ ዘሎ ሽግር ንምሕጻሩ ዘበርክቶ እጃም ውሑድ ኮይኑ ንረኽቦ፡ ወይ ድማ ነቲ ሽግር ዝፈጠረ ስርዓት ንምእላዩ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ልኡም ተሳትፎ የርኢ። እቲ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ዝብል ስምዒት ምስ ካብ ሃገር ወጺእካ እትረኽቦ መስተርሆት ስለ ዘተኣሳሰርዎ’ዩ ይመስለኒ ነቲ ካብ ናይ ኤርትራ ገበል ኣምሊጥካ ኣብ ናይ ምድረበዳን ባሕሪን ገባብል ምትራፍ ከም መስርሕ ለውጢን ናብ ዝደለኻዮ ዕላማ ንምብጻሕ እትኸፍሎ መስዋእቲን እና ተቖጸረ መጺኡ።

እቶም ካብኦም ንስክላ ድሒኖም ኣብ ዓዲሰብ ኣለዉ እንብሎም ኤርትራውያን’ውን፡ ብዘይካታ ሩሖም፡ ምስቶም ኣብ ባሕሪ ዝተረፉ ብጾቶም ዝተረፈ መንፈሶም መዚንካን ለኪዕካን ሓሊፍሎም ክንብል ንኽእል ኣይመስለንን። ለይትን ቀትርን እናተራእይዎም ጌና ምስ ርቡሽ መንፈሶም ኣብ ልስሉስ ዓራት እንተደቀሱ ሽግሮም ሓሊፉ ክንብሎም ስለ ዘይንደፍር። እቶም፡ ሓደ ውልዶም ናብ ባሕሪ ሓንቲ ጓሎም ድማ ናብ ዓዲ ሰብ ዘእተዉ ስድራ’ውን ሽግሮምን ጭንቀቶምን ሓሊፉ ክንብሎ ዝከኣል ኣይኮነን? ሬሳ ወዶም ዘይቀበሩ ስድራ፡ ምዕጉርቲ ጓሎም ዘይሰዓሙ ቤተሰብ! ኣብ’ዚ ሃዋህው ገዲፍካዮ ንእትኸይድ ሕብረተሰብ ኣብ ባዕዲ ኲንካ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ ኢልካ ከተጸናንዕን ከትሓባብልን ምፍታን ሃየንታ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር፡ ኣብ ኤርትራ ኮንካ ኣይፍታሕን ወይ ኣይሓልፍን ንዝብል መንፈስን መረዳእታን ዝሰብር ሓይሊ ኣተሓሳስባ ክፍጠር ስለ ዘይከኣለ ክሳብ ለይተ ሎሚ ሽግር ኤርትራን ኤርትራውያንን  ካብ ሃገር ብምውጻእ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሃገር ኲንካ ኣይሓልፍን ብምእማን ነቲ ክብረት ዘለዎ ሞት ብምሕሳም ኣብ ሰሃራን ባሕሪን ዝሞተ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን። ጅግንነት ፈጺምካ ንቡር ቀብሪ ካብ ምርካብ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ምጥሓልን፡ ብምብሕጓግ ውሽጣዊ ኣካላት ንዘጓንፍ ዘይንቡር ቀብሪን፡ ክሓልፍ’ዩ እናበለ ምእታዉን ምቕጻልን ዘዘውትር ዜጋ ጥዕና ዘለዎ ሰብ’ዩ ክትብሎ የጸግም።

እቲ  ኣብ ሽግር ዘሎ ውልቀሰብን ሕብረተሰብን እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ሽግር ንኽእለን ንኸኽትምን እንታይ ተራ ይጻወት፡ እንተሓቲትካን እንተተዓዚብካን ድማ ብዘይካ ውሑዳት እቲ ዝበዝሕ ኣብ  ምምራር፡ ስራሕ ሰብ ናብ ፈጣሪ ኣብ ምጽግጋዕ፡ ብዘይካ ካብ መንገዲ ተኣሊኻ ኣብ ጓል መንገዲ ግዜኻ ምብኻን፡ ብዘይካ ስምካን ስም ውድብካን ምጽብባቕ፡ ብዘይካ ልኡኽን ዕሱብን ጎረባብቲ ምዃን፡ ብዘይካ ነቲ ንስኻ እተስዕቦን እትመጦን ዘለኻ ሽግር ህዝቢ ሓቢእካን ከዊልካን ናብ’ቲ ፍሉጥ ስርዓት እናተዓቖብካ፡ ጉድለታትካን ጸገማትካን ምስቲ ፍሉጥ ዲክታቶር እና ኣወዳደርካ ሽግር ንኸይሓጽር እጃምካ ምብርካት፡ ነቲ ክሓልፍ’ዩ ዝብልዎን ዘማርሩሉን ግዜ ንኽሓልፍ ዘተግበርዎ ተጨባጢ ተግባር ኣየርኣዩን። እንተ ነታ  እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ እትብል ሓረግ ምድግጋም ኣየዕረፉን።

እተን ከም ኣርእስቲ ገሊጸየን ዘለኹ ነጥቢታት ብኹሎም ወገናት ዝድመጻን ዝደጋገማን’የን። በቲ ግዳይ ጉዕዞ ስደት ዝተተሓሓዞ፡ በቲ ደላዪ ፍትሒ ዝብል ውድብን ምንቅስቓስን፡ በቲ ህዝቢ ጸቒጡን ገቢቱን ሒዙ ዘሎ ስርዓት’ውን ከይተረፈ ብማዕረ ይስምዓ። በቶም ደገፍቱ’ውን።

እቲ ግዳይ ንርእሱ፡ እቶም ብስም ደለይቲ ፍትሒ ንዓሰርተታት ዓመታት ወሰን ወሰን ዝነበሩን እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝጥዕሞ ጨፍሊቑ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፍን ነቲ ክሓልፍ’ዩ ዝብል ሓረግን ሓሳባትን ካብ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ወጻኢ ንዕኦም ብዝጥዕሞም ክትርጉምዎ ስለ ዝረኣዩ፡  ካብ’ቲ ግዳይ ዝኾነ ውልቀሰብ ኣትሒዝካ ክሳብ’ተን ብጉጅለ ሰባት ቆይመን ዘለዋ ውድባት ነቲ ክኸውንን ክትግበርን ዝነበሮ ንጸጋም ኣወንዚፍካ ኣብ’ታ ክሓልፍ’ዩ እትብል ሓረግ ምዑቋብ ልሙድ  ገይሮሞ ይርከቡ።

እቲ መላኺ ስርዓት ብወግዓዊን ዘይወግዓዊን ኣገባባት ይተኣመን ኣይተኣምን ብዘየገድስ፡ እዘን ረጊጽናየን ዘለና 3-4 ዓመታት እንተሓሊፈን ገበላና መዓር ከንጠብጥብ’ዩ፡፡ ዝመጽእ ወለዶ ካብ ናትና ዝበለጸ ንኽነብር ኢና ንጽዕር ዘለና፡ ዝብሉን ካልኦትን ጎስጓሳት ክነዝሕ ንቡር’ዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ’ዘን ጌና ካብ ቃሉ ከይወጻ ዝሞታ ቃላት ተሞርኲሱ ተስፋ ክሰንቕ እንተተቐሲቡ ግና ኣብ ንቡር ኩነተ ኣእምሮ ኣሎ ንምባል ኣየድፍርን።

ንሕና፡ ካብ ዓማጺን ገባቲን ስርዓት ህግደፍ ከነናግፈካን ነዚ ሽግርን መግዛእቲን ነበረ ንኽንገብሮን ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብሉ ጎስጓሳት ድማ ካብ ደንበታት ደለይቲ ፍትሒ ምስማዕ ኣረብሪብዎ ይርከብ ህዝቢ። መወዳኣት ዘይብሉ ኣገልግሎት፡ ምስ መወዳኣታ ዘይብሉ ምፍንጫልን ምምቕቓልን ውድባት፡ ዋሕዲ መሰረታዊ ቀረባት፡ ምስ ዋሕዲ ምትእምማንን ምስምማዕን ውድባት፡ ምእሳርን ሃንደበታዊ ሞትን ኣብ ኤርትራ፡ ምስ ጸለመን ድስካለን ሓያላት ኣብነታውያን ኤርትራውያን፡ ብምምስሳል እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ንዝጽበዮን ንዝኣምኖን ሓርቢትዎ ኣብ ዕንይንይ ይርከብ። እቲ ክሓልፍ’ዩ ዝበሃል ዘሎ እምበኣር ብዘይካ ሕጊ ተፈጥሮ ኮይኑዎ፡ መዓልቲ ብመዓልቲ ዓመታት ብዓመታት ፍጻመታት ብኻልኦት ፍጻመታት  እና ተተኻኸአ ክሓልፍ ካብ ኤርትራውያን ንሽግር ኤርትራውያን ንምሕላፍ ዘነይት ተግባር ተራእዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሓት ንረብሓ ህዝቢ ድዩ ንወጽዓ ህዝቢ ኣንፈቱ ኣየነጸረን ዘሎ። ኣብ መጠቓለሊ ጽሑፈይ እምበኣር እዚ ሽግር ኣብ ግዜን ግብራዊት ዓለምን ተተርኢሱ ስለ ዝመጸ ከም’ቶም ኩሎም ዝሓለፉ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፍ’ዩ። እቲ ንሱ ዝገድፎ ዘሎ ስንብራት ንምቕናስ እቲ ንሱ ሒዝዎ ዝሓልፍ ዘሎ ትንፋስ ንምጉዳል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ዘለዎ ሓድሽ ሓይሊ ምፍጣር ወይ ምስራሕ የድሊ።

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s