ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ዕላል ምስ ካፕቹኖ ሚላኖ! ብብርሃነ ገብረሂወት

                        ዕላል ምስ ካፕቹኖ ሚላኖ  
                                          ብርሃነ ገብረሂወት
                         **********************

(ብሰውራ መጻሕፍቲ ክግናሕ ዘለዎ ሽኩሽዃ መናፍስቲ)

   ብእግሪ ጀሚረ ብባቡር ዝቐጸልኩዎ ጕዕዞ፡ ኣብ ማእከል መዋፈሪ ባቡር ሚላን ኣብጺሑኒ’ሎ። ፊት ልዳቱ ኣብ ዘሎ ሓውሲ መናፈሻ፡ ሕብረይ ዝሕብሮም፡ መጸውዒየይ ዝመጸውዒኦም፡ ገሊኦም ኮፍ ዝበሉ ገሊኦም ድማ ደው ኢሎም ይረኣዩ። ምስ ደሞም ዘለዉ መንእሰያት እዮም። ገለ ካብኦም፡ ኣብ ዝባኖም ዝተሓንገጡዎ ናእሽቱ ሳንጣ፡ ንዓመታት መባእታ ትምህርተይ ኣዘኻኺሩኒ። “ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ዝብገሱ ድዮም?” ኢለ ምሳይ ንዝነበረ ሓቲተዮ ዝሃበኒ መልሲ፡ “እዚኦም ኣሰር ኣጻብዕቲ ዘለዎምን መሰል ዕቝባ እተነጽጉን እዮም። ኣብዚ እዮም ዝውዕሉ፡ ብነጻ ዝድቅሱሉን ዝምገብሉን ናይ ገበርቲ ሰናይ ቦታ ኣለዎም፡ ሓበሻ ዘይኰኑ ድማ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን እዮም።” ክብል ኣዋጊዑኒ። ምድረ በዳ ሰንጢቖም ባሕሪ ጨዲዶም ዝኣተዉ ምዃኖም’ዩ።

ኩልና ኣፍሪቃውያን ክነስና ጸለምትን ሓበሻን ተባሂልና ኸኣ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ተፈላሊና። ምድሪ ሓበሻ እትበሃል ክፍለ ዓለም፡ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተፈልያ ምርኣይ ዘገርም’ዩ። ካብ ከግፍሕ ከጽብብ ዝቐሎ ዘይብሎ የብሉን። ንኹልና ግን እቲ ዕጫ ኣይተጋደፈናን። ዕጫ ስደትን ከርተትን። ኣእጋረይ ንቕድሚት እናሰጐመ፡ ክሳደይ ክሳብ ንድሕረይ ዝጥወ ጠሚተዮም። ገጾም ከንብብ ዝገበርኩዎ ፈተነ ከይተዓወተ ግን፡ ናብ ህንጻ መዋፈሪ ባቡር ኣትየ። ብኣስከላ ኣስከላ፡ ናብተን ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ዘለዋ ኣብያተ ንግዲ ደዪበ፡ ኣብ ሓንቲ እንዳ ሻሂ ካፑችኖ ኣዚዘ ኰፍ በልኩ።

ንትሕተ ቅርጺ መደበር ባቡር ሚላኖ ብተመስጦ ኰለልኩዎ። ካብ ሓዲዱን ባቡራቱን ክሳዕ መጽለሊኡ በጺሐዮ። ዝኣትዋን ዝብገሳን ባቡር ዕረፍቲ የብለንን። ዝስቀልን ዝራገፍን ተጓዓዛይ መቝጸሪ የብሉን። ንዅሉ እዕዘቦ። ክንድዚ ዝኣክል ድልዱል ሓጻውን፡ ብጥበብ ተተሓሒዙ ምህላዉ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ካበይ መጺኡ ዝብል ሕቶ ካብ ርእሰይ ኣይወረደን። ኤርትራ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ብምንባራ፡ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ገለ ኽፋል ሓጺንዶ ይህሉ ይኸውን? ኢለ ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይወዓልኩን – ንውሽጠይ’ዩ ሕቶይ። ምሕታተይ ኣበሳ ኣይነበሮን። ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ይትረፍ ሓጺን፡ ኤርትራዊ ኣብ ክንደይ ዘይምልከቶ ውግእ ተሳቲፉ’ንድዩ። ብመሬት ይኹን ብባሕሪ፡ ካብ ኢጣልያ ናብ ሊብያ ዝሓጸረ ክነሱ፡ መንእሰያትን ኣቦታትን ኤርትራ ካብ ዓዶም ተጓሪቶም፡ ኣሽሓት ኪሎሜተር ተጓዒዞም፡ ኣብ ውግእ ሊብያ ተጠቢሶም እዮም። ገለ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብጣልያን ዝዕደኑ ዚነበሩ ማዕድናት ሓጺን ብምንባሩ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ባቡር ምድሪ ከተማ ሚላኖ ዘይህልወሉ ምኽንያት ኣይተራእየንን። እንተ ዘይሃለወ ድማ ኣብ ካልእ ከም ዝህሉ ካብ ምሕሳብ ኣየዕረፍኩን።

26176380_1499999393451471_2067189201_n

ኣብ ሓሳብ ጥሒለ እንከለኹ ዝኣዘዝኩዋ ካፑችኖ መጺኣትኒ። ምስ ረኣኹዋ ፍሉይ ባህታ ተሰሚዑኒ። ካብ ዝጸናሕኩዎ ሓሳብ ናብ ካልእ ንኽቕይር ሓጊዛትኒ – ናብ ጥበብን ጽባቐን። ሽኮር ሓዊሰ ካብ ከካውሳ ዘይከካውሳ መሪጸ። ክሰትያ ዝጠለብኩዋስ ከንብባን ህያው ክትኰነለይን ብሂገያ። ንዅሉ ጥበብ’ዩ ዘድልዮ። ብጥበብ ንእተሰርሐ ድማ ከይጠፍኣካን ከይበላሸወካን ከምኡ ኢሉ ክነብረልካ ትደልዮ። ኣድናቖት ኣይነፈግኩን። ኣብ ምትሕውዋስ ቡንን ጸባን ዝተጠቐሙሉ ጥበብ ባህ ኢሉኒ። ቅብኣ ስየ ብህየታ እያ። ሕብራ ግን ሃሳስ ቡናዊ ኣብ ጻዕዳ መቓን። ጸባ ከም ዓለባ፡ ቡን ድማ ከም ሕብሪ’ዩ ነይሩ። ኣብ ዝብላዕ ኰነ ዝስተ ከምዚ ዝበለ እጹብ ጽባቐ ኣሸላልማ ካብ ዝተኣታቶ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ምስ እተስተውዕለሉ ጥራይ ግን ጽባቐኡ ይረኣየካ። እቶም መዓልታዊ ኣብ ከምዚ ንጥፈት እተዋፈሩ ዕድለኛታት እዮም። ግደ ሓቂ ኣቕኒኦምኒ። ብምሉእ ሃምኻን ቀልብኻን ምስ ጥበብ ምውዓል መኣስ ተረካቢ!

ዝተቐረበትለይ ካፕቹኖ ካብ ክሰትያ ከንብባ ተመንየ። ይትረፍ ጽባቐ ዝተላበሰ ነገር፡ ዘይተላበሰ እንተዀነ እውን ምንባብ’ዩ ዝደልይ። እተንብቦ ነገራት ገለ ስለ ዘዘኻኽረካ ብዝኽሪ ትዕዘር። ሰብ ከባቢኡ ይዅን መጽሓፍ ከንብብ እንተ ዘይክኢሉን ዘይተነቓቒሑን፡ ቆፎ ዝኽሩ ጥርሑ’ዩ ዝኸውን። ንባብ ከም መዘኻኸርን መበራበርን፡ ጸዓት ንቐጻሊ ሓሳባት ምዃኑ’ዩ። ኣስመራ ንሮማ እያ እትመስል ክብሉ እሰምዕ ነይረ’የ። ሮማ ዛጊት ብእግረይ ኣይረገጽኩዋን፡ ብዓይነይ ኣይረኣኹዋን። ብህዋሳተይ ዝዳህሰስኩዋ ሚላኖ ግን ንኸተማ ኣስመራ ኣዘኻኺራትኒ። ኣቃውማ ዝበዝሑ ህንጻታታን ተቐማጦኣን፡ ንግዳዊ ንጥፈታታን ልዙብ ኩነታት ኣየራን ኣይጋየሹንን። እቲ ብውሕልነት ኣብ ካፕቹኖእ እተቐመጠ ስእሊ ኸኣ ንስየታት ኣስመራን ዓርኮብኮባይ ባርካን ኣብ ኣእምሮይ ኣቐሚጡለይ።

ጋዕ ገልጠም ሎሚ ቕነ ካብ ውሽጠይ ኣይርሓቐን። ኣብ ተኣማንነቱ ዝጠራጠረሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እተዘርገሐ፡ ዳንኬራ ኲናት ዘስምዕ ታህዲድ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ወተሃደራት ሱዳን፡ ናብ ቅድሚ 20 ዓመት ወሲዱኒ። ንሓዊ ዝህወኽ ኣብ ሓዊ ከም ዝህሞኽ ዘይምርዳኡ የተሓሳስበኒ። ጥዑም ወይ ቀሊል ዝበሃል ኲናት የለን። ኲናት ንዝተዳለወሉን ዘይተዳለወሉን ብማዕረ ከም ዝምሽሉቝ መን ይስሕቶ! ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዝነበረ ምትዅታኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ድሒሩ ናብ ምሉእ ኲናት ዝዓረገ፡ ንዕቀት፡ ቅንኢ፡ ቂምታን ልሙስ ስምዒትን ዝተቈጻጸሮ ኣራእስ፡ ሎሚ መኣዝን ቀዪሩ ክድገም ምርኣየይ የሕዝነኒ። ንምንታይ ዕላማ ኣይፈልጥን። “ኤርትራ ወራሪት፡ ኤርትራ ተዅታዂት፡ ኤርትራ ጻሕታሪት ኲናት”. … ወዘተን ወዘተረፈን ጠቐነታት፡ ምልስ ኢለ ክርእዮም እንከለኹ፡ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ካብ ምባል ኣይተርፍን። ስነ ኣእምሮእዊ ኲናት ክበዝሕ እንከሎ ተንኰል ኣሎ። ፕሮፓጋንዳ ክጽዕቕ እንከሎ ምትላል ኣሎ። መሸፈኒ ክትሓብኦም ዝደለኻ ኣጀንዳታትን ክትሃርሞም ዝደለኻ ዕላማታትን ምዃኑ’ዩ። እቲ ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናትን ፕሮፓጋንዳን ኣጽዒቑ ዝሰርሕ ወገን፡ ዝበዝሕ ግዜ ዘይቅኑዕነት ኣለዎ ክበሃል ይከኣል። ሓቂ ንምዝራብ፡ ንዝመስሎ ብቐሊሉ’ዩ ዝጨውዮ። ኣንጻር ረብሓ ሃገሩን ህዝቡን ደው ዝብል ሰብ ክርእይ እንከለኹ ድማ ኣይብርሃንን።

“ኤርትራ ኣንጻር የመን ኣብ ደሴታት ሓኒሽ ኲናት ከፊታ፡ ኤርትራ ኣንጻር ሱዳን ተዋጊኣ፡ ኤርትራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኲናት ከፊታ፡ ኤርትራ ኣንጻር ጅቡቲ ኲናት ወሊዓ፡” ኣብ ባይታ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ሕጂ ድማ፣ “ኤርትራ ኣንጻር ሱዳን. ….” ተደጋገምቲን ኣሰልቸውትን ኣዘራርባታትን ወኻዕካዕን፡ ሎሚ ሚዛናዊ ተንታኒ እደልየሎም። ናብ ቅድሚ 20 ዓመት ምልስ ኢለ እሓስብ። ሰብ፡ መሲሉን ተመሳሲሉን ስለ ዝሓድር፡ ረሳዒ ባህሪ’ውን ስለ ዘለዎ፡ ክውንነታት ክሃስሱ ምርኣይ ተለሚዱ ኣሎ። እናሃሰሱ ክኸዱ እንከለዉ ድማ ይዛብዑ። ሕሉፍ ክዝክር ዘይደልይን ካብ ሕሉፍ ዝሃድምን እናበዘሐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣነ ግን ናብ ሕሉፍ እምለስ። ሕልኽላኻት ኣብ ኣመዓባብላኦም እደልዮም። ምስቲ ንጹህ ህዝብን ምዑት መንእሰይን ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስቶም ግኡዛት ነገራት ከይተረፈ አዋግዕ። ኣብ እዋን ኲናት ኢትዮ ኤርትራ፡ እቶም ካብ ሩባ ባርካ ዝተሰለፉ ዓርኮብኮባይ፣ ካብ ከበሳታት ኤርትራ ዝተሰለፉ ኣዕጻው ቀላሚጦስን ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝኸተተ ስሚንቶን፡ “ደረት ኤርትራ ሰጊሮም” ዝበለ መን ምዃኑ ክፈልጥ እደልይ። ወተሃደራዊ ስነ ፍልጠት ንዝፈልጥ፣ ሓደ ወራሪ ሓይሊ፣ ከምዚ ዝበለ ቀዋሚ መስመር ትሕቲ መሬታዊ መከላኸሊ ክሃንጽ የድልዮ ዶ ነይሩ? ኢለ ንዘልዕሎ ሕቶ መልሲ ኣይረኽበሉን። ወረርቲ ደኣ ርኢናዮም እንዲና! ካብ ኲናት ድኽነት ንዘይተገላገለ ምስኪን ህዝቢ ኣብ ሓዊ ከም ዕንጸይቲ ክድቕድቑዎ። ሱቕ ጥዑም እናተባህለ ክሳብ መኣስ ‘ዮም ፍጻመታት ብሓሶት ክድበዩ ኣይፈልጥን።

ብርግጽ ሱቕ ጥዑም’ዩ። ምዝራብ ካብ ሱቕ ዝምቅረሉ እዋናት ግን ኣሎ። ህዝብን ሃገርን፡ ተረካቢ ይዓድዮ ደኣ ኰይኑዎም’ምበር፡ ተዋሳእቲ ግርጭታትስ ውልቀ ሰባትን ሰብ ፍሉይ ረብሓን እዮም። ንዂናት ዝህንድሱን ዘሳውሩን፡ ብድሕረ ግንባር እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣይርከቡን። ኲናት ከም መቈጻጸሪ ወሊድን ብዝሒ ህዝብን ዝጥቀምሉ እውን’ኮ ኣይተሳእኑን። “ተወረርካ፡ ተዘመትካ፡ ተገዛእካ፡ ተጨቈንካ፡ ተበለጽካ፡ ጾምካ ሓደርካ….” እናበሉ ዘነሃህሩዎን ዘራጽሙዎን፡ ውሑዳትን ትዕቢተኛታትን ምዃኖም’ዩ። ኣህዛብን ሃገራትን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መጋበርያን መነሃርያን ኲናትን ወረ ኲናትን፡ ጥሜትን ድኽነትን፡ ድሕረትን ስደትን ጥራይ ድዮም ክዀኑ ዘለዎም፧ ካልእ ዛንታ ክፈጥሩ፡ ካልእ ታሪኽ ከመዝግቡ ኣይክእሉን፧ ዝብሉን ካልእን ሕቶታት፡ ኣብ ርእሰይ ወትሩ ምስ ኣዕገርገሩ’ዮም። ገዚፍ ዕዮ ገዛ ንመጻኢ ወለዶታት ምዃኑ ድማ ኣይማታኣሉን።

መገሻ ሓሳበይ ወደብ ኣይረኸብኩሉን። ኣብቲ ባሕሪ ምጅላብ ድማ ኣይገደፍኩን። ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ደሴታት ሓኒሽ ዝተኸተለቶ መስርሕ ትግባረ ብዪን፡ ንምንታይ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ባድመ ከም ዘይተኸተለቶ ኣብ ኣእምሮይ ዝቓጭል ሕቶ’ዩ። ኣብ በይነይ ኣይመስለንን። እዚ ሕቶ፡ ሕቶ ብዙሓት’ዩ። “ልቐቕ ዘይርስትኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ!” ዝብል ድምጺ፡ ተዓፊኑ ከም ዘይዕፈንን ግዜ ከም ዝገላልሆን እምነት ኣለኒ። ሓደ መዓልቲ፡ እዚ ድምጺ እዚ ኣብ ብራኸ ምውጽኡ ኣይተርፎን። ሰነዳት ሕብሪ ይቕይሩ፡ ካብ ጻዕዳ ናብ ሓውሲ ሃሳስ ብጫ ይልወጡ’ምበር፡ ሞይቶም ኣይሞቱን’ዮም። ዓቃቢ ግን ይደልዩ። ድሕነትን ሓለዋን የድልዮም። ብሓይሊ ኣፈሙዝ ዘይኰነ ድማ ብሓይሊ ብርዒ’ዩ ቀጻልነቶም ዝረጋገጽ። ንዓይ፡ ካብተን ቃታ ዝስሕባ ኣጻብዕ፡ ብርዒ ዘሳዕስዓ እየን ወትሩ ዘቕንኣኒ። ካብ ሽሕ ሰራዊት ሓደ ጸሓፊ፡ ካብ ሽሕ ከላሽን ድማ ሓንቲ ብርዒ ንህዝበይ እመርጸሉ። ኣብ ክንዲ ከላሽንን ጥይትን፡ ብርዕን ወረቐትን ዝዕድል መራሒ እሓርየሉ።

ከይተረደኣኒ ካፕቹኖይ ኣልዒለ መዓጕኩ። ክበቆ ዝጸናሕኩ ጽባቐ ተዘራረገ። ኣብ ፍሪጅ ከም ዝተቐመጠ ማይ፡ በረድ ተቐዪራ ጸኒሓትኒ። ውዑይ ዝሓሰብኩዎ ጠለበይ ዝሑል ኰይኑ። ነዊሕ መገዲ ሓሳብ ከም እተጓዓዝኩ፡ ብምዝሓላ ፈሊጠ። ንደመይ ዘዝሓለ ጉዳይ ከ ንካፕቹኖይ እንታይ ክገድፈላ፧ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ከናፍረይ ብምልጋብ ብዘየዳግም ጨለጥኩዋ። መቐረታ መልእኽቲ ነይሩዎ፣ መልእኽቲ ዝፈልጦ ጣዕሚ – ካፑችኖ ኣስመራ! መልእኽቲ ምብርባር ናፍቖት። ንኽደግም ኣይተማታእኩን። እንደገና ኣዚዘ። ብቅርጺ ልቢ ዝማዕረገት ካፑችኖ ከይደንጐየት መጺኣትኒ። ካልአይቲ መጽሓፍ ናይዚ ዕለት ምዃና’ዩ። ዝያዳ ተመሰጥኩ።

ብግምት፡ ኤርትራዊ ወይ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝበልኩዎ ሰብ (ብኣጸዋውዓ ኣብ ስደት እነብር፡ሓበሻ ምዃኑ’ዩ)፡ ሰላም ክብለኒ እናተጸበኹዎ፡ ጠሚቱኒ ሓለፈ። ካባይ ርሕቕ ኢሉ፡ ሰድያ ኣመቻቺኡ ኣብ ፊተይ ምስ ተቐመጠ፡ ኣብ ክሳዱ ዝተንጠልጠለት ካብ ዕንጸይቲ እተሰርሐት ቅርጺ መስቀል ንግምተይ ናብ ምሉእነት ኣሰጋጊራቶ። ንጣሳ ካፑችኖይ ድሕሪ ምርኣይ፡ መልእኽቲ ልቢ ተቐቢለ፡ ይጥምተኒ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ጠመትኩዎ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ተጋጠምና። ኢደይ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢለ፡ ንሰላምታ ኣወዛወዝኩዎ። እናረኣየኒ ኣይተገደሰለይን። ግብረ መልሲ ዘይምርካበይ፡ ሕፍረት ወይ ፍሽለት ኣይተሰመዓንን። ክገብሮ ዝነበረኒ ከም ዝገበርኩ ኣይሰሓትኩዎን። ‘ሰላም ናይ እዚሀር እዩ’ ይብሉ ለባማት ዓድና። ሰላም ኢልካዮ ዘይምልስን ተዓዚሙ ብሕማቕ ዓይኒ ዝጥምተካን እናበዘሐ ይመጽእ ምህላዉ ግን ከየተሓሳሰበኒ ኣይተረፈን። ሰላምታ እውን ዕድመኡ ኣኽቲሙ። ‘ሰላም’ ዝብል፡ ከም ፋራ ዝቝጸረሉ እዋን ተበጺሑ። ‘ሰላም’ ስለ ዝበልካዮም ከይተዋርዶም ወይ ሚዛኖም ከይተትሕቶ ዝስከፉ እናበዝሑ ምኻዶም እናኽትርእይ ትግረም። ባይታ ዓዲ ሃገር ረጊጹ ዝዀርዓለይ ጸላእኩ። ሰላም ኢልካዮ ሰላምታ ዝኸልእ፡ ሰላም ዘለዎ ኰይኑ ኣይስመዓንን። ሕመቕ ውሉዱ ከም ዘይፈቱ ወላዲ፣ ሕመቑ ኣየርእየኒ ካብ ምባል ሓሊፈ ግን ዝብሎ የብለይን። ሰላሙ’የ ዝደልይ፡ ካልእ ዝደልዮ የብለይን። ኣብ ኢዱ ንዘሎ ክደልይ ዚነብር ጐፍ እናኽብለኒ፣ ኣብ ኢድካ ኣሎ ምባል ድማ ሓጢኣት ዘለዎ ኣይመስለንን’ዩ።

ኣብ ውሽጡ ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ካብ ምሕሳብ ኣየቋረጽኩን። ከማይ፡ ጠንቂ ስደቱን ዘይምርግጋእ ዞባኡን የሕስቦ ይኸውን። መን ይፈልጥ፡ ነገር ደጋፋይ ተቓዋማይ እውን ኣብ ርእሱ የሽካዕልል ይህሉ። ኣብቲ ደጋፋይ ተቓዋማይ ዝብል ቍራዕ ስምዒት የሽከርክር ምስ ዝህሉ’ኳ ብኣጋ እንተ ዝወጸሉ ምሓሾ። ደጊም ኣብ ኤርትራ ክጅመር ዘለዎ ሰውራ፣ ሰውራ መጻሕፍቲ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዘለዎ እየ ዝብል። ምስ ነብስካ ዘተዓርቑ፡ ካብ ቤላበለው ዘህድሙ፣ ፍልጠት ዘቕስሙ፣ ሓሳባት ዘመንጭዉ፣ ዝድርኹ፣ ዘነቓቕሑ መጻሕፍቲ፡ ብደቂ ዓዲ ይጸሓፉ ብደቂ ባዕዲ፡ ንመዳፍዕን ቦምባታትን ተኪኦም፣ ነቲ ሕብረተ ሰብ ክድብድቡዎ’ዩ ዘለዎም። ብመጽሓፍቲ ዝፍጋእ ርእሲ፡ ወላ ፈጋዕጋዕ ይበል! ብሓኪም ተጐዲኡ እውን ናብ ሓኪም ክኸይድ የብሉን።

ምስ መጻሕፍቲ ዘዕልል ጥዕና ኣለዎ። ምስ ገዛእ ርእሱ ዘዋግዕ ሕብረተ ሰብ፡ ንኽረዳዳእ፡ ንኽወሓሓጥ፡ ንኽወሃሃድ ጸገም የብሉን። ምስሉን መንነቱን ንኸድምቕ ሓይሊ ኣለዎ። ሕብረተ ሰብ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኻውሕ ዝስእሉን ወቒሮም ዝጽሕፉን ከም ዝወለዱዎ ከመስክር ክኽእል’ዩ ዘለዎ። ቆርበት ኣልፊዐን፡ ቀለም ኣጂለን ብራና ዘዳለዋ ኣእዳው፡ ወላድ መኻን ክዀና የብለንን እየ ዝብል። እቲ ሰውራ ምጽሓፍን ምንባብን ብዕጽፊ ክጅመር እዋኑ ይመስል።

*********************

ብርሃነ ገብረህይወት
ጥሪ 2018

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s