ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ድምጺ’ቲ ፍላስፋ (ኸሊል ጂብራን) ©ብ በክረ ገብረየሱስ

                ድምጺ’ቲ ፍላስፋ  (ኸሊል ጂብራን)
                                ©ብ በክረ ገብረየሱስ

     ሓይሊ ሕያውነት ኣብ ውሽጢ ልበይ ምስ ተዘርአ ነቲ ሰዊት ስርናይ ዓጺደ፣ ኣርኒበን ኣሲረን ንዝጠመዮም ክህቦም’የ፡፡ ነብሰይ ተኽሊ ወይኒ ምስ ኣብቆለት፤ ፍረታታ ጾሚቐ ንዝጸምኦም ጽምኦም ከርውሎም’የ፡፡ ነዚ ኩሉ ንምግባር ዘብቅዓኒ ሓይሊ፤ ኣብ ውሽጦም እነብር ብምኳነይ እዩ፡፡ እዚ ንኸይገብር ዕድለይ ኣሲራ ትሕዘኒ እንተኮይና ግን ክመውት እመርጽ፡፡ ዘማሪ ብምኳነይ፤ ምሃብ ካብ ዘይከኣልኩ ምቕባል ኣይክኾነለይን’ዩ፡፡ ትብዓት ክንዲ ኣውሎ ንፋስ ዝሕይል ብርትዐ ኣለዎ፡፡ ኣብ ስቕታይ ከውግዖ እየ፡፡ እቲ ምንታይ፤ እቲ ማዕበል እንክሓልፍ ቃለይ ክሳብ ኣምላኽ ከብጽሖ እዩ፡፡

ዘርኢ ወዲ ሰብ ብምድራውያን ነገራት ግዙእ እዩ፡፡ ኣነ ግን ንነብሰይ ኣብ ሃልሃልታኡ ክሳብ ዘንጽሃለይ፤ ኢ-ሰብኣውነት ካብ ልበይ ክሳብ ዘጥፍኣለይ፤ ወትሩ ናይ ፍቕሪ ሽቦ ክጭብጥ እምነ፡፡ ጽንኩራት ነገራትን ኩነታትን ንሰብ ከየሳቐዩ ከም ዝቐትሉዎ፤ ፍቕሪ ድማ እናፈወሰ የንቅሖ-ህይወት የልብሶ፡፡ ሰባት ብዘርእን ዓሌትን ተኸፋፊሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ከባቢታትን ከተማታትን ይነብሩ፡፡ኣነ ግን ንኹሎም ሕብረተ-ሰባት ጋሻ’የ፡፡ ምስ ማንም ሕብረተ-ሰብ ክውግን ኣይደልን፡፡ ዓለም ኩሉ ሃገረይ እዩ፡፡ ኩሉ ናይ ሰብ ዘርኢ ዓሌተይ’ዩ፡፡

ሰባት ብሰሪ ድኻሞም ኣብ ፍልልይ ምንባሮም ዘሕዝን’ዩ፡፡ ከይትኸፋፈለት’ኳ ዓለም ጸባብ’ያ፡፡ ስለዚ ነዛ ጸባብ ምድሪ ብዘርኢ፤ ብግዝኣት፤ በውራጃ፤ ብእምነት ……..ምምቕቓላ ብልሒ ኣይኮነን፡፡ ሰባት፤ ናይ ነብሲ ቤተ-መቕደስ ኣብ ምፍራስ ብሓደ ይቖሙ፡፡ ኢድን ጓንትን ኮይኖም መቓብር ምድራዊት ስጋ ይፍሕሩ፡፡ በይነይ ኣብ ጽምዋ ደው…….እብል ‘ሞ፤ ካብ መዓሙቕ መንነተይ እናመንጨወ፤ ተስፋ ብዝተመልኦ ድምጺ፤ “ፍቕሪ ንናይ ወዲ-ሰብ ልቢ ፈዊሱ ህያው ከም ዝገብሮ፡ ድንቁርና ድማ መንገዲ ፍልጠት ይምህሮ፡” እንክብለኒ ከዳምጾ እየ፡፡ ክንዲ ዝበርትዐ ሓይሊ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ቅንጣብ ሓድሽ ነገር ክፈጥር ኣይካኣለን፡፡ ሕማምን ድንቁርናን፤ ቀንዴል ዓቢዪ ደስታን ፍልጠትን እዮም፤፤

ምጭውቲ ሃገረይ ምሒር ናፊቐያ፡፡ ህዝብታታ ብስቅያቶም ምኽንያት ብዙሕ እየ ዘፍቅሮም፡፡ ኮይኑ ግን፣ ብማዕበል ስምዒታት ተለዓዒሎም፤ ብመንፈስ ጅግንነት ነቒሖም፣ ኣብ ጎረባብቲ ንዝርከቡ ሃገራትን ህዝብታትን ዝወሩ እንተኾይኖም፣ ዝፍጽሙዎ ተግባር ግፍዒ ኢዩ’ሞ። ህዝበይን ሃገረይን ክጸልኦም ክግደድ’የ፡፡ ዝፈትዋ ሃገረይ መዝሙር ምስጋና ክዝምረላ እየ፡፡ ዝዓበኹሉ ቤተይ ንምርኣይ ኣዝየ ተሃንጥየን ናፊቐን ኣለኹ፡፡ ኣብ ቤተይ ዝነብሩ፤ ንዝተሸገሩ ወገናት መግብን መጽለልን ነኸይህቡ ኣሻፈረኝ ክብሉ እንተ ጸኒሖምኒ ግን፣ ምስጋናይ ናብ ቁጠዐ፣ ናፍቖተይ ድማ ናብ ምርሳዕ ክቕይሮም’የ፡፡ ካብ ውሽጠይ ዝፍልፍል ድምጺ “ንዝተሸገሩ ዘየዕቁብ ቤት፤ ዑና’ምበር ጥዑይ ቤት ኣይኮነን” ኢዩ ዝብለኒ፡፡ ንሃገረይ ዘሎኒ ፍቕሪ ከም ዘለዎ ኮይኑ፤ መዳሕንተይ ንዝተቐብረሉ ትውልዲ ዓደይ ውን ምሒር እናፍቖ፡፡ መላእ’ዛ ምድሪ ሃገረይ ብምኳና እፈትዋን እናፍቓን፡ ምድሪ፤ ናይ ትብዓት መሰረት፣ ናይ መንፈስ ኣምላኽ መግለጺ ስለዝኾነት ብዙሕ እየ ዝፈትዋ፡፡

ትብዓት ብምድሪ ዝተገልጸ መንፈስ ልዑል ፈጣሪ ኢዩ፡፡ እዚ ትብዓት’ዚ ግን ኣብ ማእከል ዑና-ምናን ፍርስራስን ከም ዝቖመ ርሻን እዩ፡፡ ዕርቃኑ ብልግብጋግ ኣጭርቕቲ ሸፊኑ፣ ንብዓቱ ድማ ኣብ ከብሕታት መዓጓጉርቱ ክሓብእ ይፍትን፡፡ ንደቁ ከብዲ ብዝበልዕ ድምጺ ይጽውዖም ኣሎ፡፡ ንሳቶም ግን ናይ ዘርእን ዓሌትን ዜማ ምዝያምን ጉራዴታቶም ኣብ ምስሓልን ተጸሚዶም ኣለዉ፡፡ ንብዓት ኣዴታቶም ንምሕባስን መሪር ብኽያተን ንምስማዕን’ኳ ዓቐብ ሰማይ ኮይኑዎም ይርከብ፡፡ ትብዓት ኣፍ ደገ ህዝብታቱ ይኹሕኩሕ ኢዩ፡፡ግና ኣይሰምዑዎን እዮም፡፡ ድምጹ ዝሰምዕ፤ ነዲኡ ንብዓታ ዝደርዘላን ዘጸናንዓን ሳሕቲ እንተ ተረኺቡ፣ “የዋህ…..ድኹም” ዝብል ቅጽል እዩ ዝዋሃቦ፡፡ ትብዓት ብምድሪ ዝተገልጸ መንፈስ ልዑል ፈጣሪ ኢዩ፡፡ ፈጣሪ ድማ ፍቕርን ሰናይ ተግባርን ይሰብኽ፡፡ ሰባት ግን ነዚ ትምህርቲ ’ዚ እውን ካብ ምንእኣስ ድሕር ኣይብሉን፡፡

ናዝሬታዊ እየሱስ ንስቕለት ኢሉ ስለ ዝመጸ ኢዩ ተሰቒሉ፡፡ ሶቅራጦስ ናይ ድምጹ ጻውዒት ኣኽቢሩ ስለዝተጓዕዘ ንስጋኡ ተገዚኡ ነይሩ፡፡ ተኸተልቲ ክርስቶስ ይኹን ሶቅራጦስ ኩሎም ድቂ ኣምላኽ እዮም፡፡ ሰባት ክቐትሉዎም ዓቕሚ ምስ ሰኣኑ፤ “ስቓይ ካብ ሞት ዝበኣሰ መሪር ነገር እዩ” እና በሉ ክሕጭጩሎም ይግደዱ፡፡ እዮሩሳሌም ንክርስቶስ፤ ኣቴንስ ድማ ንሶቅራጦስ ክቐትልኦም ኣይክእላን እየን፡፡ በንጻሩ’ኳ ድኣ ንዘልኣለም የንብርኦም፡፡ ሰዓብቲ ፈጣሪ ብስቓይ ኣይስነፉን፡፡ ዘንተእለት እናዓበዩን እናተኸብሩን እዮም ዝነብሩ፡፡

ሰብ ብምዃንካ ሓወይ ኢኻ፡፡ ኩላትና ናይ ሓደ ቅዱስ መንፈስ ፍጡራት ኢና፡፡ ኩላትና ዘይንበላለጽ ደቂ ሓንቲ ሓመድ ኢና፡፡ ኣብ መንገዲ ህይወት መጓዕዝተይ፤ ዝተኸወለኒ ሓቂ እትግንዘብ፣ ረዳኢየይ ኢኻ፡፡ ሰብ ኢኻ’ሞ ከም ሓው መጠን እፈትወካ ኢየ፡፡ ጽባሕ ካብ ምድሪ ወሲዱ፤ ሕሉፍ ተግባርካን ዘረባኻን መርትዖ ተጠቒሙ ፍርዲ ዝህበካ ኣካል ስለዘሎ፤ ከም ምርጫኻ ክትኮነኒ ትኽእል ኢኻ፡፡
ክቱር ስሰዐይ ጸደፍጸፍ እናበልኩ ሃብቲ ከኻዕብት ይደፋፍኣኒ ብምህላዉ፤ ንስኻ ካኣ መቑርሰይ ስለ ዘኾንካ ካብ ዘሎኒ ኩሉ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ፡፡

ኣብ ልዕለይ ባህ ዝበለካ ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ፡፡ እንተኾነ ግን ሓቅነተይ ክትነኽኦ ዝካኣል ኣይኮነን፡፡ ደመይ ክተፍስሶ፤ ስጋይ እውን ክተቃጽሎ ትኽእል ትኸውን፡፡ መንፈሰይ ክትጎድእን ክትቀትልን ግን ከቶ ኣይትኽእልን ኢኻ፡፡ ኢደይን እግረይን ብመቑሕ ኣሲርካ ብጸላም ኣብ ሸላ ትዓጽወኒ ትኸውን፡፡ ኣተሓሳስባይ ክተሕድገኒ ግን ኣይትኽእልን ኢኻ – ኣብ ሰማየ ሰማያት ከም ዝነፍሱ ንፋሳት ነጻ ስለ ዝኾነ፡፡ ሓወይ ኢኻ’ሞ እፈትወካ ኢየ፡፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንካ ተረኺበ እና ኣምለኽኩ፤ ኣብ መቕደስካ እና ተምበርከኽኩ፤ ኣብ መስጊድካ ጸሎት እና ኣብጻሕኩ ኢየ ፍቕረይ ዝገልጸልካ፡፡ ኣነን ንስኻን ደቂ ሓንቲ ሃይማኖት ኢና፡፡ እቶም ዝተፈላልዩ ናይ እምነት መንገድታት፤ ናብ ኩሉ ተዘርጊሖም ዝተማልአ ኩለንተናዊ መንፈስ ንምሃብን ምቕባልን ተወሃሂዶም ዝሰርሑን ዝነብሩን ከም ኣጻብዕ ናይ ሓንቲ ጉምቦ ኢድ እዮም፡፡

ስለ’ቲ ካብ ፍልጠትካ ዝመንጨወ ሓቅነትካ እፈትወካ ኢየ፡፡ ነቲ ሓቂ ግን ደንቆሮ ብምኳነይ ኣይሰምዖን ኢየ፡፡ እንተኾነ ግን ናይ መንፈስ ስራሕ ብምዃኑ ከም ሓደ መለኮታዊ ነገር ኢየ ዘኽብሮ፡፡ ሓቅነተይን ሓቅነትካን ኣብ ዝቕጽል ዓለም ምስ ተራኸቡ፤ ከም ዕምበባ መሮር መኣዛኦም ኣወሃሂዶም፤ ብዘልኣለማዊ ፍቕርን ውቃበን ተጠሚቖም ሓደ ዝተማልአ ዘልኣለማዊ ሓቂ እዮም ዝፈጥሩ፡፡ ኣብ ቅድሚ መለኽትን ጨቆንትን ድኹም፤ ኣብ ቅድሚ ስሱዓት ሃብታማት ድማ ድኻ ኢኻ’ሞ እፈትወካ ኢየ፡፡ ነዚ ክብል፣ ንብዓተይ ሓቢአ ንስኻ ክትሕጎሰለይ ኢየ ዝጽዕር፡፡ ብድሕሪ ንብዓተይ ኣብ ዘሎ ትርኢት፤ ንጨቆንትኻ ይቕረ ክትብለሎምን ብፈገግታ ክትምልከቶምን፤ ብናይ ፍትሒ ኣእዳው ተሓቊፍካ ክትርህርሃሎምን ክርእየካ ኢየ፡፡ ሓወይ ኢኻ’ሞ እፈትወካ ኢየ፡፡

ሓወይ እናሃለኻ ንምንታይ ትጸልኣኒ፧ ርስተይ መዓንደሪ ፋሉላት ናፈቕቲ ስልጣን ጌርካዮ ክተብቅዕ፤ ንምንታይ ግን ንዓይ ተሓታቲ ክትገብርኒ ትጽዕር፧ ብናትካ ደም ክብሪ፤ ብናይ ኣዴኻ ንብዓት ድማ ሓጎስ ክጎናጸፉ ንዘምባህቑ ክትብል ኣሚንካን ደቅኻን ራሕሪሕካ ንምንታይ ኣብ ርሕቀት ንዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ትኽተል ኣለኻ፧ ሓው ምቕታል ማለት ክብሪ ድዩ፧ ክብሪ ምኳኑ ትኣምን እንተ ኴንካ፣ ሓዉ ኣቤል ንዝቐተለ ቃኤል ኣብ ቤት መቕደስካ ኣማዕሪግካ ከም ምምላኽ ክቑጸረልካ እዩ፡፡ ንነብስኻ ቀዳምነት ምሃብ፣ ኣብ ተፈጥሮ ናይ መጀመርያ ሕጊ ድዩ፧ ንምንታይ እዩ ድኣ ነብሰ ፍትወት ኣሕዋትካ ብናይ ምጥፋእ ሰበብ ተለዓዒሉ ነብስኻ ክትቀትል ዝግድደካ ዘሎ፧ “ፍቕሪ ናይ ህይወት መሰል ናይ ሰባት ክገፍፍ ይግድደኒ” ዝብል መደረ ሓደ መራሒ ልቢ በሎ፡፡ ክቡር ሓወይ ኣነ ግን እነግረካ ኣለኹ፡፡ መሰል ናይ ካልኦት ምሕላው ዝኸበረን ዝተቐደሰን ናይ ወዲ ሰብ ተግባር እዩ፡፡ ነዛ ንኽነብር ኣሕዋተይ ዝቐትል እንተ ኾይነ፤ ንሞት ኣብሊጸ እርእያ ኣለኹ ማለት እዩ፡፡ ክብረይ ንምዕቃብ ኣብ ዝገብሮ ገድሊ፤ ዋላ ቀታሊ ይስኣን ዘልኣለማውነት ቅድሚ ምምጻኡ ንዘሎ ዘልኣለማውነት ክብል ግን፡ ህይወተይ ብገዛእ ፍቓደይ ካብ ምጥፋእ ንደሓር ኣይብልን፡፡

ክቡር ሓወይ፤ ነብሰ ፍትወት ካብ ዕዉር ስምዒት ዕብለላ እዩ ዝምንጩ፡፡ ስምዒት ዕብለላ ወገንነት ይፈጥር፡፡ ወገንነት ብወገኑ ህውከትን ዕግርግርን ዘሳሲ ስልጣን ይወልድ፡፡ ህይወት፤ ፍልጠትን ፍትሕን ካብ ገሃነም ድንቁርና ከም ዝበልጹ ትኣምን አያ፡፡ ህይወት፤ ድንቁርናን ጭቆናን ንግስነቶም ንኽቕጽሉ ንዝተሳሕሉ ጉራዴታት ስሕለቶም ከይጎድም ዘበራትዕ ስልጣን፤ ባቢሎን ዝደምሰሰ፣ መሰረት ኢዮሩሳሌም ዘነቓነቐ፣ ሮማ ዘፍረሰ ስልጣን ብትሪ ኢያ ትኹንን፡፡ ሰባት ንወንጀለኛታት ክውድሱን ከኽብሩን ዘኽኣለ፣ ጸሓፍቲ ልዕሊ ንማንም ንስሞም ክሰርዑ ከሞግሱን ዝገበረ፣ ናይ ታሪኽ ሊቃውንቲ ዝምቡዕ ስነዳኦምን ርኹስ ተግባሮምን ንኸሞግሱ ዝደፋፍኦም እዚ ሓይሊ’ዚ እዩ፡፡

ኣነ ዘኽብሮ እንኮ ሓይሊ፤ ናይ ፍትሒ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ዝሕሉን ዝከላኸልን ስልጣን እዩ፡፡ ስልጣን ሰብ እንክቐትል ፍትሒ እንታይ ኮን ትብል ትኸውን፧ ንብረት ንዝዘረፉ ኣብ ሸላ እንክድርብዮም ከ፧ ናብ ጎረቤት ሃገር ዘሚቱ ኣህዛብ እንከህልቕ ከ፧ ሓደ ደመኛ ስልጣን ተጠቒሙ ንኻልእ ደመኛ እንክቐጽዖ፤ ከምኡ ድማ ሓደ ሌባ ሳላ ስልጣኑ ንኻልእ ሌባ እንክፈርዶ፤ ፍትሒ እንታይ ኮን ትብል ትኸውን!፧ ሓወይ ኢኻሞ እፈትወካ ኢየ፡፡ ፍቕሪ ምስ ምሉእ ሓይሉን ክብሩን ፍትሒ እዩ። ዘርእኻን ዓሌትካን ከይቆጸርኩ ንዝህበካ ፍቕሪ፤ ፍትሒ ብፈገግታ ዘይትቕበለለይ እንተ ኾይና፤ ድሕሪ እቲ ምቕሉል ፍቕራዊ ልግሲ፣ ጥጅእ ነብሰ ፍወት ዝሓብእ መታለሊ ክኸውን እመርጽ፡፡ መደምደምታ መከራ ኣብ ዝበዝሓንን ተስፋ ኣብ ዝቖርጸሉን እዋን፤ ነብሰይ፣ እተጸናንዓኒ መቑርሰይ ኢያ፡፡ ነብሱ ዘየፍቅር፤ ፈራህ ጸላኢ ትብዓት እዩ፡፡ ናብ ውሽጡ ተመልኪቱ ሰብኣውነት ዘይረኣዮ እንተ ኾይኑ ብተስፋ ምቑራጽ እዩ ዝጠፍእ፡፡ ህይወት ካብ ውሽጢ እምበር ካብ ደገ ኣይኮነትን ትምንጩ፡፡

ሓደ ነገር ንምዝኽኻር እየ ናብ’ዚ መጺአ፡፡ ንሱ ድማ ሕጂ ክዛረቦ እየ፡፡ ዘረባይ ከይወዳእኩ ሞት ኣብ ሞንጎ መጺኡ ዋላ ይኹለፈኒ፤ ጽባሕ ባዕላ ቃለይ ክትዛረቦ ኢያ፡፡ ምኽንያቱ ጽባሕ፤ ምስጢራታ ኣብ ዘልኣለማዊ ዘይግንጸል መጽሓፍ ኣይተቐምጥን ኢያ፡፡ ናብ’ዚ ዝመጻእኩ፤ ነጸብራቕ እግዚኣብሄር ብዝኾኑ ንግስነት ፍቕርን ውቃበ ብርሃንን ንኽነብር ኢየ፡፡ ይነብር ድማ ኣለኹ፡፡ ሰባት፤ ሞይተ እውን ክነብር ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጡ፣ ካብ ሓጹር ናይ ምንባረይ ኣውጺኦም ክድርብዩኒ ዓቕሚ የብሎምን፡፡ ማንታ ኣዒንተይ እንተ ኣነቈሩኒ፤ ናይ ፍቕሪ ሕሹኽታን ናይ ተምሳጥ ዜማን አዳምጽ፡፡ ኣእዛነይ ምስ ዝቐዱዎም፤ ዕጣን ፍቕርን መኣዛ ተፈትሮን ዝሓዘለ ንፋስ እንክድህስሰኒ ክፍለጠኒ እዩ፡፡ ዘተንፍሶ ኣየር ኣብ ዘይብሉ ቦታ ምስ ዝድርብዩኒ፤ ውላድ ፍቕርን ትዕድልትን ምስ ዝኾነት ነብሰይ ጉጅም እናበልኩ እነብር፡፡ እምብኣር ኣብ ኩሉ ከም ኩሉ ክኸውን ኢየ ናብ’ዚ መጺአ፡፡ ሎሚ በይነይ ዝፈጸምኩዎ፤ ጽባሕ ንህዝቢ ብወግዒ ክንገሮ እዩ፡፡ ሎሚ ብሓንቲ ልበይ ዝተዛረብኩዎ፤ ጽባሕ ግን ብብዙሓት ልብታት ክዝረብ እዩ፡፡

ተ ፈ ጸ መ !!!

ቦኽረ ገብረየሱስ
Bokre Gebreyesus

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s