ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ኣግኣዚያን ክጠፍእ እንተኾይኑ፡…… ? 2ይ ምዕራፍ

  ኣግኣዚያን ክጠፍእ እንተኾይኑ፡ ንኣግኣዚያን ዝፈጠረ’ውን ክጠፍእ ኣለዎ! መን’ዩ ንሱ? 2ይ ምዕራፍ

       ግርህ ኢልካ ከተንብቦ፡ ተራ ኣርእስቲ እዩ። ማለት፡ እወ እቲ ንዕኡ ዝፈጠረ ክጠፍእ ኣለዎ፡ ነዚ ደኣ እንታይ ሕቶ ደሊኻሉ የብል’ዩ። ግናኸ ንኣግኣዚያን ዝፈጠረ መን ምስ ኮነ እዩ? ንኣግኣዚያን ዝፈጠረ፡ እቲ ኩሉ ሳዕ ሕውስዋስ ሓበረታን፡ ሰንኮፍ መወከሲታት ተጠቒሙ መደምደምታ ዝበጽሕ ሰብ ኣይኮነን። እዚ ዝብለሉ ዘለኹ ምኽንያት፡ ንብዙሓት ሰባትን ኩነታቶምን ኣልዒሉ ክዛረብ ከሎ፡ ወይ ንኻልእ ኣርእስቲ ኣልዒሉ ሓሳቡ ከካፍል ከሎ ዝጥቀመሎም መወከሲታት ክትምርምሮም ከለኻ፡ ዝኾነ ዕምቆት ዘይብሎም ሰባት ኮይኖም’ዮም ዝጸንሑኻ።

       እዚ ክጠፍእ እንተኾይኑ ግና፡ እቲ ዝፈጠሮ ውልቀሰብ ክጠፍእ ኣለዎ ንምባል ኣይኮንኩን ኣንቂለ። ንኣግኣዚያን ዝፈጠረ፡ እቲ ናይ ገለ ገለ ኤርትራውያን ሙስሊም ስምዒትን ሕማም ባዕዳዊ ቋንቋን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ምስኦም ንዓመታት ብህግደፍ ዝተበደለን ዝተጨወየን ትግርኛዊ ሕብረተሰብ’ኳ፡13901346_180159105736509_2223806239047638323_n ከም ዝጠዓሞን ንዕኦም ድማ ይዘርዮም ከም ዘሎን ደምዲሞምስ፡ ናይ በይኖም ውድባትን ምንቅስቓሳትን ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ዘኸትሎ ሳዕቤን ከይገምገሙ፡ ንወገኖም ብብሄራዊ ዓይኒ ጎስጒሶሞ እዮም። ብሰንኪ’ዞም ኣብ ከተማታት ኮይኖም ብሕማም ዓረባዊ ስምዒት ተጸልዮም ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ጽልኢን ቅርሕንቲን ዝሰብኩ ዝነበሩን፡ እቶም ካብ ኤርትራ ወጺኦም ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነናቶም ውድባት ክገብሩ ዝኸኣሉን ኣካላት ወይ ወገናት፡ ንኣግኣዞያን ንኽፍጠር ዓቢ ድርኺት ነይርዎም እዩ። ስለ’ዚ፡ ነዞም ቁንጣሮ፡ ግና ጸኒሖም ክብርክቱ ዝኽእሉ ጥሩፋት ከየጥፋእካ ንኣግኣዚያን ከጥፍኦ’የ፡ ኣግኣዚያን ሓደገኛ’ዩ ኢልካ ምድምዳም ሚዛናዊ ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣግኣዚያን ጥራይ ኣተኲርና እንተጸሓፍናን እዞም ዝጠቐስናዮም ኣግኣዚያን ክፍጠር ድርኺት ዝኾኑ ወገናት’ውን ማዕሪኡ ክጠፍኡ ከም ዝግብኦምስ ኣይዘንጋዕናን። ዋላ’ኳ ቁጡዓትን ብነብሰ ምትሓት ዝተሳቐዩን እንተኾኑ፡ ሓቁ ገሊህካ ክንገሮምስ ኣለዎ። እወ፡ ንሶም ኣግኣዚያን ክፍጠር ድርኺት ከም ዝኾኑ፡ እወ ኣግእዚያን ከብቅዕን ህላውነቱ ክሃስስ እንተኾይኑን፡ ነቶም ኣዝዮም ውሑዳት ወገናቶም ከዐርይዎምን፡ ትግርኛ’ዩ ገዛኢና ዝብል ስምዒት ካብ መንፈሶም ሓኺኾም ከጥፍእዎን ይግብኦም። ኣብ ክንዲ ብኣብ ዒራቕ ዝሞተ ሳዳም፡ ብኣብ ፓኪስታን ዝሞተ ቤንላደን ዝሓዝኑ፡ ብኣብ ሃገሮም ዘሎ ሕብረተሰብ ትግርኛ ክሓዝኑ ይግብኦም እወ። ብምሉኦም ኣይሓዝኑን ማለት ዘይኮነስ፡ ኣቶም ውሑዳትን ዕጹዋትን ግና ዝስመዖም ሓዘን ኣይረኣናን። 
    ኣነ ንኣጋኣዚያን ዝቃወመሉ ምኽንያት፡ ኣነ ነዞም ጸበብቲን ጥሩፋትን ሙስሊም ኤርትራውያን ዝቃወመሉ ምኽንያት፡ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ናይ ሓሶት መንገዲታት፡ ሓደ ገፊሕ መንገዲ ሓቂ ከም ዘሎ ስለ ዝኣምን እየ። እዚ ገፊሕ መንገዲ ሓቂ ድማ፡ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ኤርትራዊ ዝመላለሰሉ መንገዲ እዩ። እዚ ወገን’ዚ፡ እቲ ንናይ ክልቲኡ ወገን ሕሉፍ ስምዒታት ወጊድ ኢሉ፡ ብፍቕሪን ብምክብባርን ክነብር ዝመረጸ ወገን እዩ። ንሱ ይበዝሕ ንሱ ድማ ይስዕር።
     ዝበዝሕ ሰብ’ውን እዚ ምርጫ እዚ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ። ንክልተ ናይ ሓሶትን ናይ ጥፍኣትን መንገዲዶ፡ ነቲ ሓደን ገፊሕን መንገዲ ክመርጽ፡ ኣብ ቅድሚኡ’ዩ ዘሎ’ቲ ምርጫ። ምስኡ ድማ ብዛዕባ ሎሚ ወይ ድሕሪ’ዚ ወለዶ ክመጽእ ዝኽእል ጸገም ሓሲቡ እንተወሲኑ’ውን ጽቡቕ።
    ኣብ’ቲ ዝዓበናሉ ታሪኻዊን ቅርሳዊን ከተማ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ሰብ ጸበብቲ ርእሲን መንፈስን ሳሆ ነይሮም። እዚኦም ድማ፡ ኣብ ስደት ንዝርከቡ መተዓብይቲ ንኣግኣዚያን ክድግፉን ምስኡ ክጽንበሩን ድርኺት ኮይንዎም እዩ። ኣቐድም ኣቢሎም’ውን ብግንባር ሳሆ ተጠርኒፎም ኣንጻር ትግርኛዊ ሓይሊ ምዃኑ ቃልሶም ጎስጒሶም እዮም፡፡ ጀበርቲ፡ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ተመሳሳሊ ስምዒትን ተልእኾን ነይርዎምን ንገሊኦም ድማ ክሳብ ሕጂ ኣለዎም። እዚ’ውን ቀሊል ተራ ኣይነበሮን። ግናኸ፡ እቶም ኣብቲ ዝዓበናሉ ከባቢታት ዝነበሩን፡ እዞም ኣብ’ቲ ውድብ ዝተጠርነፉን ውሑዳት እዮም። ኣብ መስርሕ ክዕረዩን ክመሃሩን ዝኽእሉ ውሑዳት። ድሮኳ ብዙሓት ተማሂሮምን ተኣሪሞምን ኣለዉ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ እዩ። 
    እዞም ነዚ ከም ሓደ ጭብጥን ምኽንያትን ወሲዶም ናብ ኣግኣዚያን ዝተጠርነፉ፡ ካብኡ ክእለዩን ነቲ ብዙሕ ክርእዩን እንተኾይኖም። እቲ ሓደ ወገን ነጻ ምዃኑ ብግብሪ ከርእዮም ኣለዎ ይመስለኒ። እወ፡ እቲ ንትግርኛዊ ሕብረተሰብ እቲ ምስኦም ዝዓበየን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን ሕቖን ከብድን ምዃኖም ብግብሪ ክኣምኑን፡ ነቲ ምስኦም ዘሎ ሓዎም ኣብ ክንዲ ብጽልኢን ብቂምን ብፍቕርን ብቕንዕናን ክርእይዎን ክቐርብዎን ይግባእ፡ ንኹሉ ንኽሕሾ። ልዕሊ ኩሉ ግና ንዕኦም ንኽሕሾም። ከከም ዘለናዮ ብሕይሊና ክንዋጻእ ኢና ዝብል ዓሻ ስምዒት እንተዓብሊሉዎም ግና-ንኽልቲኦም ወገናት፡ ዘዋጽእ ኣይኮነን።
     ካብ’ዚ ቀጺለ፡ ሓደ ካብ’ቲ ስነ መጎታዊን ርትዓዊን ዘይኮነ ጎስጓስ ኣግኣዚያን ክፍትሽ ክፍትንየ። ንሱ ድማ፡ ዝበዝሕ ግዜ ንብሄራት ኤርትራ፡ ብሰንክ’ቲ ትግርኛዊ ሓይሊ’ዮም ምሉእ ቀረባት ትምህርቲን ሕክምናን ዝረኽቡ ዝብል ኮይኑ፡ ንብዝሒን ኣበርክቶን ናይቲ ትግርኛዊ ወገን ኣልዕሉ ብምግላጽ ንሰማዕቱን ንኣመንቱን ከስክር ይረአ እዩ። እዚ ድማ፡ ሸውዓተ ትግርኛውያን ሰባት ናብ ትምህርቲ ስለ ዝለኣኸ ዘውጽኦ ገንዘብን፡ ክልተ ሳሆውያን ስለ ዝለኣኸ ዘውጽኦ ገንዘብን ክፈላለ ባህሪያዊ እዩ። 8 ህጻናት ንክታበት ዝለኣኸ ትግርኛዊን፡ ሰለስተ ጀበርቲ ናብ ክታበት ዝለኣኸ ጀበርታዊን ማዕረ ወጻኢታት ከካይዱ ኣይግባእን ኣይከኣልን’ውን። እቲ ብዙሕ ንናይ ዝበዝሑ ወገናቱ ክብል ብዙሕ ወጻኢ ይገብር። እቲ ውሑዳት ዝወጋነቱ ድማ ንናይ ውሑዳት ረብሓ ክብል ውሑድ ወጻኢ ይገብር። ኣብ ምርጫ’ውን ከምኡ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ብቑጽሪ ውሑድ ዝኾነ ወገን፡ ውሑድ ወጻኢታት ጌሩ ይነብር።
     ኣግኣዚያን ብዛዕባ’ቶም ኣብ ባርካን ሳሕልን ዘለዉ ብዛዕባ ዝጉስጉሶ እንተሰሚዕካ’ውን መስደመም እዩ። እቶም ሰበኽ ሳግም ኢና፡ ንተጋደልቲን ንገድሊን ኣይነዑቁብን፡ ገመልና ኣይንህብን፡ ቦታና ኣይነፍቅድን፡ ማይናን ገረብናን ኣይንህብን ዘይበሉ ኤርትራውያን፡ ድሕሪ ናጽነት ናይ ትምህርቲን ሕክምናን ምምሕያሽ ዝተገበረሎም ብሰንኪ ትግርኛ’ዩ ኢሉ ክጉስጉስ ክትሰምዖ ዘየሰንብድ ኣይኮነን። ነዚ ከም ሓደ ብርቂ ሓሳባት ወሲዶም ዝደጋግምዎ ድማ ካብኡ ዝገደዱ። እቲ ኣብ ሕማቕ እዋን ዝሃበ፡ ኣብ ጽቡቕ ዝበልካዮ ግዜ ድማ ክትመልሰሉ ንቡርን ጽቡይን እዩ። ነቲ ከይተመሃሩን ኣብ ሓደ ቀዋሚ ቦታ ከይተቐመጡን ዘበርከትዎ ሓገዝ፡ ኣብ ሓደ ከባቢን ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ኮይኖም ብፍልጠትን ብተመኩሮን ከበርክቱ እንተገበርካዮም ጽቡቕ’ምበር ነውሪ ኣይኮነን። ኣጋኣዚያን’ውን እንተኾነ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብሓደስቲ ዝመስሉ ቃላትን  እቲ ህግደፍ ዝገበሮ ጥራይ እዩ ክደግም።
  ኣብ መደምደምታ፡ ህላወ ኣግኣዚያን ከብቅዕ እትደልዩ ወገናት፡ ህላወ ጥሩፍን ጸቢብን ስምዒት ሙስሊም ኤርትራውያን ከብቅዕ ምስ ዝኽእል ጥራይ ምዃኑ ክናኣምን ዝግባኣና ይመስለኒ።

  ርሑስ ቅንያት ኣውደኣመት ንኹልና ኣመንቲ ክርትስና!

1 reply »

  1. ልክዕ ዩ! ጸቢብ ስምዒት ጸቢባውነት ዩ ዘንግስ! ምትእምማን ምፍጣር ግን መሰረታዊ መትከልና እዩ።
    ———————————————————

    ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ ዓይነታዊ ፍልልያት ወጊድ ብምባል፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ብምህብታም፡ ጸቢብን ልሙስን ሓሳባት ብምትፋእን፡ ማዕርንትን ምትእምማንን ብምፍጣር ‘ዩ ተጨቢጡ። ካብቲ ንምጭባጡ ዝተኸፍለ ዋጋ ንላዕሊ፡ ንምውሓሱን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብማዕረ ተኸባቢሩ ዝሓድረሉን፡ ናጽነት ዘስተማቕረሉን ባይታ ምፍጣር ድማ ዝኸበደ ዋጋ ዝሓትት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

    ኩሉ’ዚ ኣብዚ ዓምዲ ቀሪቡ ዘሎ፡ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽ ምስ እንፍትሽ፡ ጠንቂ ዘለዎ ሳዕቤን ምዃኑ ብሩህ እዩ። ንገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ብመሳፍንትን ካልኦት እንዳዊ ስነ ሓሳብ ዝተደረቱ ውሑዳንን፡ ንረብሕኦም ዘንገስዎ ሓደ ቀቢላ፡ ሃይማኖት፡ ወይ ጉጅለ፡ ልዕሊ ካልእ ጌርካ ከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ሕልሚ ዘንቀሎ ስምዒታት፡ ዝወለዶ ሱር ድንቁርና ኮይ-ን-ና ምህላዉ ክንዝንግዕ የብልናን። ጥሩፍነት ሙስሊም፡ ነቲ በዞም መሳፍንቲ፡ ራእስታትን፡ ካልእን ኣብ ልዕሊኦም ዝተተግበረ ግፍዕን ዕብለላን ንምክልኻል ዝተበገሰ ምዃኑ ታሪኽ ዘነጽሮ፡ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ፈኸም ክብል ንሪኦ ኣለና።

    ግን ውጽኢታዊ ድዩ?

    ማዕርነት፡ ከም ስማ ማዕረ ምዃን ማለት እያ። እዚ ኣምር እዚ ግን፡ ጌና ክሳብ ሕጂ ኣብ መንፈስ ዜጋታትና ኣይነገሰን ኣሎ። መሰረቱ ኣብ ታሪኽ ኮይኑ፡ ብኣፈ ታሪኽ ይሰጋገር ምህላዉ ድማ፡ ዝገደደ እንዳኾነ ክመጽእ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ይኹን ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ከም ሃገር ዝፈጠረልና መኽሰብ የለን። ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ እንውከስ፡ ብሰንኪ ‘ዚ ፍልልይ፡ ኣብ 1940ታት ክንረኽቦ ዝግበኣና ዝነበረ ናጽነት ተነፊግና፡ ንዘይተደልየ ብረታዊ ቃልሲ ተፈሪድና። ፍልልያትና፡ ካብ ሃይማኖታዊ ዓይኒ ዝረሓቀ ምስ ዝነብር፡ ኣብ 1940ታት ህዝቢ ትግርኛ፡ ኣንድነት ወጊድ ኢሉ፡ ንናጽነት ደጊፉ ምስ ዝነብር፡ ምትእምማን ምነገሰ። እዚ ንግሆ ንግሆ ከም ቃንጥሻ ዝበቁል ዘሎ ምትህልላኽ ውን ኣይምተጋህደን።

    ነዚ ምትእምማን ‘ዚ፡ “እቲ ከይጠፍአ፡ እቲ ሓደ ክጠፍእ ዝኽእል” ምባል ‘ከ ይፈጥሮ ‘ዶ ይኸውን?

    እዚ ምስ ዝጠፍእ፡ እቲ ይመጽእ፡ ዝብል ብከፊል ሓቂ እኳ እንተኾነ፡ ንምትእምማን ዝግባእ ጻዕሪ ምስ እንገብር እዩ ሓቀኛ ባህግና፡ ባህጊ ናጽነትን ማዕርነትን ዝጭበጥ።

    ጸቢብ ስምዒት ግን ብኣንጻሩ፡ ጸቢባውነት ከም ዘንግስ ኩሉ ግዜ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ንናጽነት ከም ደቂ ሓንቲ ማህጸን ዝሰራሕና፡ ሕጂ ውን ንናጽነትና ንምውናን፡ ንሱ ከምዚ እንድዩ ዝገብር ዘሎ፡ ኣነ ካኣ እዚ እየ ዝገብር ዝብል ትምክሕትን ምትህልላኽን ወጊድና፡ ማዕርነት ንምንጋስ ክንጽዕር፡ እቲ ካልኣይ ገጽ ዕዮ ገዛ ናይ ስዉኣትና እዩ።

    Like

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s