ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

 “እዊዊዊዊዊዊ. . . ሽጣራኺ ደውሪ! ዓምያን መሲለኪ ኣነ. . .?!”

 “እዊዊዊዊዊዊ. . . ሽጣራኺ ደውሪ! ዓምያን መሲለኪ ኣነ. . .?!”
                                         ብሽሻይ ሽሞንዲ

“ኣይትትሃመል” እትብል ደፍሪ ምስ ወጸአት፡ ኲሉ ግዜ ደድሕሪ ሓደስቲ ተርእዮታት ፈይስቡክ ዝቕልቀለኒ ዓርከይ ብ ሜሰንጀር ደዊሉለይ ነይሩ። ቃል ብቓሉ፥

“በል ሕጂ ድማ ካብ ዓዲ ዓ. . .ባይ “ዙቦ” ተላኢኻትልካ ኣላ! ካካካካካካ” ድማ በለኒ። ሰሓቑ ምቊጽጻር ስኢኑ ነበረ። እዛ ደፍሪ ኣብ ፈይስቡክ ክትዘዋወር እንኰላ ርእየያ ስለዝነበርኩ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ኣሎ ንእለት’የ ቆብ ኣቢለዮ። ” ዒሉ መዓኰርካ ሓሉ!” እናመለስኩ’ውን ኣሳሒቐዮ።

ዘዘርከበ ዝደጒሓሉ ፈይስቡክ ክንዮ ትፋእካ ምትፋእ ዝኸይድ “ቀይሕ መስመር” ምሕላፍ ክርኢ እንከሎኹ፡ ነቲ ኲነታት ዝመስል ናይ ኢትዮጵያዊ ጸሓፊ በእውቀቱ ስዩም ኣበሃህላ እዩ ዘዘክረኒ። በእውቀቱ፡ ኣብታ ” ከኣሜን ባሻገር” እትብል መጽሓፉ፡ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ሓንቲ ሃገር ንማሕበራዊ ክብርን ጠባያት ሕብረተሰብን ናይ ምውሳን ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ንምግላጽ፡ ኣብ ገጽ 21 እታ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል’ዩ ዘስፍር፤

” . . . የዜጎች ጠባይ ካገዛዝ ሥርአት ጋር በጥብቅ የተቆራኘ ነው። የፖለቲካ ጭቆና በበረታበት ሃገር ውስጥ፣ ወሲባዊ ልቅነት የመጨረሻው የነጻነት አማራጭ ተደርጎ ይወሰዳል። አመንዝራነት፣ ዜጎች ሌላው ቢቀር ብልታቸው በመንግስት ቁጥጥር ሥር አለመሆኑን የሚያሳዩበት መንገድ ነው። ”

ትርጉሙ፤

” . . . ጠባይ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ምስ ጠባይ ገዛኢ ስርዓት ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ። ፖለቲካዊ ጭቆና ኣብ ዝበርተዓ ሃገር፡ ወሲባዊ ቅለት እቲ ናይ መጨረሽታ ናይ ናጽነት ኣማራጺ ኰይኑ ይውሰድ። ኣመንዝራነት፡ ዜጋታት ካልእ ይትረፍ ብልዕትታቶም እኳ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ምዃኑ ዘርእይሉ እንኰ መገዲ/ኣገባብ ይኸውን።”

. . . እምበኣር ዓርከይ ንምንታይ ስሒቑን “ዙቦ” ኢሉ ክጠቅስ መሪጹን ተረዲኡኒ ነበረ። ዝተረፈካ ዘይብልካ ኲሉምልኻ ተመንጢልካ ብዝተመናነሀ ስብእና ብስም “ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ” ዝፍርሻሕ ዘሎ ናይ ክፋእኻ ዘይምስታር ማለት ዓቐንን ግፍሕን ንበሎ ርጒድን ትረትን መሸኒትካ ከተርኢ ድሕር ናይ ዘይምባል ተርእዮ ምስዚ ናይ በእውቀቱ ኣበሃህላ ኣይመስልን ትብሉ?. .ንሱስ ደለ ምዀነ. . . ከም ኲሉ ካልእ ምተሓልፈ። ትም ዘየብል ዝገደደ ኣይ ሰሙን ኣይ ክልተ ቕነ ደኣ እታ ዝተላእከትልና “ዙቦ” ብስነጥበባውያን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ(ሊንጐ)ን ታረቀ ተስፋህይወትን ዝቐረበ “ትንታነ” ኣቢላ ከተፍስስ ተራእያ እምበር!.. ኣብቲ ገጽና በጨቕ ኣቢሎምልና’ታ!!

ነቲ መደብ (ኣብዚ ጠውቕ) ዘዳለወ ጋዜጠኛ ተበግሶኡ ዝነኣድ እኳ እንተዀነ ” ንግበሮ እሞ ኣይነጸብቆ” ከም ዝበሃል ጒዳይ ብዕትበት ዝሓዞ መሲሉ ኣይተራእየንን። እዚ ድማ፡ ብኽልተ ምኽንያታት እመስለኒ። እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፥ ኣብ ሓደ መደብ ናይ እዋናውያን 4ተ ደርፍታት ዛዕባ ኣጨቓጪቚ ምቕራቡ፡ ሕመረት እታ ሓጻር መደቡ ‘ብልክዕ ነየናይ ፈትሊ ዛዕባ እዩ ነይሩ?’ ክሳብ እትብል ዝሓዋወሰ ብምንባሩ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ድማ፡ ነታ መበገሲ እዚ ጽሑፈይ ( ኣርእስቲ እቲ መደብ – “ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘመጒስ ደርፊ ምድራፍ ኣበሳ የብሉን።” – ብዝመረሓኒ መሰረት ምዃኑ’ዩ) ዝዀነት ደፍሪ ብዝምልከት እንተዀነ’ውን ብቓና ወሃብቲ ርእይቶ ስነጥበበኛታት ከይተቐለሰን ናብ ካልእ ዛዕባ ከየስገረን መረዳእታኦም ከብስሉ ድዮም ከሕርሩ ብቐጥታ ክብድህ ዘይምኽኣሉን እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ዛዕባ እታ ደፍሪ ከም ዛዕባ ኣቕሪብዋ እምበር ነቲ ክረአ ዝነበሮ ‘ጋዜጠኛ ጠባይ’ ብግቡእ ዘይተላበሶ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።

እቲ ቀንዲ ግዳ. . . እዞም ክልተ ዘድንቖም ስነጥበበኛታት፡ “ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘመጒስ ደርፊ ምድራፍ ኣበሳ የብሉን።” ክብሉ እንከለዉ ኣይተዋሕጠለይን። ብርግጽ! ኣብ ከብዲ ዓዲ ይሃሉ ወጻኢ ካብ ሃገር ብዘየገድስ፣ ብዋጋ ህይወቱ፡ ዕድሜኡን ሕልሙን ንዕዮ ገዛ ኲልኻ ዝዓምም ዜጋ ልዑል ክብሪ ይወሃቦ። ካብኡ ናብኡ’ውን እቲ “ሬንጀር” ተኸዲኑ ግንባሩ ንዓረር ዝወፈየ ሕልፊ እጃም መጐስ ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ጅግና ንምምጓስ ኣብ ልዕሊ ቃንዛን መግደራን ካልእ ዜጋኻ ምሽክዕላል የድሊ ድዩ? ሓፈሻውን ብዛዕባ ንሰራዊት ኣመልኪቱ ኣብ ዝድረፍ ደርፍታት ዘተኰረ ኣይነበረን እቲ መደብ! ነዛ ደፍሪ ደኣ ካበይን ከመይን ኢሎም እዮም’ሞ ምኽኑይ መጐት ከምጽኡላ ዝፈተኑ?20170923_130518

እቲ ሰማያት ኤርትራ “ውጻእ ውጻእ” ዝብል መንፈሱ ደሪኽዎ ( ነቲ ሱር ጠንቂ ዝዀነ ዝስሕቶ ኣሎ ኣይብልን) ጌና ብዕሸሉ ዝወጽአ ትሕቲ ዕድመ ገዲፍካ እዚ “ፈታው ነብሱ” ዝተባህለ ተሰዳዳይ ከ ብሓቂ ድዩ ምኒት እጃም ከየበርከተ ተሰዲዱ? ኢለ’ውን ሓሲበ። እዚ ንግደፎ! እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ” ተመጓሳይ” ሰራዊት ዘሕልፎ ዘሎ ናብራ ብሓቂ ንሊንጐ ጠፊኡዎ ድዩ?! ከመይ ከ ብባጫ ሞትን መከራን ዝተሰዱ ኣሕዋቱ በትሪ ዘላታ መጐስ እዛ ደፍሪ ክትወሓጠሉ ክኢላ?! . . . ነይረን እኳ ብዙሓት! አረ ቊጽሪ ኣልቦ ናይ ፕሮፖጋንዳ ደርፍታት! ንምጥቃስ ዝኣክል እኳ፡ እቲ ከም ደብሪ ስነጥበብ (ናተይ መረዳእታ እዩ) ክውሰድ ዝከኣል ወዲ ትኳቦ ዝደርፎ ዝነበረ ደርፍታት ከም ኣብነት! ዋና ፕሮፖጋንዲስት እንከሎ ኣብ ሃገር ጠቀስ ደርፍታቱ ንዜጋታት ፈላልዩ ንሓደን ወዲሱ ንሓደን ጸሪፉ ግን ኣይፈልጥን። እታ “ቲፒካል” ናይ ፕሮፖጋንዳ ደርፊ “ሰጒም ብጻይ” እንተዀነት እውን ካብቲ ፕሮፖጋንዳዊ ልኡኻ ንላዕሊ ” ሰማይ ቀረባ’ዩ ብልቢ ንዝሓለነ” ክትብል እንኰላ፡ሓይሊ ነብሰ-እምነት ኣዛዪዳ ተመርቅን። ብዙሓት ካልኦት እውን ዘድልየካ ወሲድካ ዘየድልየካ “ንዓዂም ይዂንኲም” ኢልካ ዝሕለፍ ነይርወን። “ኣይትተሃመል” ጥቓ እዚኣተን ኣይትቐርብን!

. . . በዚ “ፈታው ነብሱ” ዝወስዶ መገዲ’ዚ ናብዚ ዘለዂዎ ኤውሮጳ ዝመጻእኩ ሰብ ወላ እንተዀንኩ፡ ብመሰረቱ ሓደ ክውሕጦ ዘለኒ ምርር ዝበለ መጐታዊ ሓቂ ምቕባል ዘይክእል ኣይኰንኲን፤ . ካብ ናይ ሞትን ህየትን ጒዳይካ ንላዕሊ ምንዋሕን ምሕጻርን ጽፍሪ ኢዱ ዘገድሶ ከም ዘሎ እፈልጥ፤ “ሽፋን ዓፍያን” ኢለ’ውን እቕበሎ። ኣሕፊሱ ስለዝረገጸኒ ኣሕፊሰ ዝጸልኦ የብለይን። ኣሕፊሱ ስለዘሳደደኒስ ኣሕፊሰ ኣየሳድድን። ነብሰይ ኣድሒነ’ውን “ሃገር ኣድሕኑ” ኣይብልን። ዳስ ሓዘነይ ብኽፉቱ፡ ጐረቤተይ ጋማ ደቆም ኣይርኣዩ. . . ፍጹም ኣይብልን! ኣማውቱኒ ኣይብልን። እወ እቲ ኣብ ገለ ገለ መማጽእተይ ዝርእዮ ጸገምካ ክፍለጠልካ ወይ ድማ ዝርደኣልካ ምስ ሰኣንካ ዝበሃል ኰይኑ ዝስመዓኒ “ኣማውቱና” ወይ “ኣተሓዝኑና” ዝብል ንዱይ ምሕጽንታ ምስ ጸርፉ ኣይኣምነሉን። እንተኽኢለስ ስደተይ ኣባይ የብቅዕ ደኣ ይብል እምበር! ልዕሊ ኲሉ ግና ሃገረይን ህዝበይን የፍቅር። ኣብ ድፋዕ ዝገደፍኲዎ ብጻየይ ወትሩ የኽብሮ። ከምቲ ድምጻውያን ኣብራርን ፍጹምን ዝበልዎ (ኣብዚ ጠውቕ)፡ ህዝብን መሬትን ዓደይ ዝተሓቛቖፈሉ እዋን መጺኡ ክርኢ ይምነ ። እንኰስ. .እንኰስ ዘይመስሉ ነገራት ምኽኑይ ንምግባር ዝካየድ ከንቱ ሃቐና ምቕባሉ ይጨንቀኒ።

እሞ. . . እዚኣ ግዳ በሉለይ. እቲ ብወገን እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ “መንግስቲ” (እወ እቲ ንጥበብ ከም ሸውዓተ ቐመማት ፕሮፖጋንዳዊ ኣጀንዳኡ ዝጥቀመሉ “ስፔሻሊስት” ) ይዂን ብተደናገጽቱ ኣብ ፋንታዝያዊ ዓለም ኣእትዩ ቃንዛኻ ከረስዕ ዝተሓስበ “ፍቕሪ ሃገር” ኣይሰረሐን ኣይሰርሕን’ውን በሉለይ። ሃገርን ፍቕራን ይዂን ሰራዊታን ህዝባን ብግብሪ ኣብ ልቡ ዝጾረ መንእሰይ ብደርፊ ከረድእ ዝደሊ ከንቱ እዩ፤ ፍቕሪ ሃገር እንተዀነ ብ መንግስቲ ኣይትመሃሮ. . ን በሉለይ። ብኣኼባን ጭርሖን ኣይስወጠካን በሉለይ። እዚ ምስራሕ እንተስኢኑ ግና. . .ብውሑዱ ከምቲ ቀደም ብቖልዑና እንከሎና እንብሎ ዝነበርና ” እዊዊዊዊዊዊ. . . ሽጣራኺ ደውሪ! ዓምያን መሲለኪ ኣነ” ይብል ከም ዘለኹ ንገሩለይ። ኖኖኖኖ! ብስምዒት ኣይኰንኲን – ፍጹም! ንመረዳእታይ ክጾረለይ ዝኽእል ኣበሃህላ ስለዝሰኣንኩ እየ። ደሓን ዘይ-እንተገደደ ድማ ከም ዓለመይ እንደኣለይ ዝደጒሕ ዘለኹ ሃሃሃሃሃ “ሶሪ” ኣይትትሃመላውያን።

  ናብ’ቲ መርበብ ናይ ሽሻይ ሽሞንዲ ንምብጻሕ ድማ ኣብ’ዚ ሊንክ ምጥዋቕ ይከኣል ((ኣብ’ዚ ሊንክ ጠውቑ)

ሽሻይ ሽመንዲ

መስከረም 2017

 

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s