ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ገለ ሓሳባት ብዛዕባ ትዕቢት!

ገለ ሓሳባት ብዛዕባ ትዕቢት!
ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ይመሃር ኣይመሃር፡ ይብላሕ ይጉደም፡ ብዛዕባ ትዕቢት ኤርትራውያን ዳግመafrican_sunset_by_sclarke1991-d5io24p ግምት ክግበረሉ ዝጠልብ ይመስል!! እዚ ብመንገዲ ትግራይ ጌሩ ዝሓልፍን ኣብኡ ነዊሕ ዝቕመጥን ኤርትራዊ ዝያዳ የንጸባርቖ።

ኣብ ስደት ዘሎ፡ ጽልዋኦም ዝሓደሮ ኤርትራዊ’ውን ብልዑል ይደጋግሞ!! ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ እቲ ትዕቢት፡ ብቐጥታ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝመጸን ባዶ ፈኸራን ጌሮም ዝርድእዎን ዝጉስጉሱሉን ኤርትራውያን ማእለያ የብሎምን፡፡ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፡ ካብ ጽልዋን ጎስጓስን ጎረባብትና ዝተበገሰ ምዃኑ ኣየማትእን። እዚ ድማ፡ ኣብ ባህሪ ውልቀሰብን ሕብረተሰብን ዘሎ ፍልልይ ካብ ዘይምርዳእ ዝመጽእ ደኣ’ምበር ህዝባዊ ግንባር ዝሰርሖ መንነት ስለ ዘሎ ኣይኮነን፡፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ወጺኡ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወሰዶን ምስ ቃልሱ ኣጠዓዒሙ ዘስረጾ መንነትን ኣሎ፡፡ ነዚ ትዕቢት ንሱ እዩ ሃኒጽዎ ኢልካ ምድምዳሙ ግና ዝከኣል ኣይመስለንን!! ዝኾነ ስርዓት፡ ንስርዓቱን ንቓልሱን ክሃንጽ እንተኾይኑ፡ ባህሪ ውልቀሰብን ባህሪ ሕብረተሰቡን ከጽንዕ ይነብሮ፡ ንዕኡ ተኸቲሉ ኣብኡ ሓደ መንነት ሰሪሑ ንቓልሱ ዘካይዶ ኣገባባት ይኽተል፡፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ስለምንታይ እዩ ነታ ትዕቢት እትብል ባህሪ ከም ሓንቲ መለለይት ኤርትራውያን ጌርካ እትውሰድ? ኤርትራዊ ካልእ መለልዪ መንነትከ የብሉን ድዩ??? ቅንዕና፡ ዘይናትካ ዘይምድላዪ፡ ንሓውኻን ኣባል ስድራኻን ክትብል መስዋእቲ ምኽፋል(ዋላ’ኳ ሃሳዪ እንተኾነ) ጻዕራም፡ ሃካይ ዘይምዃን. . . . እዚኦምን ካልኦትን ባህረታት ኤርትራውያን ኣይለዓሉን ኣይዝከሩን ስለምንታይ?? ምስትውዓልና ክንዲ ምንታይ ምዃኑ ክመዝን የጸግመኒ፡፡ እቲ ብዛዕባ ትዕቢት ኤርትራውያን ከማርር እትርእዮ ክፋል ሕብረተሰብ ክዕበን ነቲ ናይ ኤርትራውያን ትዕቢት ቀቢሩ ልዕል ኢሉ ክረአን ምድላዩ እንታይ’ዩ እቲ ምስጢር!??? ኤርትራውያን ጎረባብቲ ኣለዉና፡ ብዘይካ ንትዕቢትና ንኻልእ ባህረትና ርእዮም ከፍቁሩናን ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑን ኣይክእሉን ድዮም ኮይኖም?? ነቲ ንዓና ናብ ውድቀት ዘምርሓና (ከምቲ ዝብልዎ) ትዕቢት ንሶም ክላበስዎ ምድላዮምከ እንታይ’ዩ እቲ ዕላማኡ??? መለክዒ ትዕቢት፡ ብኸመይን ብመንን እዩ ህሉው ኩነታት ህዝቢ መነጻጸሪኡ ኮይኑ? ኤርትራውያን ዘይንዕበ ነይርና እንተንኸውንከ ናብ’ዚ ሽግር ኣይንተሸመምናን ማለት ድዩ? ንዓይ ከምኡ ኮይኑ ኣይስመዓንን፡፡ ባህረትና እንተኾይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ይሃሉ ኣይሃሉ ክንቅጽሎ ኢና። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝሰረጸና እንተኾይኑ ድማ ምስ ምውዳቑ ክንገላገል ኢና። ባህሪ ውልቀሰብን ህዝቢን ኤርትራ ካብ ዘይምርዳእ ዝተዋህበ መደምደምታ ስለ ዝኾነ ብዙሕ የሕዝነኒ፡፡
እቲ ትዕቢት ዘዘውትር ብሰንኪ ትዕቢቱ ክወድቕ’ዩ እንተኢልና፡፡ እቲ ትዕቢት ዘየዘውትር እንተውደቐኸ እንታይ እዩ ክበሃል?? ዲክታቶርነት ዘስዕቦ ዕንወት ደኣ’ምበር ትዕቢት ዘስዕቦ ውድቀት ከም ዘየለ እየ ዝርዳእ! እቲ ዕቢያት ኢኹም ኢሉ ንክሳድ ኤርትራውያን ከድንን ዝደሊ ሕብረተሰብን ጽልዋኡ ዘሕደረሎም ኤርትራውያንን፡እቲ ትዕቢት እንተኣወንዚፍኩሞ ካብ ስርዓት ህግደፍ ክትገላገሉ ኢኹም ህዝብኹም ክሓልፈሉ’ዩ ዝብል መረዳእታ ዶ ይህልዎም ይኸውን?? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ንስርዓት ህግደፍ፡ ንትዕቢት ኤርትራውያን ሓግሒግካ ምውጻእ ከድሊ’ዩ፡፡ ስርዓት ሓደ ዝንቀሳቐስ ነገር’ዩ። ባህሪ ሓደ ስዉርን ነዊሕ ዝተቐብረን’ዩ፡፡ ንምምሓዉ ኣየናይ ይቐልል?? ንሕና ኤርትራውያን ኣየናይ ክንቀብርን ክንብርቁቕን ይቐለና?? ገረቤትናን መቕርብናን ዝብልዎ ገዲፍና?? እቲ ብትሕትና ዝልለ ክፋል ሕብረተሰብ ጌና ካብ ናይ ኤርትራ ቁሩብ ደኣሉ ተፈንቲቱ’ምበር ርሑቕ ኣይከደን፡፡ እንተኾነ ንሱ’ውን ይዕበ እዩ!! ንባህሪን ስነምግባርን ሓደ ሰብን ሕብረተሰብን ምስ ህሉው ኩነታት እንተኣወዳዲርካዮ ግጉይ መደምደምታ ኢኻ እትበጽሕ። ኤርትራውያን ንስደድን ንዋረድን ስለ ዘለና ክሳድና ከነድንን እንተኾይንና፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣሊና፡ ሓርነትና ምስ ረኸብና ትዕቢትና ክንቅጽሎኸ ይፍቀደናዶ??? ባህሪን ህሉው ኩነታትን ፈሊኻ ምርኣይ የድሊ፡፡

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s