ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ኵሉ ካብ ግዜኻ’ዩ Bokre Gebreyesus

                  ኵሉ ካብ ግዜኻ’ዩ ብቦኹረገብረየሱስ

ቢራ ደስ እንክብለኒ እግረይ ዝሰብረሉ ባር’ዩ። ምስ ኣእዕሩኸይ ይዅን በይነይ፣ ዝለመድኩዎ ገዛ። ኣሳሰይትን ሰብ ገዛን ንማንም ተጠቃሚ ምቹኣትን ምቕሉላትን’ዮም። ሰኺሩ ዝስዕስዕን ዝስሕቕን’ምበር ዝበኣስ ወይ ዘዕገርግር የሎን። ሳሕቲ ምስ ዘጋጥም ድማ ንረበሽቲ ሓሓኒቑ ዘውጽእ ብርቱዕ ዘብዐኛ’ሎ። ንዕኡ ዝደፍሮ እንተ’ሎ፣ ጕስጢ ወይ ሓመድ ዝናፈቐ ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ጕልበቱን ቀላጽሙን ክንዲ ያሒት’ዩ። ጸጥታ ናይ’ቲ ገዛ ንኸኽብር ዘርእዮ ተወፋይነት መዘና የብሉን። ክንደይ ከም ዝኽፈል ግን እንድዒ።
* * * * * *
“ብዛዕባ ፍትሒ ቅድሚ ምዝራብናን ህያው ንኽንገብራ ስጉምቲ ምጅማርናን እንታይነታን ኣድራሻኣን ብንጹር ምፍላጥ ከድልየና እዩ። እዚ ምስ ዘይንገብር ግን ድኻምና ከንቱ እዩ።”


እቲ ኣጀንዳ ብዛዕባ ፍትሒ ምዃኑ ብዝተገንዘብኩ ኣቓልቦይ ስሒቡኒ። ከይተሰላቸኹ ብጽሞና ክከታተል ድማ ተማታእኩ። እንተ ክኢለ ሱታፌይ ውን አረጋግጽ። ወይ ድማ ብውሑዱ ተማሂረ እወጽእ። ጕድኣት የብሉን። ብዙሓት ዓይነት ሰባትን፣ ተጻራርን ተዋቓዕን ሓሳባቶምን ብምርኣይ ዝተወለፍኩዎ ስፍራ እዩ። ሕጂ ውን ፍልልያቶም ብኸመይ ከም ዝርድኡዎን ዝሕዙዎን አስተብህለሎም። ምምሕዳር ናይ ሓሳባት ዝኸበዶምን ጾሮም ከራግፉ ሓድሕድ ዝናቘሩን ክሳድ ንኽሳድ ዝተሓናነቑን እንተዀይኖም ጠንጢነዮም ዕዝር’ብል። ክንደይ ፈታውን ተፈታውን ሕቖኡ ዘይሃቦም።
“እንታይነት ናይ ፍትሒ ትብለናሲ፤ ቀጣን፣ ነዋሕ፣ ሓጻር ክንብለካ ደሊኻ ዋላስ ሕብሪ ቀቢእና ቀያሕ፣ ብጫ፣ ቀጠልያ ክንብለካ፧ ኣድራሻኣ ዝምልከት ከ እንታይ ዘተሓታትት ኣለዎ፧ ስለምንታይ ድዩ’ዚ ኹሉ ዜጋና ዝእሰርን ዝመውትን ዝስደድን ዘሎ፧ እንታይ ምራኽ ኣጥፊኣ ድያ’ዛ ኹላ ኣዳም ኣደዳ ራሻይዳን ማእኸላይ ባሕርን ትኸውን ዘላ፧ ከይጀመርና ካኣ ዕንክሊል ከተብሉና ደሊኹም! ነቲ ፍትሒ ረጊጹ ዘሳቕየና ዘሎ ዓንዳሪ ስርዓት ጉሒፍና ንህዝብና ሰላም ነውርደሉ። ቀተልቲ ፍትሒ ንጐኒ ገዲፍና እንታይነት ዶ ኣድራሻ እናበልካ ሃተፍተፍ እንታይ ኣምጸኦ! እዚ ድዩ ዘረባኹም ወይስ ካልእ ጣቋ’ለዎ እዩ፧”
“ኣይንተሃወኽ። ብስለት’ምበር ታህዋኽ ኣብ ዘብጽሓና የብሉን። ‘ተሃዊኸን ይኽዕወኦ ተመሊሰን ይሓፍሰኦ’ ከይኰነና። እዚ ሕጂ ዝተዛረብካዮ ንርእሱ መዓት ዘይበሰለ ነገራት ኣለዎ። ፈለማ ነቲ ስርዓት መግለጺታት ኣብዚሕካሉ። ‘ፍትሒ ዝረገጸ’ ኢልካዮ ከተብቅዕ መሊስካ ድማ ‘ቀታሊ ፍትሒ’ ደጊምካዮ። ንፍትሒ ውን ብግደኣ ሓንሳብ ተርግጻ መሊስካ ሞታ ተርድኣና። ስለዚ ፍትሒ እናበልና ንብላሽ ካብ ምግዓር ኣድራሻኣ ንምፍላጥ ጽዑቕ ተፍትሽ ምግባር የድሊ።”
“ግርም ኣለኻ ወደይ፣ ናትካ ዘረባ ኵሉ ትኽክል’ዩ ዘሎ። ደሓር ካኣስ፤ እዞም ተቓወምቲ፣ ተቓለስቲ፣ ደለይቲ ለውጢ ዶ ደለይቲ ፍትሒ ዝባሃሉ ንፈልጦም ኢና’ኮ። ቅንጣብ ሓልዮት ናይ ህዝቢ ዘይብሎም ኣፎም መሊኦም ብዛዕባ ህዝቢ ክምድሩ ብጣዕሚ’ዩ ዝገርመኒ። መንግስትስ እምባኣር ኣብ ማእከል ህዝቢ ኰይኑ ሃገር ይሃንጽን ይከላኸልን፣ ዝካኣሎ ይገብር ኣሎ። ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝምልከት ካኣ ንስኻትኩም ልዕሊኡ ሓለይቲ ክትኰኑ ኣይትፈትኑ። ቀስ ኢልካ፣ ግዜ ሂብካ ዝህነጽ መስርሕ እምበር ብሓደ መዓልቲ ዝሕፈስ ምህርቲ ወይ ኣበል ኣይኰነን። ክትፈልጡ ድማ ከምቲ ፍጹም ሰብ ዘየሎ ፍጹም መንግስቲ ውን የሎን። ነዘን ሓደ ሓደ ጕድለታቱ መዝሚዝኩም፣ ዘሎ ጓሓፍ ኣበሳኹም ናብ እንግድዓ መንግስቲ ኣይትኽዓዉዎ። ኣብ ቦቱኡ እንተትህልዉ ክንዲ ርብዑ’ይምሰራሕኩምን። ረጕራጓት!”
“ርብዒ ዘመን ኣብ መምበረ ስልጣን ዘላገጹዎ ውሒዱካስ ቀስ ኢልካ እዩ ዝህነጽ ክትብል ኣይትሓፍርን፧ ያ ጃምዓ ርእስና ነስርሓዮ!”
“ሐራይ ሰሚዐካ’ለኹ ሰክት። ብዝዛረቦን ዝኣምነሉን ነገር ግን ሓፊረ’ይፈልጥን’የ። ንዘይትኣምነሉን ዘይትፈልጦን ነገር ጠበቓ ክትከውን ምፍታን’ዩ ኣነዋርን ዘሕፍርን። ነቲ በብትቕንጥዎ ጉዳይ መዝሚዝኩም ትኸፋፍሉዎ ዘለኹም ህዝብን መንእሰይን ንረብሓኹም’ምበር ንረብሕኡ ከምዘይኰነ ፈሊጥኩም ክትሓፍሩን ክትናስሑን ዝግባኣኩም ዳኣ ንስኻትኩም’ምበር።”
“ሓንሳብ’ስከ ሓንሳብ! ብኸምዚ ዳኣ ኣበይ ክንበጽሕ ኢና’ሞ። ፈለማ ምክብባር ከይለመድና ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና። ክልቴኹም ሕጅስ ንሓደ ህዝቢ ብኽልተ በበይኑ ቋንቋታት ገሊጽኩሞ። እቲ ህዝቢ ግን ሓደ እዩ። እታ ዘለዋ ድማ ልዕሊ ማንም ባዕሉ እዩ ዝፈልጣ። ካብዚ ክርክርኩም ውን ይትረፍ ናይ ክልቲኡ ናይ ሓዲኡ ሸነኽ’ኳ ጥር ትብል ሓልዮትን ጸግዕን ከም ዘይረኸበ ኢና ንግንዘብ። እንሆ ድማ ዋና ምስ ሰኣነ ንቕድሚኡ ይጠፍእ።”
“እንታይ ኢኻ ንስኻ ንዘዝተዛረብናዮ ተቈናጽብ፧ ንምዃኑ መርገጺኻ እንታይ’ዩ፧ ሓሳብካ ውን ስቕ ኢሉ ዕብሉግ’ዩ ዘሎ።”
“ጽቡቕ ርእይቶ እዩ። ሕቶኻ ቃል ብቓል ንምምላስ ድማ፣ መርገጽየይ እግረይ’ዩ። ዝረግጾ ካኣ መሬት። እዚ ኵሉ ዘዛርበና ዘሎ መሬት እንድዩ ግዲ። ኵሉ ኣብ ልዕሊ መሬት’ዩ ዝፍጸም። ሃገር፣ ህዝቢ፣ መንግስቲ፣ ሕጊ፣ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ድጋፍ፣ ተቓውሞ፣……….ወዘተ መሬት እንተ ዘይሓዝካ’ኮ ዋጋ የብሎምን። ስለዚ ቀዳምነት ንመሬት ሂበ ምዝራበይ ሓጥያት ዘሎዎ ኣይመስለንን።”
“……..ኦይ! ፍትሒ ዶ ስንጫር ክትብሉ ጸኒሕኩምስ ሕጂ ድማ ናብ መሬት መሊስኩምና። እዛ ኣቐዲማ በዞም ኣሕዋት ዝተላዕለት ጕዳይ ግዳ መዕለቢ ዘይትገብሩላ። ከይትገፍሓና ብወገንካ ኣድራሻ ናይ ፍትሒ ንገረና ወደሺ። ምሁር ኢኻ ትመስል፤ ፍትሒ በዚ እያ ዘላ በለና’ሞ ከነናድያ ክንዋፈር። (ዕቡድ፣ ናይ ምሁር ደንቆሮ)”
“ክብረት ይሃበለይ። ኣብ ጕዳይ ፍትሒ፣ ትምህርትን መሃይምነትን ዝጻወቱዎ ተራ የብሎምን። ፍትሒ ትጠልቦ ቀዳማይ ረቛሒ ሕልና ዝባሃል መለኰታዊ ሃብቲ እዩ። እዚ ካኣ ባሕርን ጣሕርን ነጊድካ ወይ ብትምህርቲ ዘቕቢብካ ተኻዕብቶ ዓይነት ሃብቲ ኣይኰነን። እቲ ስጕምቲ’ምባኣር ብዕርቂ እዩ ዝፍልም። ምስ ዝተቐያየምካዮ ሰብ ዝግበር ዕርቂ ይብል የለኹን። ምስ ሰብ ብትገብሮ ዕርቂ ነገር ክተደቕስ ትኽእል። ምስ ነብስኻ ብትገብሮ ዕርቂ ግን ካብ ማህጸን ሕልናኻ ፍትሒ ኢኻ ትብኰር። ካባይ ጀሚርካ ምስ ነብሱ ዕርቂ ከይኣወጀ ብዛዕባ ፍትሒ እንተ ወርጸጸ ዋጋ የብሉን። ንዓለምናን ሃገርናን ቤተ-ሰብናን ሰላም ዝኸልኡ ሰባት፣ ምስ ውሽጦም ዝተገራጨዉን ልቦም ቢያ ዝበለቶምን ግዳም ሓደራት እዮም። ብሸፋቱ ውን ክንምስሎም ንኽእል። ምናልባት ካብ ቤቱ ንዝዀብለለ ጥራይ ኢና ሽፍታ ንብሎ። ምድሪ ግን ክንደይ ልቦም ሓግሒጋ ዝሰጐጐቶም ሸፋቱ እያ ጸይራ ትነብር። ቀንዲ መለለዪኦም ካኣ ምስሉይነት’ዩ። ስለዚ በዚ ጫካ’ዚ ተኸቢብና ከይንህሉ ነነብስና ንመርምር።”
“ኣንታ ሓወይ፣ ንሕና ስርዓት ህግደፍ ብኸመይ ይተኣለ፣ ሃገርን ህዝብን ብኸመይ ካብ ሓደጋ ነድሕን እዩ ሕማምና። ካብዚ ወጻኢ ሃለውለው ኣይትበል። (ካበዲኡ ዝመጸ ወያል’ዩ በጃኻ!)”
“ከልዩና ያኾ!!!! ጽቡቕ ኣሎ’ዚ ወዲ። ከመይ ጌርና ሽግርና ከይፈታሕና ሽግር ህዝቢ ክንፈትሕ ንሓስብ ኣለና፧ ከምቲ ዝበሎ ድማ እዛ ኵላ ኣብዚ ዘላ ኣዳመይ ሽፍታን ኵብላልያን’ያ።”
“ኣዛርቡና’ሞ’ብዚኣ። ዘረባን መሸላን ብኽሳዱ ይብሉ’ቦታትና። ነዚ ጕዳይ ናብዝን ናብትን ኣይተብሉዎ። ለውጢ ንኸይረጋገጽ ነዚ ደምበ ተቓውሞ ሕልኽልኽ ተብሉዎ ልኡኻት ከም ዘለኹም ንፈልጥ ኢና’ኮ። ንስኻትኩም ከይጸረኹም እዚ ቃልሲ ተዓዊቱ ማለት ካኣ ዘበት።”
“ትፈልጦ’ንተ’ለካ ቶግ ኣብሎ ሓቢቢ። ብዝተረፈ ግን ድኻምኩም ክትሽፍኑ ልኡኻት ገለመለ’ይትበሉና! ሓደ ብሓደ ንፋለጥ ኢና፣ ክንጻረ ኢና ኻኣ። ንሓቂ ክልሕጸጸላ’የ!!!”
“ንፋለጥን ፈረቓን!! ኣየናይ ዳኣ ኢኻ ንስኻ ብሓቅነት ትወራዘ፣ እንታይ ዓቕሚ’ለካ’ዩ ኸ ሰባት ተጻሪ፧ ጃዕባብ…..ጨናዊ ዓይኒ!”
“ኣገባብ ግበር ኣታ ወዲ ሕርካም! ይትረፍ ንስኻ ተምባዅ ካልእ ኣይደፈረንን። ኣፍኣፈይ ኣይትዛረበኒ ኣፍንጫኻ ከይጠውየካ።”
“ክተምስል ኣብ ቅድሚ ሰብ ቦሮቕሮቕ ኣይትበል – ክሳብ መቓብርካ ኸይጐየካ! ጻሕጻሒ!! ፈቲኻ ትቃለስን ዓዲ-ዓዲ ሸለብ ትብልን ዘለኻ መሲሉካ፧! ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ዘለዋ ሸሞንተ ውሽማታትካ ነዛ ሓፋሽ ክድሕድሓላ’የ! ተመሊስካ ድማ ወዲ ሕርካም ትብለኒ ንዓይ፤ ዕዋላ ዋሒድ!!!”
“ኣየናይ ኢልካዮ’ሞ መቐረት ውሽማ፣ ምስኪናይ። ሓንቲ ማልያ ከይቀየርካ ሰለስተ ሓራይም ቀይረ’ለኹ። ብመስተን ሽጋራን በስቢስካ፤ ሓደ ቈልዓ ከይወለድካ ንሓምሳ ከምዛ ዋዛ ተሳጊርካያ። ዓጥራስ…..ዕጹፍ!”
“ኣዛርቡና’ሞ’ብዚኣ። ትርጉም ጓለንስተይቲ ብውሽማ ጥራይ እዩ ዝርዳኣኩም ሓቀይ፧ ኣብ ሞንጎኹም ሓንቲ ጓል ምህላወይ ከማን ኣየቕለብኩምን። ከይሓፈርኩም ካኣ ኣብ ፈቖዶ ኣኼባ መሰል ደቀንስትዮ ተጋሂሱ ዶ ተደምሲሱ ክትብሉ ትውዕሉ፤ ሓሰውቲ! ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ግን ክትፈልጡ ይግባኣኩም።”
“ክዀልፈኪ ይቕሬታ ዛሓፍተይ። እዚ ክመላለሱዎ ዝጸንሑ ርኤኺ፣ ካብ ልቦምን ልቦናኦምን ክሳብ ክንደይ ርሒቖም ከም ዘለዉ እዩ ዝሕብረና። ምስ ምግሃስ መሰል ግን ክንምድቦ ከቢድ’ዩ።”
“ወይለከ ፍትሒ!! ምግሃስ እምበር እንታይ ስም ዳኣ ክተውጽኣሉ ደሊኻ፧ ከማነይ ኣብ ሕጊ እዩ ክንጥልጠሉ ዝግበኦም።”
“ቅቡል’ዩ ርኢቶኺ። ቆብ ከም ዘበልኩኺ……… ስምኪ ፍትሒ ድዩ ሓቀይ፧”
“ስም’ኮ ብዙሕ ኣገዳስነት የብሉን። ስመይ ዳኣ’ወ ፍትሒ።”
“ጽቡቕ። ፍትሒ ዝብል ስም ዝጠመቐኪ ሓደ ካብ ወለድኺ እዩ ዝብል ልዑል እምነት ኣለኒ። ክገርመኪ ግን ወይ ኣሕጺርኪያ ወይ ውን ብልምዲ ፍትሒ ትባሃሊ’ለኺ’ምበር መበቈላዊት ስምኪ ፍትሓዊት ምዃና ርግጸኛ ኢየ። ኣብ ከባቢታት ናጽነት ፍትሓውን ፍትሓዊትን ዝብል ኣስማት ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ። ጓለሞይ ውን ኣላ ፍትሓዊት ትባሃል። ሕጂ ግን ልክዕ ከማኺ ፍትሒ’ምበር ፍትሓዊት ኢሉ ዝረኽባ ሰብ የሎን። ስለዚ እዚ ስም’ዚ ዘርእየና ሓደ ነገር ኣሎ። ወለድና ንፍትሒ ዘለዎም ሕዱር ሃረርታ ካብ’ዚ ክንግንዘብ ንኽእል። ፍትሓዊት ዝበሉኺ ብመልክዕ መሰል ወይ ሓይሊ ፍትሒ ክትጐናጸፊ ዘይኰነስ፣ ፈለማ ንስኺ ንኻልኦት ፍትሒ ክተውርዲ ብዘለዎም ትምኒት እዮም ‘ፍትሒ’ ምባል ገዲፎም ‘ፍትሓዊት’ ዝበሉኺ። ቀጥታዊ ትርጉሙ ካኣ ‘ፍትሓዊት ኵኒ’ ማለት’ዩ። ደላይትን ተጸባይትን ፍትሒ ዲኺ ወይስ መጣዊት ፍትሒ ድማ እቲ ነገር ናባኺ ንገድፎ።”
“ብሕጽር ዝበለስ ‘ሓሳብኪ ፍትሓውነት የብሉን’ ዲኻ ክትብል ደሊኻ፧”
“ዘይወጸኒ!!! ነዚ ሚዛኑ ዝቐበጸ ምምልላስ ናይ’ዞም ኣሕዋት ዶ ንበሎም ኣቦታት ብምግሃስ መሰለ ስለዝተርጐምክዮ’ምበር ገሪሙኒ።”
“ስለዚ ንስኻ መሰል ደቀንስትዮ ዘይዓጅበካ ሓደ ቄናን ኢኻ ማለት’ዩ።”
“ደጊመ የመስግነኪ። ሓደ ዘይርዳኣኒ ነገር ኣሎ። ንደልዮ ወይ ዝጐደለና ነገር ሓንሳብ ምስ ተገልጸልና፣ ንምንታይ ኢና ካብ ኢድ ካልኦት ጥራይ ንጽበዮ፧ እዚ’ኮ ትኽ ኣቢሉ ናብ ሕቶ መሰል ወይ ጐነጽ ዝመርሕ ጐደና እዩ። ጐነጽ ከንቱነት’ዩ፣ ሕቶ መሰል ድማ ምጽወታ። በቃ። ካብ’ዚ ንወጻሉ ብልሓት ሃሰስ ንበል ኢየ ዝብል ዘለኹ።
“ካልእ ድማ፣ እዛ ‘መሰል ደቂ-ኣንስትዮ’ ትብል ቋንቋ ካብ መዝገበ-ቃላት ክሳብ ትሕከኽ እቲ ቃልሲ ብዓቢኡ ናታትክን’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ንኣብነት እዚ ኣብ ባይቶ 20 ድዩ 30 ካብ ሚእቲ መንግስቲ ዝሰልዓልክን ናይ ወምበር ብጽሒት፣ መሰልክን ስለ ዝዓጠጦ ዶ ይመስለኪ፧ ከምኡ’ይኰነን። መምዘኒ ናይ ዝዀነ ስራሕ ወይ ሱታፌ ብቕዓት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። መሰል ደቀንስትዮን ካልእን እናበለ ዝደርፍ ትካል ወይ መንግስቲ፣ ብተዘዋዋሪ እቲ ቀዳማይ ረጋጺ መሰል ንሱ እዩ። ዝዀነ ነገር ንፋስ እንተ ወቒዑዎን ኣብ ኣደባባይ ክድረፈሉ እንተ ጀሚሩን ሞይቱ’ሎ፤ ፒሬድ! ‘ዝገብር ነዲኡ ነይነግር’ እኳ ተባሂሉ ቐደም። ልቢ ብዘይፈረመቶ ቀለም ኣብ ወረቐት ዝሰፍር ሕጊ፣ ሕጊ’ይኰነን። እስኪ ኣብ ሓጺር ግዜ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክትከል’ዩ ንበል። ኣብ ዓንቀጻት ሕገ-መንግስቱ መሰላት ደቀንስትዮን ካልኦት ጕጅለታትን ዝጸባጽብ እንተዀይኑ፣ ኣብ ዓለም እቲ ቀዳማይ መደናገርን ዓማጽን መንግስቲ ምዃኑ ዝሕብር ነጋሪት’ዩ።”
“ጽናሕ ዝሓወይ፤ እቲ መሰልን ገለን’ሞ ይጽናሓልካ፤ ጐነጽ ማለት ከንቱነት’ዩ ዲኻ ዝበልካ፧ መላኺ ስርዓት ብጐነጽ ከም ዝእለ ስለዝተዛረብናስ ከንቱታት ኢልካ ክትጻረፍ ኣይትሓፍርን፧ ንስኻ ግን ሓደ ጃሱስ ኢኻ። ለኽባጥ!!”
“ጸርፊ ጥቕሚ የብሉን። ሓሳብካ ተረዲአዮ ከም ዘለኹ ብዘይካ ጐነጽ ምጥቃም ካልእ መፍትሒ ከም ዘየሎ እዩ ዘስምዕ። ግን ጐነጽ ውን ብስምዒት ጥራይ ዝፍጸም ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን። ዓቕሚ ሰቡን ንብረቱን ዝተወሃሃደ፣ ዝተጠናኸረ፣ ብሱልን ጽሬቱ ዝሓለወን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኰይኑ ከብቅዕ ድማ ገዛኢ ስርዓት ዝወድቀሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንጽባሒቱ ዘላ ረፍድን ክንዮኣን ክስእል ዝኽእል ንጹር ራኢ ክህልዎ የድሊ። ህይወት ንምጥፋእ ተዓሚትካ ዝግበር ጉያ ግን ኣይብራሃንን’ዩ ብወገነይ።”
“ስማዕ’ስከ ዝዓርከይ፤ ‘ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን’ ዝባሃል’ኮ ከምዚ እዩ። ሂወት ከይተኸፍለ ዳኣ ለውጢ ካበይ ክመጽእ ኢልካ ትሓስብ፧ ሰብ ንኸይመውት ክትጣበቕ እንተ ደሊኻ ኪድ’ንዶ ሰብኣዊ መሰላት ዝባሃሉ መዓት ትካላት ኣለዉኻ። ወረቐትካ ሒዝካ ኣብኡ ተኸራኸር። ሜሳ’ይትኹኑና በጃኹም!”
“ኣበይ ይርከብ ኢልካዮ። ከም ሰብኣውነት ዝሰፍሕን ዝምቅርን ናጽነት፣ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ዕጋበት የሎን። ሰብኣውነት፣ ብጀካ ሰብ ካልእ ዘመድ የብሉን። ዶብ የብሉን። እዝኒ ሰብኣውነት፣ ናትና-ናቶም-ንሕና-እቲኣቶም-ጸላኢ-ፈታዊ-ዓጽመ ስጋ-ጓና-እሽቦሽ ንዝብሉ ድምጽታት ጸማም’ዩ። ሰብኣዊ ንምዃን ዕጥቂ ሰብኣውነት ይሓትት። ከም ሓጺናዊ ዕጥቂ ኣብ ሽምጥኻ ዝዕጠቕ ኣይኰነን። ምሳኻ ዝውለድን ተዀስኲሱ ዝዓብን፣ ኣብ ደም ዝሰርጽ መንፈስ’ዩ። ሓጺን ዝዓጠቐ ፖለቲከኛ ሽሕ ሰብ እንተ ቐተለ ወይ እንተ’ቕተለ ኣይዓጅቦን’ዩ። ሰብኣውነት ዝዓጠቐ ፍጡር ግን ሓደ ሰብ ካብ ሞት ንምድሓን ዝኸፍሎ መስዋእቲ ወሰን የብሉን። ገዛእ ህይወቱ ከይተረፈ ጫሕ ኣቢሉ ክኸፍል ይኽእል። ኣበይ’ሞ…….ወሸለ ኵልና ዕጥቂ ሰብኣውነት ዓጢቕና!!! ሰብኣውነት ስለዘይዓጠቕና ዶ’ይኮንናን ክንበላላዕ ንውዕል ዘለና፧ ሓጺነ-መጺን ዳኣ ኣረብሪቡና’ኳ’ዩ። ለውጢ ማለት ካብ ሓደ ስርዓት ናብ ካልእ ስርዓት ጥራይ ጌርና ንትርጕሞ ሕያዎት ብዙሓት ኢና። ለውጢ ግን ካብ ግፍዒ፣ ሕሰም፣ ምጭኽኻን ናብ ርህራሄ፣ ዕቤትን ሰብኣውነትን’ዩ ክኸውን ዘለዎ። እንተዘየሎ ግን ለውጢ ዝባሃል ዘረባ ትርጉም የብሉን። እዚ በሻዕሻዕ ኢሉ ዘሎ ቍስሊ ናይ ህዝብና መሊሱ ክረክስ’ዩ። ‘ኣይ…..ኣነስ ክሳደይ ንኻራ’ ዝብል እንተሃልዩ ኻኣ ደላዪ ፍትሒ ዘይኰነስ ፈዳዪ ሕነ እዩ። ፈዳዪ ሕነ ድማ ወትሩ ስዑር’ዩ።”
“ጽናሕ’ስከ ጽናሕ! እንታይ ክትብል ደሊኻ ኢኻ ሃተፍተፍተፍ…ተብዝሕ ዘለኻ፧ ከም’ቶም ኰራኹር ኣግህድ ኣቢልካ ‘ህግደፍ ወይ ሞት’ ዘይትብል። ካብ ህግደፍ ወጻኢ ንመን ክንሕንሕን ርኢኻ ኢኻ ቁስሊ ህዝቢ ከይነርክስ ፈሪህካ፧ ክትፈልጦ ዘሎካ ግን ንሕና ንህዝቢ’ምበር ጸረ ህዝቢ ንቃለስ የለናን። እንተ’ቶም ህግደፍ ዝደሃለኩም ስሉባት ግን በሻዕሻዕ ገዲፍኩም ዋላ ሓዊ ንደዱ ኣይግድሰናን’ዩ። ክንደይ ጀጋኑን ሓርበኛታትን ሓንጊሩ ዝምርሽ ዘሎ ጉዕዞ ቃልሲ በዓል ንስኻ ሓባቢልኩም ትዕንቅፉዎ’ይኰነን።”
“ሕጂ’ውን ብኽልተ ነገራት ክሕዘካ’የ። ቀዳማይ፤ ርትዓውነት ብዘይብሉ ኣገባብ ህግደፍ እናበልካ ምስቍንቋን ንስርዓትን ምሕደራን ካብ ምቅዋም ሓሊፉ፣ ነቲ ብህግደፍ ተታሒዙ ዘሎ ቦታ ዘሎካ ክቱር ናፍቖት ከንጸባርቕ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ኣመዛዚንካ ምዝራብን ምንቅስቓስን ሳዕቤን የብሉን። ንሓሳብ ብሓሳብ ምግጣም ተመራጺ እዩ። ሰብ ንሓሳብ ክገጥሞ ምርኣይ ግን ኣብ ቅልስ ጻጸን ሓርማዝን፣ ጻጸ ይዕወት ኢልካ ‘እስኮሜሳ’ ምግባር ማለት’ዩ። ሰብ ውን’ተዀነ ሰብነቱ ከይነዓቕካ ብሓሳብ ጥራይ እዩ ዝሰዓር። ሰብ ንሰብ እንተዀይኑ ግን…….ተዓዋቲ ዘይብሉ ልሕሉሕ ጸወታ እዩ።
“ካልኣይ፤ እቶም ንሕበነሎም ዘለና ጀጋኑን ሓርበኛታትን ብመንጽር ወቕቲ ክንስእሎም ንፈትን። ትርጉም ጅግንነት ተቐይሩ’ዩ። ሎሚ……ቈልዑ ንዝቐተለን ዘቃተለን ዝወሃብ ናይ ጅግንነት ኣኽሊል የሎን። ሰብ ቀቲሉ ወይ በዲሉ ኣብ እግሪ ተበደልቲ ንዝድፋእን ይቕሬታ ዝሓትትን’ኳ ኣዝዩ ክቡርን ምስጉንን ስራሕ ሰሪሑ ማለት ዘይከኣል ኣይኰነን። ብንጹህ ልቢ ይቕረ ምባል ድማ ዝበለጸ። ጅግንነት ማለት ግን ክንዮ’ዚ’ዩ። ንቐታሊኻ ወይ በዳሊኻ ምሕረት ክትህብ ኣቐዲምካ ትፍጽሞ ተባዕን ደፋርን ስጉምቲ’ዩ ጅግንነት ማለት! ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ኣብ ግምት ክሳብ ዘየእቶና ድማ ብስም ህዝብን ሃገርን ዝግበር ዕዮ ኵሉ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ’ዩ። ‘ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’ ዝብል ለባም ዘረባ ውን ሰዓቱ ሕጂ ኰይኑ ይስማዓኒ።”
“ያ ጃምዓ፤ ነዞም ዘይተዛረብና’ስከ ዕድል ሃቡና። ካልእ ገዲፍናሲ፣ እዘን ተቓለስቲ ውድባትና ብኸመይ ፍልልያተን ከጽብባ ከም ዝኽእላ እንተ ንዛረበሉ ጽቡቕ ኔሩ። ንሱ ድማ እዩ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ክኸውን ዝነበሮ።”
“ክዀልፈካ ንዓኻ ውን፣ ኣይትሓዘለይ ዳኣ’ምበር። ኣነስ ናይ ማናቱ ዝመስል ተመሳሳሊ መልክዐን’ምበር ፍልልያተን ኣይተራእየንን። ስለዝዀና ድማ እየን ተተሓሒዘን ረፈጥ ኢለን ዝርከባ። ፍልልይ እንተ ዝህልወን ዳኣ…..እተን ፍሉያት መሰስ ኢለን’ንዶ ምወጻ። ዓይነት፣ ቅያር፣ ፍልልይ ምስኣንና’ኮ ዘዛርበና ዘሎ።”
“ፈለማ ስነ-ስርዓት’ሞ ግበር፤ ልዕሊ ዓቕምኻ ድማ ኣይትዛረብ። ‘ዝኣረገ’ምበሳስ መጻወቲ ወኻሩ’ ይብሉ’ቦታትና። 40-50 ዓመት ከይተሓለሉ ንፍትሒ ዝተቓለሱ ኣቦታትናን መማሃራንናን’ኮ ኣፎም ኣትሒዝካዮም። ክንደይ ትቕልጥፍ ወዲ ኢኻ በጃኻ…….ቧእ!!”
“ስምዒታትካ ብፍኑው ምግላጽ ምስ ዓቕሚ ክተኣሳሰር ኣይግበኦን። ኣነስ፣ 40-50 ዓመት ንዝተቓለሰ፣ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ከዕርፍ ምተመነኹሉ። እቲ ዕድሚኦም ምሉእ ናይ ሽቕለት ድዩ ቃልሲ ውሑስ ዕድል ዝፈጠረ መንግስቲ፣ ናይ ጥሮታን ትሕጋግን መሰል ክፈቕደሎም ብህዝቢ ምሕጽንታ ምቐረበሉ። እቶም ኣብ እግሮም ኮፍ ኢልኩም ትመሃሩ ምንእሰያት ግን ብጣዕሚ ኢኹም ተሕዝኑ። 50 ዓመት ከርተት ኢሉ ካብ ዘይተዓወተ ኣቦ ክንቀስሞ ንኽእል ፍልጠት፣ ስነ-ኸርተት ጥራይ’ዩ። መምህራን እንተ ትቕይሩ ወይ ድማ መምህራን እንተ ትዀኑ ምሓሸ።”
“ደሓን-ደሓን፤ ሓንኰልትን ጸረ-ህዝብን ቀደም ነቒሕናልኩም ኢና። ተቐላጢፍና ጥራይ ናብ ቀንዲ ኣጀንዳና ንእቶ።”
“ዝተመደበልና ሰዓት ኣብ ምእካሉ እዩ። ተሪፋትና ዘላ ፍርቂ ሰዓት’ያ ብግቡእ ንጠቐመላ።”
* * * * * *
ሰዓት ክርኢ ናብ ጸጋማይ ኢደይ ተመልከትኩ። ዝኣሰርኩዎ ሰዓት ግን ኣይነበረን። ኣብቲ ገዛ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝቐተልኩ ኣይግምትን። ሓንሳብ ኮፍ ምስ በልኩ ኣይተንሳእኩን። ኣይሸንኩን፣ ኣይሳዕሳዕኩን፣ ኣይሰኸርኩን። ሰለስተ ቢራ ሒዘ ከም ዘምሰኹ ጣውላይ ሓበረትኒ። ሓደ-ኽልተ ጸፊዐ ክድቅስ ድማ ምስ ውሽጠይ ተማጐትኩ። ክተአንግደኒ ንዘምሰየት ኣሳሳዪት ውን ብምልክት ነገርኩዋ። ድሕሪ ዝተወሰና ካልኢታት፣ ክኸፍሎ ዘለኒ ሕሳብ ዘርኢ ቅብሊት ኣቐሚጣትለይ ናብ ካልእ ስርሓ ተዓዝረት። ሕሳቡ ዝኸፍልን ብስኽራን እናቝጸይጸየ ዝወጽእን እምበር ኮፍ ኢሉ ዝጭልጥ ሓደ’ኳ’ይነበረን። እቲ ባር ዝዕጸወሉ ሰዓት ኣብ ምእካሉ’ዩ።

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s