ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ግዳይ ነጋዶ ሰብ

                    ግዳይ ነጋዶ ሰብ 
                                ርዕመት ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ

 

ጭብጥታት ናይ‘ዚ ዓንቀጽ‘ዚ ካብ‘ቲ ብዕለት 31. 8. 2017 ኣብ መጺሔት ሽተርን፡ ቍ. 36 ብጋዜጠኛ ፍራንቸስካን ሰኣሊ ኣለስዮ ሮመንዚ ዝተጻሕፈ ዝተወስደን ብዳንኤል ሰ. ተስፋይ ንኣንበብቲ ትግርኛ ዝረዓመን እዩ።

ግዳይ ነጋዶ ሰብ

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፡ እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ፈጺሙ ነቒጹ ይርከብ። ኣውሮጳ ካብ ዋሕዚ ስደተኛታ ሰላማ ረኺባ ኣላ። እዚ ኣውሮጳዊ ቅሳነት’ዚ ግን ብዋጋ ስቕያት ናይቶም ሕጂ በቶም መስሎዅቲ ዑቕበኛታትን (ነጋዶ ሰብ) ብልሹዋት ሰበስልጣናት ሊብያን ኣብ ፈቐዶ ወግዓዊ መኣከቢ ማዕከናትን ቤት ማእሰርትታትን ንግዜኡ ዝተኸዘኑ ስደተኛታት ዝተገዝአ እዩ። ሓጺር ቈላሕታ ኣብ‘ቲ ድያብሎሳዊ ንግዲ ኣብ ዝፈረሰት ሃገር።


እቲ ህድኣት ኣብ ወደብ ዛውያ ናይ እውነት ኣይመስልን። ገለ ገፈፍቲ ዓሳ ጃልባታቶም የጽርዩን ሰኪዔታቶም የሰማምሩን። ኣሰር ሓለውቲ ዶብ ገምገም ባሕሪ ዝበሃል የሎን። ከምኡ’ውን ኣሰር ናይቶ’ም ኣብቲ ቦታ ፍሉጣት ነጋዶ ሰብ የሎን። ከም’ውን ኣሰር ስደተኛ ዝበሃል የሎን። ብዙሕ እዋን ድማ እቲ ባሕሪ ምዉታቱ ናብ‘ቲ ሑጻ ገማግም ይተፍእ እዩ። ሕጂ ግን ጥር ዝብል ሬሳ’ውን ኣይርአን።ሕጂ፡ ካብ ዛውያ ኣትሒዝካ ክሳብ ሳብራታ ጥር ኢላ ንዓዲ ጥልያን እትብገስ ጃልባጎማ የላን። ኣብ ሰነ ጥራሕ 23,000 ስደተኛታት ንኢጣልያ ኣትዮም። ኣብ ሓምለ ድማ 12,000። ሕጂ ግን ፍጹም ህድኣት ይመስል።ኢጣልያ/ኣውሮጻ፡ ምስ‘ቶም ሰበስልጣናት እንተላዩ ኣስሎዅቲ ሰባት ናይቲ ቦታ ተሰማሚዓ ነቲ ፍልሰት ስደተኛታት ደው ዘበለቶ ይመስል። እንተኾነ ክሳብ መዕኣኣስ? ብምንታይ ዋጋ’ኸ?

This slideshow requires JavaScript.

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፡ ንኣውሮጳ ንኽኣትዉ ገለ 10,000 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ይጽበዩ ኣሎዉ። እተን መስሎዅቲ ዑቝበኛታት ንክርኢ ዘይደለየ ዓይኒ ዝተሎኮታ ይመስላ። ሕጂ‘ውን እተን ጀላቡ ካብ ሓደ ብሑት ገምገም ባሕሪ‘ቲ ሰፊሕ ምድረበዳ ኣይንቀሳቐሳን ኣሎዋ ማለት ኣይኮነን። እቲ ቍጽረን ይውሕድ ዋግአን ከኣ ነቲ ገያሺ ኣዝዩ ይኸብርን ድኣ‘ምበር ይንቀሳቐሳ እየን። ምኽንያቱ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ሊብያ፡ ክልተ ርግጸኛ ምንጪ ገንዘባዊ እትዋት ጥራሕ እየን ዘሎዋ። ነዳድን ምስላዅ ስደተኛ ናብ ኣውሮጳን። ሓያላት መራሕቲ ሚሊሽያን፡ ብልሹዋት ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢና በሃልትን ኣህጉራዊ ማፍያን ካብ ክልቲኡ ንጥፈታት ብዙሕ እዮም ዝኸስቡ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ሊብያ ብገለ 1700 ዝኾኑ ሚሊሽያዊ ጊጅለታት እትመሓደር ሕምጅግጅግ ሃገር(?) እያ። ሽዱሽተ ዓመታት ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶር ቓዛፊ፡ እቶም ንቓዛፊ ኣውዲቕናዮ በሃልቲ ጉጅለታት ሚሊሽያ ብረቶም ኣየረከቡን። ንምዃኑ ንሳቶም ኣይኮኑን ንቓዛፊ ካብ ስልጣኑ ዘውረድዎ። እቶም ኣብ ሊብያ ዲሞክራሲ መታን ክትከል ንቓዛፊ ካብ ስልጣን ዘውረዱ ምዕራባውያን ኣብ ሊብያ ዲሞክራሲ ንኽትከል ዝገብሩዎ ጻዕሪ የሎን። ንሓደ ግዙፍ ዲክታቶር ቓዛፊ ኣውዲቖም ሽሕ ንኣሽቱ ቓዛፊታት ብምፍጣር ነታ ሃገር ኣብ ብርቱዕ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዮማ። ጉጅለታት ሚሊሽያ ሚኒስቴሪታት ወኒኖም፡ መኽዘናት ኣጽዋርን ባንክታትን ጓሕጕሖም። ሕጂ ድማ ከተማትታትን ጽርግያታትን ይቈጻጸሩ። ዓይኒ ምንጪ ነዳዲታት ይውንኑ። ክልተ ብብዙሕት ንኣሽቱ ጉጅለታት ዝቖሙ ጉጅለታት ድማ ንስልጣን ይወዳደሩ።

ብሓደ ሸነኽ እቲ ብሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣውሮጳን ዝድገፍን፡ ኣብ ትሪቡሊ ዝቕመጥን፡ ብፋጂስ ኣል ፈረጀ ከም ጠቕላሊ ሚኒስቴሩ ዝምራሕን መንግስቲ ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ኣብ ባይዳ ዝቕመጥ፡ ብከሊፋ ሓፍታት ዝምራሕ ጉጅለ ኣሎ። ንነዊሕ እዋን ምስ መንግስቲ ምትሕብባኣር ዝኣበየ ብሩስያን ግብጽን ዝድገፍ ሓይሊ እዩ።
ናብ ዛዊያ ክንምለስ፡ ኣብ‘ዚ እቲ ጎይታ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ዓብዱራሕማን ሚላድ- ወይ ከኣ ብሓጺሩ ኣል ቢጃ- ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ። በዚ ሰብ’ዚ ኣቢልካ ከኣ ምሻጥን ምስታዅን ዑቕበኛታትን ከመይ ከምዝሰርሕ ብዝበለጸ ክግለጽ ይከኣል። ቢጃ ካብቶም ኣስሎዅቲ ሰብ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝኽፈል ። እተን ክሳብ ሕጂ ካብ መገዲ ዝተመልሳ መራኽብ ከኣ እተን ዘይከፈላ ጥራሕ እየን። እዚ ሓላው ባሕራዊ ዶብ ንባዕሉ ሓለቓ መመሓልፍትን/ነጋዲ ሰባትን እዩ። ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይሕጋዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣሎዎ። እቲ ብወግዒ ከም መኣከቢ ዑቕበኛታት ዝፍለጥ ቤት ማእሰርትታት ነጋዶ ሰባት ዝዕድጉሉ ዕዳጋ እዩ። ኣል ቪጃ ሓንፈጽ ወግዓዊ ስልጣንን ውዱብ ማፍያነትን እዩ። ኵሎም መራሕቲ ኣውሮጳ ድማ ነዚ ባህሪ ሓለዋ ዶብ’ዚ ይፈልጥዎ እዮም። ናይ ሕ.መ. ናይ ጸጥታ ቤት ምኽሪ 299 ዝገጹ ኣስማት ናይ ክ1ሎም ብልሹዋት መራሕትን ንጋዶ ሰብን ዘሎዎ መጽሓፈ ጸብጻብ ኣውጺኡ ዘርጊሑ እዩ። ተሓባባሪ ፕረሲደንት ሳራጅን መንግስቱን ናይ ዝኽነ ፈትሒ ኣል ፋር ስም’ውን ኣብ’ቲ ጸብጻብ ኣሎ። እቲ ዝለዓለ ወትሃደራዊ ሓላፊ ናይ ቀሳፊ ዝነበረ’ውን ኣብ ዛዊያ ናቱ ቤት ማኣሰርቲ ይውንን እዩ። ኣብ ትሪቡሊ ጥራሕ 13 ከምዚ ዝዓይነቶም ቤት ማእሰርታት ኣሎዉ። ክልተ ከኣ ኣብ ከባቢ ዛዊያ። ኵሎም ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫ’ቲ መንግስቲ ሓድነት። ናይ‘ዞም ቤት ማእሰርቲታት እዚኣቶም ጸብጻባት ዘስካሕኩሑ እዮም። መግቢ የለ ማይ። ምስቓይን ምዕማጽን ከኣ መዓልታዊ ልሙዳት። እቲ ገንዘብ ከፊሉ ነፍሱ ነጻ ከውጽእ ዘይከኣለ ድማ ከም‘ቲ ልሙድ ይቕጥቀጥ። ኣንስቲ ክምንዝራ ይግደዳ። ሰብኡት ድማ ክሰርሑ ይግደዱ። ገለ 30 ብምኒስስትሪ ውሻጠ ዝካየዱ መኣከቢ ቦታታት/ ማሕቡሳት ኣሎዉ። እዚኣቶ’ውን ነቶም ነጋዶ ሰብ ማዕጾም ወርትግ ክፉት እዩ።

ኣብ ሱርማን ሓደ ንእሽቶይ መኣከቢ ቦታ ተሃኒጹ ኣሎ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ብዝኾነ መገዲ ኣይፍለን። ኣብ ሓደ ጎልጎል ምድረበዳ ዝተጸፍጸፉ ኣጕናድን ጽፍሕታትን ቸመንቶ ይመስል። ሓደ ሓላውን ተኸናኻኒ ቤትን ኣሎዎ። ንትሽዓተ ኣዋርሕ ደሞዙ ኣይተኸፍለን። ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ደሞዙ እንተዘይተዘይተኸፊሉ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ከፊቱ ናብ ድላዮም ኪኸዱ ክሓድጎም ምዃኑ ይብል። እዚ ማለት ከኣ እቶም ሰባት ደጊሞም ኣብ ኢድ‘ቶም ነጋኣዶ ሰብ ኪወድቑ እዮም ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ድሮ ሰለስተ መኣከብ ስደተኛታት ተፈንጢሖም እዮም።

ኣርብባዕተ ኣንስቲ ምስ ሓደስቲ ዝተወልዱ ደቐን ኣብ መሬት ደቒሰን ኣሎዋ። ኵለን ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ/መኣከቢ ብዘይ ሓኪምን መሕረስትን ዝወለዳ እየን። ጸባንካልእ ንቈልዕኡት ዘድልን ሓንቲ‘ኳ የሎን። ንመዓልቲ ሓንሳብ ይበልዓ። ሩዝ ወይ ፓስታ። እቲ መኽዘን ሰብ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝመልአ ጽቕጥቅጥ ኣዩ። ሓጎሳ ብሩህ ዝተባኣኣህለ ቈልዓ ሓቝፍ እያ። ኣይወዳን። ኣዲኡ ኣብ መገዲ ሞይታ። ቅድሚ ምሟታ ግን ሓጎሳ ወዳ ከተዕብየላ ቃልኪዳን ኣእተወታ። ኣብ‘ዚ ግን እንታይ ኣብሊዐ ከዕብዮ!? ኢላ ትነብዕ ሓጎሳ።
ብዙሓት ካብ‘ቶም ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ኣብ ፈቐዶ መኣከቢ ቤት ማሰርትታት ዝሳቐዩ ዘሎዉ ዑቕበኛታት ናብ ዓዳቶም ክምልሱ ዝደልዩ እዮም። ናብርኦም ፈጺሙ ክጽወር ዘይከኣል እዩ። ሊብያውያን መሰል ሰደተኛን ክብሪ ሰብን ዝፈልጡን ዘኽብሩን ኣይኮኑን። እንተኾነ እቶም ስደተኛታት ቅሙጥ ገንዘብ ስለዝኾነ እቶም ነጋዶ ሰብ ፈጺሞም ዘይገብሩዎ እዮም። ምናልባት ንሓደ ክልተ ኣዋርሕ ንስርሖም ደው የብሉ ይኾኑ። ስለላ ዓዲ ጥልያን ነቶም ዓበይቲ ነጋዶ ሰብ ዛዊያን ሳብራታን ንገለ ኣዋርሕ ነቲ ፍልሰት ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ደው ንኸብሉ 5 ሚልዮን ዶላር ከምዝኸፈለ ይፍለጥ። ዋጋ ናይተን 5 ሚልዮን ምስተወድአ‘ኸ? እቲ ንግድን ሞትን ሰብ ከም ቀደሙ ክቕጽል እዩ። [እቲ መጠነ ዝምድና ሞትን ህይወትን ድማ ብግዙፍ ናብ ሞት ክዝንብል እዩ። ዳንኤል]
ዳንኤል ሰ. ተስፋይ
26. 09. 2017
ጀርመን

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s