ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ቤት ትምህርቲ የሺቫ ዘይረኣየ፡ ብቤት ትምህርቲ ሸሪዓ ናይ ኣኽሪያ ይግረም!

      ቤት ትምህርቲ የሺቫ ዘይረኣየ፡ 
               ብቤት ትምህርቲ ሸሪዓ ናይ ኣኽሪያ ይግረም!

  ኣብ እስራኤል ካብ ዘሕለፍኩዎ ሸውዓተ ናይ ስራሕ ናይ ስደት ዓመታት፡ እተን ዝበዝሓ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ሃይማኖት፡ (ናይ ዳቲ) ብየሺቫ ዝጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት፡ (ብማይነየሽዋ ዝጽዋዕ ሆስፒታል ናይ ሃይማኖተኛታት) እየ ኣሕሊፈየን። ጽሬት እና ሰራሕኩ፡፡ ከመይ ከም ዝመሃሩ እናተዓዘብኩ፡፡ ከም’ቲ ንዝኾነ ካብ ኣይሁድ  ዘይተወለደ “ጎይ” ዝብልዎ ንዓይ’ውን “ጎይ” እናበሉኒ፡፡ ኣብ ዲያሎግ ስለ ዝኣምኑ ምስኦም እናተኻታዕኩ፡ ካብ ኣመሃህራኦም እናተመሃርኩ፡ ካብ’ቲ ስሕት ኢለ ምስ ውልቀሰባት ዝገብሮ ዕላላት ድማ ነዚ ጽሑፍ ክጽሕፍ ክሳብ ዝድረኽ ኣጸቢቐ እናቐረብኩ።

   ኣብ “ማይነየሺዋ” ዝበሃል ኣብ ቤኒብራክ ዝዓበየ ሆስፒታል ጽሬት እናሰራሕኩ ከለኹ፡ ምስ ሓደ ገናዚ ሬሳን ተቖጻጻሪ ዝብላዕ ነገራትን ዝኾነ ብኣጸዋውዓኦም “ማሽጊያህ” ዝብልዎ ኣብ እንግሊዝ ተወሊዱ ኣብኡ ዝዓበየ ኣይሁዳዊ የዕልል ነይረ። ሓንሳብ ንካታዕ፡ ሓንሳብ ነውግዕ፡ ሓንሳብ ድማ ሰላም ተበሃሂልና ጥራይ ንተሓላለፍ። ኣብ ሃይማኖቱ ኣኽራሪ ክነሱ፡ ብኽፉት መንፈስ ንኸዕልል ግና ጸገም የብሉን። ዋላ’ኳ ኩሎም እስራኤላውያን ብኽፉት መንፈስ ንምዕላል ዘይጽገሙ፡ ኣብ ዝርርብ ዝኣምኑ እንተኾኑ፡ ናይ’ቲ ሰብኣይ ትዕድልቲ ግና ፍሉይ እዩ።

  እቲ ንሎሚ ክገልጾ ዝደለኹ ኣርእስቲ ክገልጽ ምስ ደለኹ ብቐጥታ ኣብ ኣእምሮይ ክመጽእ ንፍለማ ግዜኡ ኣይኮነን እዚ ሰብኣይ፡ ኣብ ቀጻሊ’ውን ክመጽእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ንሱ ደጋጊሙ ዝዛረበኒ ዝነበረ ዝርሳዕ ስለ ዘይኮነ።

 “ንሕና” ይብል ብዛዕባ ሕጂ ዘላ እስራኤል ከዕልለኒ ዝድርኽ ዘረባ እንተኸፊተሉ። ዘረባ ዝኸፍትን ንኽትዕ ዝዕድሞን ኣነ’የ። ብመሰረቱ ስርሐይ ደው ኣቢለ ክሳብ ስርሑ ዝርስዕ ዝገብሮ’ውን ኣነ’የ። ምዝርራብ፡ ምዕላል፡ ገለ ብልሳኑ ሰሊኹ ዝመጽኣኒ ፍልጠትን ምስጢራትን ክሳብ ዘሎ ዝመስለኒ’ዩ ዝሃርፎ ነይረ።

This slideshow requires JavaScript.

  “ንሕና፡ እቲ ኣብ ግዜ ናዚ ክንጠፍእ ምስ ተፈረድና፡ እቲ እንኮ ዘድሓነና፡ እቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ብምስጢር እነካይዶ ዝነበርና ትምህርቲ ሃይማኖት እዩ።” ክብል ኣውጊዑኒ።

   ካልእ መዓልቲ፡ ሓደ ንልዕሊ ሰሙን ክሕከም ዝጸንሐ፡ 119 ዝዕድሜኡ ሃይማኖታዊ ሰብኣይ ሞይቱ። ነዚ ዝሞተ ሰባእይ ገኒዙ ናብ ቤተሰቡ ዘረክቦን ክቕበር ዘፍቅደሎምን ድማ እቲ ከዕልለኩም ዝጸናሕኩ ሰብኣይ እዩ። እቲ 119 ዝዕድሜኡ’ሞ ዝሞተ ሰብኣይ፡ ኣብ ኢዱ ቁጽሪታት ነይርዎ። (ኣብ ስእሊ ኣለኩም ኣብ ታሕቲ) እቲ ቁጽሪታት ድማ ኣብ ስርዓት ናዚ ክሞቱ ካብ ዝተፈረዱ’ሞ መፈለጥታ ካብ ዝተገበረሎም ሓደ ምንባሩ እዩ ዝሕብር። ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናይ’ቲ ዝሞተ ሰብኣይ ተራኺብና፥

  “እዚ ትማሊ ዝሞተ ሰብኣይ፡” ኢሉ ዘረባ ጀሚሩለይ ቅድሚ ሰላምታ፡ ንዕላል ክፉት ምዃንካ እንተፈሊጦምን ዝውጥጦም ስራሕ እንተዘይብሎምን፡ ከዕልሉ ውዒሎም ዝሓድሩ ብዙሓት ኣለውዎም። “እዚ ትማሊ ዝሞተ ሰብኣይ፡ ሓደ ካብ’ቶም ንህላወና ኣበርቲዖም ዝተቓለሱ ናይ ሃይማኖት መምህር እዩ ነይሩ። ንሱ ዝዓቀቦ ምስጢራዊ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት ኣብ በርሊን ጀርመን፡ ቅድሚ 20  ዓመት ተረኺቡ።” ካልእ መዓልቲ ድማ፡ “ሃይማኖት ፖለቲካ እንተዘይኣትይዎ ጸጋ ናይ ህዝቢ እዩ” ክብለኒ ይዝክር።

     ኣብ እስራኤል፡ ብፍላይ ኣብ ቤኔብራክን ኣብ የሩሻላይምን፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ጎደና ኣብ ነብሲ ወከፍ ከባቢ ናይ ሃይማኖት ቤት ትምህርቲ፡ ቤት ትምህርቲ የሺቫ ኣሎ። እዚ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦን ፍቓድ ዘለዎን ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ’ዚ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተመሃሮን ንዕኦም ዝምህርዎም ሃየማኖተኛታትን ድማ’ዮም ካብ ኩሉ ህዝቢ እስራኤል ብዝተፈለየ ኣገባብ “ምስ ዓረብ ዘሎና ጸገም ብጸሎት ክንፈትሖ ኢና፡ እቲ ናይ ኣጽዋር ውግእ ጠጠው ኣብልዎ፡ እቲ ገንዘብ ንዓና ሃቡና” ኢሎም ዝካትዑ። በዚ መሰረት እስራኤል ኣብ ክልተ ዝተመቕለት እያ።

  ካብ ደቆም፡ ብፍላይ ኣዋልዶም ናብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ትምህርቲን ኣገልግሎትን ኣይከዳን። ኣወዳት’ውን ዝበዝሑ ክኸዱ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ኣብ ውስጢ እስራኤል ከለዉ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣካይዳን ኣገባብ ኣነባብራን ኣለዎም። ምስ መንግስቲ ዝራኸቡሉ ነጥቢታት ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብሓሳብ ወትሩ ምስ ተኻትዑን ምስ ተገራጨዉን እዮም። ኣብ ህላወ እስራኤልን ጽዮናዊ ፍልስፍናን ግና ብሓባር እዮም።

holocaust

   ኣብ ጥቕሚ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ እንተመጺእና፡ ካብ’ቶም ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ተማሂሮም ዝዓበዩ ህጻናት፡ እቶም ብመንገዲ ቤት ትምህርቲ የሺቫ ተማሂሮም ዝዓበዩ ዝበለጹን ዝበልሑን ኮይኖም ይርከቡ። እቶም ካብ እግሪ ተኽሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ የሺቫ ተማሂሮም ደሓር ብዝኾነ ምኽንያት ናብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ እንተተጸንቢሮም’ውን ዝበለጹ ኮይኖም’ዮም ዝወጹ። ምኽንያቱ ንዓሰርተታት ሰዓታት ኣብ ፊት ወረቐት መጽሓፍ ቅዱስ (ቶራ) ኮፍ ኢሎም ከንብቡን፡ ነቲ ዘንበብዎ ምስ መምህራኖም ምስ ፍላስፋታቶም ክካትዑሉን ከሀብትምዎን እዮም ዝውዕሉ። ካብ ንግሆ ሰዓት 8 ክሳብ ምሸት ሰዓት 10 ኣብ’ቲ ቤት ክነሰት ዝበሃል፡ ወይ ኣብ’ቲ ብየሺቫ ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ኣለዉ። እቲ ንሃይማኖቱ ክፈልጦ ክብል ኣብ ፊት መጽሓፍ ተገቲሩ ከንብብ ዝውዕል እቲ ኣብ ኣካዳሚ ዝነፍዐ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ።

  ኣብ እስራኤል፡ ኣብ’ቲ ናይ ሃይማኖት ቤት ትምርህቲ፡ ንዓና ንስደተኛታት ዝምልከት ዝወሃብዎ ትምህርቲ ግጉይን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን እዩ። ካብ ኣይሁዳዊ ወጻኢ ኩሉ ሰብ ብ “ጎይ” እዩ ዝጽዋዕ፡ “ጎይ” ማለት ድማ እምነት ኮነ ሃይማኖት ዘይብሉ ሰብ ማለት’ዩ።

ብዘይካ ደቂ ተባዕትዮኦም፡ ኣብ ካልእ ሃይማኖት ዘሎ ወዲ ተባዕታይ ዝኽንሸብ ኣይመስሎምን’ዩ፡ ብኸምኡ እዮም እናተመሃሩ ዝዓብዩ። እዚን ነዚ ዝመስል ገለ ገለ ግጉይ ፍልጠት የቕስምዎም ኮይኖም’ምበር፡ ኣብ ኩሉ ነገራቶም ምሉኣት ኮይኖም’ዮም ዝዓብዩ።

እምበኣር ናብ ዓድና ንመለስ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ቤት ትምህርቲታት፡ መንግስቲን ኣካየድቱ መራሕቲ ሃይማኖትን ኢድን ጓንቲን ኮይኖም ክሰርሑ እንተኽኢሎምን፡ ሓደ ካብ ናይቲ ሓደ ጸቕጢን ተጽዕኖን ነጻ እንተኾይኖምን፡ (ነዚ ዘሎ መንግስቲ ዝምልከት ኣይኮነን) ሕውነትን ምክብባርን ዝመልኦ ምክትታል እንተተገይሩሎምን ውጽኢቱ ጽቡቕ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን። ምኽንያቱ፡ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ካብ ህጻንነትካ ብግቡእ እንተወሲድካዮ ጠቓሚ ከም ዝኾነ ብዙሕ ኣብነታት ክንጠቅስ ስለ እንኽእል። እዚ ድማ ካብ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዘስረጸልና ፍርሒን ስግኣትን ወጺእና ናይ ሃይምኖት ትምህርቲ ብመጽናዕቲን ብምርምርን ክንፍትሾ እንተበቒዕና ጥራይ ኢና ንርድኦን ንረብሓሉን።

F150903YN007-e1448081346898

  ኣብ እስራኤል ተወዳዳሪ ኣካዳማኢያዊ ትምህርቲ መሊኡ ኣሎ። እቲ መንግስቲ ግና፡ ጥቕሚ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ሃይማኖት ስለ ዝተረደአን፡ በቲ ካልእ ድማ ሓይሊ’ውን ስለ ዘይብሉን፡ (ምኽንያቱ ህዝባዊ ኮይኑ’ዩ) ነቲ ናይ ሃይማኖት ቤት ትምህርቲ ክዓጽዎ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ብዙሕ ጽፍሒታት ውጽኢታውያን ኮይኖም ዝወጹን ዝያዳ ዝእመኑን ድማ ንሶም ኮይኖም እዮም ዝጸንሑኻ።

  ኣብ ናይ ኤርትራ ሃገርና ዝህሉ ረብሓታት ድማ ካብ’ዚ ዝፍለ ኣይክኸውንን’ዩ። ብዝሒ ሃይሞኖት ከም ጸገም ከይተምጽእዎ፡ ኣብ እስራኤል ብዘይካ’ቶም ኣይሁዳውያን እቶም ኣኽረርቲ ኦርተዶክስ’ውን ተመሳሳሊ ኣገባብዮም ዝኽተሉ። ናይ ገዛእ ርእሶም የሺቫ ኣለዎም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ክነሰት ኣለዎም። ማዕረ’ቶም ኣይሁዳውያን ድማ ንደቆም የምህሩን የንቅሑን።

     ነዞም ኣርእስቲታት ክጠቅስ ከለኹ ሓንቲ “ምህናጽ ሞራላዊ ሰረት ኤርትራ” ትብል መጽሓፍ ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል ትዝ ኢላትኒ። ስለምንታይ እያ ግና ትዝ ኢላትኒ? ምኽንያቱ እቲ ኣብኣ ዘሎ ትምህርቲ፡ ካብ ሓደ ብሃይማኖታዊ ትምህርቲን መንፈሳዊ ሓይሊን ዝሃብተመ ሰብ ዝተዳለወ ስለ ዝኾነ ይኸውን። ሃይማኖት ዝሃስየካ፡ ንሃይማኖት ካብ ሃይማኖተኛታት ወጻኢ ፖለቲከኛታት ክጥቀሙሉ ምስ ዝጅምሩ እዩ። ዋላ’ኳ ብተፈጥሮ ኣብ ሃይማኖት ዘለዉ ሰባት’ውን ኣንጻር ፖለቲካን ፖለቲካዊ ሓይሊን ዝዛረቡን ዝሰብኩን እንተኾኑ። ዝያዳ ዝሃስየካስ ፖለቲከኛታት ኣብ ሃይማኖት ኢዶም ከእትዉ ምስ ዝጅምሩ እዩ።

  ኣብ ኣስመራ፡ ኣኽሪያ፡ እቲ ሃይማኖተኛ ዘይኮነ ኣብ ፖለቲካ ኣትዩስ፡ እቲ ፖለቲከኛ እዩ ኣብ ሃይማኖት ኣትዩ። እቲ ፖለቲከኛ ኸኣ ክመጾ ዝኽእል ሰበብ ስለ ዝተረደአ፡ ነታ ከእትዋ ዝሓሰበ ኢዱ ቀስ ጌሩ ስሒብዋ፡፡ መብዛሕቲና ኣብ ስደት ዘሎና ወሃብቲ ዜናን ወሃብቲ ርእይቶን ድማ፡ (መቸም ኩሉ እንድዩ ኣብ ፖለቲካ ፈላጥን ተመራማሪን ኮይኑ ክቐርብ ዝፍትን) ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ እናሃለወ ስለምንታይ ናይ ሸሪዓ ትምህርቲ ኣድለየ ክንብል ንስማዕን ንረአን ኣለና። ኣነ ድማ ናይ እስራኤል ቤት ትምህርቲ የሺቫ ዘይረኣየስ ብ ሸሪዓ ናይ ኣኽሪያ ይግረም ይብል ኣለኹ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዘዝዓበናሉ ከባቢታት ብቁርአን ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ሙስሊም፡ ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ኣመንቲ ክርስትና ወይ ኦርቶዶክስ ነይሮምናን ኣለዉናን። ዋላ’ውን ካቶሊክ።  ይዋእ ደኣ እቶም ካልኦት እምነታት፡ ጆሆቫ፡ ፔንተኮስተን ንዕኦም ዝመስሉ ካልኦት ትካላትን’ምበር ተዋህዶን ሙስሊምን’ሲ ዝነበሮም እዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነት ጸገም ኮይኖም ድማ ኣይፈልጡን።  ከም በዓል ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስርዓታትን ካብኦም ብናጽነት ዘይተገለገለ ደላዪ ፍትሒን ግና፡ ንናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ከም ጎዳኢ ትምህርቲ ይርድእዎን ይገልጽዎን ኣለዉ። ነብስና’ምበር መንፈስናን ኣእምሮናን ካብ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዘስረጸልና ኣተሓሳስባ ዘይወጻእና ውሑዳት ኣይኮንናን።

 

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s