ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ዕጹው ማዕጾ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምኽፋቱስ እንታይኮን ይወስድ?

      ዕጹው ማዕጾ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምኽፋቱስ እንታይኮን ይወስድ?

                                                         ትርጉም  Seiko Eritrea                                                                                       ጸሓፊ Mr.Martin Plaut

 

Editor’s note: The article ” Ethiopia & Eritrea: What will it take to break the deadlock? appeared first on Al-Mariam blog”

– -By Martin Plaut-September 13,2017

ድስኩል ኩነታት ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝኾነ ኣካል ረብሓ የብሉን። ኣባላት ሰራዊት ክልተ ሃገራት ካብ 2000 ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ 1000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ጠበንጅኦም ኣቀባቢሎም ኣብ ነንሓድሕዶም ከቋምቱ ይውዕሉ ኣለዉ፡፡ ኣብ ነብሲወከፍ ዕለት ንእሽተይ ይኹን ዓቢ ኩናት ምብራዕ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኩሉ ጊዜ ናብ ዶብ ክሰግሩ ዝርኣይዎም ኤርትራውያን ጥይት ይትኩሱ ፡ ነዚ ድምጺ ጥይት ዝሰምዑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ድምጺ ጥይት ኣብዚሰምዕሉ ህሞት ግብረመልሲ ይህቡ። በዚ ድማ ናይ ክላሽን ተኹሲ ምልውዋጥ ይስዕብ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ናይ ከቢድ ብረት ኩናት የኸትል። ነዚ ጽሑፍ ብድምጺ ንምክትታል፡ ኣብ’ዚ ሊንክ ጠውቑ! ኣብ ራድዮ ኤረና


ከምቲ ናይ ግዜ ወራርት ኩናት ድማ ሞት ወትሃደራት ይስዕብ ፡ እዚ ንቑጽሪ ኣብ ትርጉም-ኣልቦ ኩናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝሞቱ ዜጋታት የዛይዶ። እዚ ማዓልታዊ ሞትን ምትኑኻልን ክንዲ ኣድሪ ትኸውን ዘምጽኦ ለውጢ የልቦን ፡ ዝተጨበጠ ዓወት’ውን ኣይርኣናን ። እዚ ኣይሰላም – ኣይኩናት ድስኩል ኩነታት ን17-ዓመታት – ኣዝዩ ነውሕ ከንቱ ጊዜ – ቀጺሉ ይርከብ። ክቡር ሂወትን ኣዝዩ ውሑድ ጸጋታት ክልቲኡ ህዝብታት ኣብዚ ትርጉም ኣልቦ ግጭት ንብላሽ ይጠፍእ ኣሎ።

This slideshow requires JavaScript.

ላዕሎዎት ወይ ድማ ገዛእቲ ደርብታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን እዚ ጉዳይ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎን ይርድእዎን እዮም ፡ ኣብ ልብታቶም ኣሎ። እንተኾነ ግን ድጉሽተተይ ኢሎም ሕድገታት ጌሮም ናብ ንቡር ክምለሱ ተበግሶ የብሎምን። ኤርትራ – ብርግጽ- ብይን ኮምሽን ዶብ ኣብ ተግባር ክውዕል ትጽውዕን ሕጋውነት ክለብስን ትሓትት። ኢትዮጵያ ብወገና ቅድሚ ትግባረ ብይን ዝርርብ ክህሉ ኣትሪራ ትጽውዕ። ቀንዲ ምኽንያት ድማ ትግባረ ብይን ኮምሽን ብዘይ ዝርርብ ምስዝፍጸም ኣብ ሞንጎ ዓድታትን ስድራቤታትን ምክፍፋልን ምንጻልን ብምፍጣር ሂወት ሕ/ሰብ ከየበላሹ ስግኣት ስለዘሕደረት’ዩ፡፡

እንተኾነ ግን ክልቲኦም ወገናት ብሕጽር ዝበለ ብይን ኮምሽን ዶብ ብዘይ ዝኾነ ቅድመኩነት ክፍጸም እዮም ተሰማሚዖም። ንማሕበራውን ስነኣእምሮኣውን ኩነታት ኣብግምት ዘየእቱ ደረቕ ሕጋዊ መስርሕ ጥራይ ዝኽተል ብይን እዩ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኢትዮጵያ ኩሉ ዝሓተተቶ ዘበለ ረኺባ እያ።

ብዛዕባ ሕሉፍ ምዝራብ ምኣኸለ ኔሩ ፡ ኮይኑ ግን እቲ ሕሉፍ ንብሎዩ ማእከል ኩሉ ጸገማትን መፈላለዪ መድረኽ ክልተ መንግስትን ጠንቂ ረብሓ ዘይብሉ ኣጉል ግርጭትን ኮይኑ ዘሎ። ኣብ 1970ታትን 80ታትን ኣብ ሞንጎ ህ.ግንባርን ወያነን ዝቦቐለ ፍልልይ/ምፍሕፋሕ ወይ ድማ ዘይምቅዳው ክሳብ ሕጂ ከም መናፍስቲ እከይ ኣብ ሞንጎዞም ክልተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ብምዃን ኣብ ምንጽልላው ይርከብ። እዚ ምፍሕፋሕ ክሳብ ህጂ ኣብነብሲ ወከፍ ዝምድናታት እዘን መንግስታት ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዕንቅፋታት ኣብ ምፍጣር ይርከብ። ከምውጽኢቱ ኣብልዕሊ ህዝቢ እዘን ሃገራት ቀጻሊ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣብምውራድ ይርከብ። ብተወሳኺ እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ምውቕቓስን ምዝልላፍን መዓልታዊ ኣብ ህዝብታት ብዕምቆት ጽልኢ ሰፊሩ ይርከብ።

 

      ጠንቂ ኩሉ ጸገማት ኢትዮ-ኤርትራ ግን እንታዮም

– ህ.ግንባር ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ(6ይ ወራር) ንተጋደልቲ ወያነ ኣብቲ ኲናት(ኣንጻር ደርጊ) ተሳቲፎም                      ከብቅዑ ዋጋ ብዘይምሃቡዶ ይኸውን?

– ህ.ግንባር ኣብ 1984-85 ዝሰዓበ ደርቂ ንህዝቢ ትግራይ ዶባቱ ብምዕጻው ኣብ ልዕሊ ህዝቢ                                    ኢትዮ  ከቢድ  ናይ ሞት ሓደጋ ብምፍጣሩ ዶ ይኸውን ?

– ወያነ ኣብ ዝምድናታቱ ምስ ውድባት ኤርትራ ሕዝ ትንክፍ ብምዃኑን ነዚ ድማ ከም ተመኩሮ                              ስለዝርእዮ ዝነበረን ንህ.ግንባር ስለዘቖጥዖምዶ ይኸውን?

                  እቲ ሊስታ መወዳእታ የብሉን።

ኣብዚ ስዓትዚ ጉዳይ ዶብ ታዓሺጉ ይርከብ ። ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ንኢትዮጵያ ኣብዚ ስዓትዚ ዕጹዋትየን። ኣብ ዶብ ዝርከቡ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ኣባላት ስድራቤታት ከይተረፉ ተፈናጪሎም ይርከቡ። ንዘመናት ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ንግዲ ብፍጹም ትዓጽዩ ፡ዘይሕሰብ ኮይኑ ትረኽቦ ፡ ፡

ካብዚ ምሕሳም ንጥፈታት ንግዲ መን ይኸስብ ? ካብዚ ድስኩል ኩነታት ዝረብሕ ኣካል የልቦን! ካብዚ ዝረብሕ ኣካል እንተሃልዩ እቶም ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ኣረገውቲ ጥራይ በቲ ንሳቶም ዝሓልምዎን ዝሓስብዎን ድኹም ስነሓሳብ ይዓግቡ። እዚ ማለት ነዚ ዓቢ ሽግር ንምፍታሕ ዝኾነ ኣወንታዊ ሃናጺ ስጉምቲ ምውሳድ ኣብቲ ናይ ብድዐን ትምክሕትን ስነኣእምሮኣዊ ባዓቶም ተሾጊጦም ክርእይዎ እንከለዉ ከም ምልክት ፍርሕን ስንፍናን ስዕረትን ስለዝቖጽርዎ እቲ ጉዳይ ብዘለዎ ክጸንሕን ክቕጽልን ይመርጹ፡፡

035_ONLF rebellion

ኣህጉራዊ ሞንጎኛታት ክንደይ መጺኦም ክንደይ ድማ ከይዶም ኮይኑ ግን ዝተረኺበ ለውጢ የልቦን። ነዚ ጽሑፈይ እናዳለኹ ፡ ገለ ተስፋ ዝህብ ስምምዓት ተጌሩ ዝብል ጽንጽንታ ኣሎ ፡ ኣነግን ዝፈለጥክዎ የልቦን።

           እዚ ድስኩል ኩነታት ክውዳእድ ይኽእልዶ?

  መልሲ ናይዚ ሕቶዚ 100% ብርግጽ ክፍታሕ ይኽእልዩ። ሓደ ምዓልቲ ክውዳእዩ ፡ ኣብዚ ዓለም ንዘንተ-እለት               ከምኡ ኢሉ ቆይሙ ዝነብር ነገር የልቦን።

ግዝኣታት ይዓንዉ ፡ መንግስታት ይወድቁ ፡ ንግስነታት ናብ ዶሮና ይጸርዩ። ነገር ግን ኣህዛብ ንዘልኣለም ይቕጽሉ። በተሓሳስባይ ንኣህዛብ ኢትዮ-ኤርትራ ዝፈላልዮም ነገር እንተሃልዩ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ብኣንጻሩ እቲ ዝፈላልዮም ነገር መሊሱ ዘወሃህዶም እዩ። ክልተ ህዝቢ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ንቕሓትን ዕምቆት ዘለዎም ኩለንተናዊ መረዳእታ ይውንኑ ። እዚ ድማ ባህ ዘብል ባህላውን ተዎርሶኣውን መለለይኦምዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ናይ ሓባር ኣሉታዊ ጠባያት ይውንኑ። ንኣብነት ግትርነት ፡ ዘይምትዕጽጻፍን ከቢድ ሚስጥራውነትን ዝኣመሰሉ ድኻማት ንምዕባለን ገስጋስን ዘዳኽሙን ሓያል ሓጹር ዝኾኑን ባእታታት ይውንኑ።

ኮይኑ ግን ንግዚኡ እዞም ፍርሕን ምጥርጣርን ምረትን ካብ ኣእምሮ እዞም፡ህዝብታት ኣውጺእና ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ነስፍሮም፡ ነዚኦም ጉድለታት ንጎኒ ምስንድርብዮም ከመይ ዝበለ ዓወታት ምተጨበጠ?

ብናተይ መረዳእታ ዝኾነ ሰብ በቶም ናይ ዘመናት ባህላውን ማሕበራውን መትከላትን/ትካላትን መምርሒታትን እዘን ክልተ ሃገራት ምጅማር ይኽእል፡፡ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኣብነት። እዞም ህዝባውያን ትካላት ሰፊሕ ልቦናን ዓቕልን ስለዘለዎም ኮፍ ኢሎም ክረዳድኡን ነገራት ከገናዝቡን ጽቡቕ ብቕዓት ኣለዎም፡፡ ግዜን ጽቡቕ ድሌትን ተዋሂብዎም ኣብ ምኣዲ ዘተ ኮፍ ብምባል ነዚ ሽግር መሰረታዊ ፍታሕ ክረኽብሉ ምኽኣሉ። ንመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ድማ ከእምንዎም ምኽኣሉ። እቲ ንዘተ ኮፍ ክብልሉ ዝምረጽ ቦታ ብወገነይ ባድመ ክትከውን ብምልኣት ልቢ ምመረጽኩ።

ባድመ – ምልክት ምፍልላይን ግርጭትን ኢትዮ. ኤርትራ ከምዝኾነት – ህጂ ድማ መተዓረቒ ናይዘን ሃገራት ክትከውን ትኽእልያ። ነዞም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ክፉትን ቅኑዕን ተራ ክጻወቱ ኣብዚ ጉዳይዚ ዕድል ተዝውሃቦም ፡ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ነዚ ጉዳይን ዕንቅፋታቱን ንምእላይ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዱ ዘይተዓወተ ማሕበረሰብ ዓለም ፡ ነዞም ክልተ ኣካላት ዝዝትይሉ ማእከል ክሃንጽ ድሉው እዩ። ኮይኑ ግን ወጻኢታት ናይዚ መስርሕ ዕርቅን ማእከልን ክልቲኤን ሃገራት ወጻኢታት ክገብራሉ ዘይክእላሉ ምኽንያት የልቦን ፡ ምኽንያቱ ንዂናት ክገብራ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊአን ፡ንኸጥፍኣውን ድሉዋት ስለዘለዋ። ኣስመራን ኣዲስን ሰላም ዝናፍቓ እንተኾይነን ነዚ ጉዳይዚ ብዕቱብ ሒዘን ከተግብርኦ ምስዝኽእላ መርኣያ ተገዳስነተንዩ ዝቑጸር።

መራሕቲ ምቅርራብ መጀመርታ ናይቲ ጉዳይ ጥራይ እዩ። እቶም ሽማግለታት ዕርቂ ናይ ሓባር መመያየጢ ባይታ ክፈጥሩ ሓገዝ የድልዮም እዩ፡ ኣብዚ ነጥብዚ ኣህጉራዊ መንጎኛታት ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ። ናይ ግዜ ሰሌዳን መቓን ግዜን ኣብዚ ኣድላዪ ኣይኮነን። ናይቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ርክብ ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ መንገዲ ዓወትዩ።

 

1301733864_1

ካልእ ተወሰኽቲ ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ ፥ ስለምንታይ ዳግም ዶባት ዘይክፈቱ(ወላ ንሕጽር ዝበለ ጊዜ) ፡ ብኡኡ ድማ ተበታቲኖም ዘለዉ ኣባላት ስድራቤታት ክራኸቡን ክወሃሃዱን ዕድል ምረኸቡ ? ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ከም ቀደሞም ንኢትዮጵያ ክፉታት እንተኾኑ እንታይ ጸገም የምጽእ? እዚ ንውሱን ኣገልግሎት ጥራይ ክኸውን ይኽእልዩ ፡ እሱ ድማ ካብ ወደባት ኤርትራ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ ስዓትዚ ካብ ማንም ንላዕሊ ግዜ ዘድልዮም ስርናይ ኣሜሪካ ክኸውን ይኽእል። እዚ ትእምርታዊ ተግባር እዚ ኣብሞንጎ ክልተ ህዝብታት ዘሎ ምትእምማን የዕብዮን ኣብ ዶባት ንዘሎ ወጥሪ ከህድኦን ይኽእል።

ኣብ መደምደምታ ካብ 1991 ክሳብ 1998 ኣብዝነበረ ግዜ ኣብሞንጎ እዘን ሃገራት ጌጋ ዝኸደ ጉዳያት ትምርምር ኮምሽን እንተተመስረተት ጽቡቕ ሓሳብዶ ኣይምኾነን? ብተወሳኺ ዓለምለኻዊ ክኢላታት ኣብዚ ዘተዚ ጽቡቕ ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል፡ ዝኾነ ኣካል ጸቕጢ ክገብር ፍቓድ ክህልዎ ኣይግባእን ኣብ ምትንታን ናይቶም ዘጋጠሙ ሃጓፋት። ናይ ሓባር ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዘጋጠሙ ዘይምስምምዓት ክስነዱ ይኽእሉ እዮም። እዞም ትንታነታት ግን ናይ ሓባር ዝኾነ መሰረት ክህልዎም ይኽእል። ኮይኑ ግን ድሕሪ ዓሚቕ ምይይጥን ዝርርብን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ስለዚ ድማ እዚ ተበግሶዚ ክውሰድ ይግባእ።

ካብዞም ዝተዘርዘሩ ኣገባባት ሓደ ዘዐውት ኽኸውን ይኽእልዩ ፡ ምኽንያቱ ቁኑዕ ተበገሶ እንተድኣ ሃልዩ ኣይክኣልንዩ ዝብሃል ነገር የልቦን። እቲ ኣገዳስን ወሳንን ነገር ፖለቲካዊ ተበግሶን ቅንዕናን ጻዕርን ክህሉ ጥራዩ ዘለዎ። ጽኑዕ መትከልን ተወፋይነትን ሓዊስካ ብምስራሕ ነዚ ድስኩል መድረኽ ክትጉሕፎን ነዚ ናይ ልዕሊ 20-ዓመታት ሕሱም መድረኽ ንድሕሪት ገዲፍካ ንቕድሚት ክግስገስ ጥራዩ እቲ ዝሓሸን ዘይተርፍን ኣማራጺ። ኩሉሰብ ዝርድኦን ዝፈልጦን ሓቂ እንተድኣ ሃልዩ በዚ ድስኩል ኩነታትዚ ዝመጽእ ዓወትን ለውጥን ፈጺሙ የልቦን። ብኣንጻሩ ዝገደደ ስቓይን መከራን ህዝቢ ፡ ምርሕሓቕን ዕንወትን ክልቲኡ ሃገራት ጥራዩ ከዛይድን ከጋድድን። ስለዚ እዚ ጉዳይዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ክብልን ናብ ንቡር ክምለስን ክግበር ኣለዎ። ንመበቆላዊ ጽሑፍ ኣብ’ዚ ምጥዋቕ ይከኣል

ተፈጸመ!

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s