ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ዘተ ጥበብ  ብ ኣማኑኤል በርሀ

                    ዘተ ጥበብ     ብ ኣማኑኤል በርሀ

 

    ኣፋዊ ግጥሚ ናይ ጥበብ ያታና ካብ ዝኸውን ኣማኢት ዓመታት ኣቝጺሩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ “ኩሉ ናዕታ ዘዝሃረመ ግጥሚ ድዩ?” ንዝብል ሕቶ ሰጊርና፣ ብዛዕባ ቅድታት ግጥምታትና ኢና ክንፍትሽ ዝግብኣና። ኣብ ብዙሓት ግጥምታትና ግን ገና ነቲ ቀዳማይ ሕቶ ክንሰግር ኣይክኣልናን ዘለና። ብጉሉሕ ንድሕሪት ንሕንበበሉ ወርሓት ወይ ዓመታት’ውን ንዕዘብ ኣለና። “ንምዃኑ ቅዲ ዘለዎ ግጥሚ ኣለና ድዩ?” ንእትብል ሕቶ ከኣ፡ ብዙሓት ተባዕ መልሲ ክስእኑላ ይስምዑ። ምናልባት ስም ገጣሚ ከይርኣና፡ ናይ መን ግጥሚ ምዃና ከነለልያ እንኽእለሉ ኣጋጣሚታት ይህሉ ይኸውን። እዚ ግን መዐቀኒ ቅዲ ድዩ? ቅዲ ክፍትሹ ዝኽእሉ ኣስተማቐርቲ ወይ ሃየስቲኸ ኣለዉና ድዮም? ቅዲ ተሰሪሑ እንከሎ፡ ሰኣን ብዕምቈት ዝፍትሾ ከይተለለየ ክነብር’ውን ይኽእል’ዩ። እዛ እትስዕብ ናይ ታጎር ዛንታ ንገጠምትናን ሃየስትናን ቅዱስ ቅንኢ ትፈጥር ትኸውን እያ’ሞ፡ ቅድም ንዕኣ ነስተማቕራ።

3-poems-logo-2

    ብ 7ግንቦት 1886 ዓ.ም ኣብ ካልካታ ዝተወልደ ህቡብ ህንዳዊ ገጣማይ ራቢንድራናት ታጎር ኣብ ስነጽሑፍ ህንዲ ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሰባት ሓደ’ዩ ኔሩ። ወዲ 8 ዓመት እንከሎ ምግጣም ዝጀመረ ታጎር፡ ወዲ 16 ክበጽሕ እንከሎ ፋልመይቲ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ ከሕትም በቒዑ ነበረ። ታጎር ገጣማይ ጥራይ ዘይኰነ ጸሓፊ ልቢ ወለድን ደራሲ ሙዚቃን፡ መስራቲ ናይ’ቲ ሰብኣውነት ዝምህረሉ ካብ ልሙድ ትምህርቲ ወጻኢ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ዩኒቨርሲቲ፡ ቀባኣይ፡ ፈላስፋን ሰውራውን ነበረ። ኣብ 1913 ዓ.ም ካብ ኣውሮጳውያን ወጻኢ ንፈለማ ግዜ ናይ ኖበል ተሸላሚ ዝዀነ ታጎር፡ ሽልማት ኖበል ዝወሰደሉ ብስነጽሑፍ ( literature) ኰይኑ፡ በታ ‘ጊታንጃሊ’ ዝተሰምየት ብቋንቋ ቤንጋሊ ዝጸሓፋ እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፉ’ዩ። ነታ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ’ውን ባዕሉ’ዩ ተርጒሙዋ። ይኹን እምበር እቲ ትርጉም ቅኑዕ ኔሩዶ ኣይነበረን ርግጸኛ ኣይነበረን። ብፍላይ ግጥሚ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም ከም ስዲ ንባብ ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣስተውዒሉ ነበረ። ግጥሚ ካብ ናብ ሰዋስው ናብ ሙዚቃ፡ ካብ ናብ ሓሳብ ናብ ስምዒት ከም ዝቐርብ ተዓዚቡ ኔሩ። ግጥሚ ዝዓቖረ ቀላይ ዘይኰነ ዝፈስስ ወሓዚ ከም ዝዀነ ተገሊጹሉ ነበረ። ታጎር ካብ መጽሓፉ ግጥምታት መመሪጹ ክትርጉም ሓያሎ መዓልታት ኣሕለፈ። ንኹሉ ግጥምታቱ ተርጒሙ ምስ ወደአ’ውን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ክኸውን ኣይከኣለን። ስለዚ ንሓደ ሲ ኤፍ ኣንድሪውስ ዝበሃል ካህን ነቲ ዝተርጎሞ ክርእየሉ ሃቦ። ኣንድሪውስ ንማህተማ ጋንዲ ናይ ቀረባ ዓርኩ፡ ንናጽነት ህንዲ’ውን ካብ ልቢ ዝተቓለሰ ሓርበኛ ነበረ። ነቲ ግጥምታት ኣጸቢቑ ርእዩ ምስ ኣንበቦ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ጥራይ መሪጹ ንኸዐርዮ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ሰደደሉ። “እቲ ትርጉም ብምሉኡ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣሎ፡ እንተዀነ ኣብዘን ዝሕበረካ ዘለኹ ኣርባዕተ ነጥብታት ናይ ሰዋስው ሕጊ ኣይተኸተልካን ዘለኻ” በሎ።

Epic

     ታጎር ብመሰረት ምኽሪ እንግሊዛዊ ቀሺ ነቶም ዝተባህልዎ ኣርባዕተ ቃላት ደምሲሱ ብካልእ ተከኦም ። ቅድሚ ናብ ማሕተም ምእታው ከኣ ናብ ለንደን ድሕሪ ምኻድ ን20 ዓበይቲ ገጠምቲ ዓዲሙ ነቲ ትርጉም ናይ’ታ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ ከም ዝግምግምዎ ገበረ። ንኹለን ግጥምታት ኣንቢቡ ምስ ወደአ ከኣ፡ “ዝጎደለ ነገር ዘሎዶ ይመስለኩም?” ብምባል ነቶም ገጠምቲ ሓተቶም። ዊልያም በትለር ዩትስ ዝተባህለ ውሩይ እንግሊዛዊ ገጣሚ ሃንደበት ሓፍ ብምባል፡ “ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ዝተጋገየ ነገራት ኣሎ” በለ። ታጎር ኣዝዩ ተገረመ። ብዘይካኡን ቀሺ ኣንድሪውን ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ከም ዝቐየረ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ቀሺ ኣንድሪውስ ዝቐየሮም’ሞ በትለር ዩቱስ ዘይፈተዎም ቃላት ተመሳሰልቲ ነበሩ። ዩቱስ ኣስዒቡ ንታጎር ከምዚ በሎ፡ “ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት እቲ ግጥሚ ዋሕዚ የብሉን፡ ኣይንቀሳቐስን’ዩ፡ እቶም ቃላት’ውን ንስኻ ዘይኰንካ ካልእ ሰብ’ዩ ሰዂዑዎም። ኣርባዕቲኦም ቃላት ነቲ ወሓዚ ከይውሕዝ ገዲቦም ዝሓዝዎ ደናጉላ’ዮም።” ታጎር ከኣ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ኣርባዕቲኦም ቃላት ዝመረጾም ኣንድሪውስ’ዩ። እንግሊዛዊ ስለዝዀነ ካባይ ንላዕሊ ንሱ ይፈልጥ። ንዓይ ግን እንግሊዝ ኣፈይ ዝኸፈትኩሉ ቋንቋ ኣይኰነን። ኣንድሪውስ ቅድሚ ምቕያሮም ዝነበሩ ቃላት እዚኦም’ዮም ኔሮም።” በሎ ዩቱስ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ “እቶም ቃላት፡ ሕጊ ሰዋስው ኣይክተሉን’ዮም፡ ግን ቅኔ ኣለዎም። ሰዋስው ረሳዓዮ’ሞ ነቲ ዋሕዚ ተኸተል” በሎ። ታጎር ብነሐሰ 1941 ብሞት ክፍለ እንከሎ ናይ መጀመርያ ህንዳዊን ናይ መጀመርያ እስያዊን ተሸላሚ ኖበል ብምዃን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዝሰፈረን ዕለተ ልደቱ ዓመታዊ ብክብ ዝበለ ድምቀት ዝበዓለሉን ገጣማይ’ዩ። እሞ ንሕናኸ መጠን ክንድ’ዚ ቅዲ ክፈጥሩን ቅዲ ከስተማቕሩን ዝኽእሉ ጥበበኛታት ይህልዉናዶ? ልሉይ ቅዲ ዘይብልና እንተዀይኑ፡ እቲ ድኽመት ካብ ገጠምቲ ድዩ ወይሲ ካብ ኣስተማቐርቲ?

 ኣማኑኤል በርሀ

  ምንጪ Qedie Manche _ቀደርኩ

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s