ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ዘፍርሕ ከውሒ! ገ/ት: ኣራራት እዮብ፡ ተንታኒ ተስፊት ኣብረሃም

(ሓንቲ ካብ ግጥሚታት ኣራራት ኢዮብ “ዘፍርሕ ከውሒ” ኣብ 2016 ጥሪ 26፥ “ዕምቆት ግጥምታት ትግርኛ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ፔጅ “ድምጺ ብርዒ” ብምቕራብ ኣስተማቂረያ ኔረ። ንሎሚ ንዝኽራ ደጊምና ከነስተማቕራ! ሰናይ ንባብ!)

ዕምቆት ግጥሚታት ትግርኛ

ኣርእስቲ ግጥሚ: ዘፍርሕ ከውሒ
ገጣሚት: ኣራራት እዮብ
ተንታኒ: ተስፊት ኣብርሃም

ብስእለ ኣእምሮ ዝተኸናወነት ግጥሚ: ኣብቲ ኣገባብ ናይ ስነ ጽሑፍ ስርዓተ ነጥቢ ዋላ’ኳ ጉድለት እንተ ተመልከትኩላ: ጽቡቕ ናይ ምውህሃድ ቴክኒክን ጽቡቕ ናይ ኣሰራርዓን ቅጡብነት ቃላትን ግን: ድሓን ዝኮነ ኣገባብ ኣለዋ ክብል ይደፍር።
ኣብ ኣርእስቲ ግጥሚ ምስ እንምልከት ፡ “ዘፍርሕ ከውሒ”: ‘እንታይ ማለት እዩ?’ ክንብል ግድን እዩ። ዘፍርሕ ከውሒ ዝብል ስውያ ኣብ ባህሊ እቲ ቋንቋ እንክትርጎም: ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ባህልን ልምድን ገጣሚት ምስትብሃል ወይ እውን ኣትኲሮ ምግባር: ንምስትምቃርና ሓጋዚ እዩ።


ዓቢ ከውሒ: ዓቢ ገረብ: ዓቢ እምባ… ወዘተ ዝብሉ ስውያታት ኣብ ባህሊ ቋንቋ ትግርኛ: ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ባህልን ልምድን ሕብረተ ሰብ ኤርትራ እንክድመጽ፡ ነቶም ‘ዓበይቲን ክቡራን’ ዝበሃሉ በቲ ሕብረተሰባዊ ባህልን ልምድን ዓዲ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ኣስማት ከም ሕሉፍ ዝፋናዊ ክብሪ ኣጋንኖ እናተዘውተረ ዝጽዋዕ/ዝውከል እዩ። ስለዚ ነቲ ከውሒ ከም ደጋፊ ወይ ከም ክኣሊ: ከም ጠዋሪ እንተተወኪሉ: ድሕሪኡ ባህርይ ንዝፈጠሮ መስርሕ’ዩ እቲ ዘፍርሕ። ኣብ ንቕሎ ንዓዲ እዝጊሄሩ ነቲ ናቱ ጽልዋን ዕማምን ብስፍሓት ብምርኣይ: እዚ ኣባህላ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝፈጥሮ ፍርሒ ኣጒሊሑ የሪአና።
ከውሒ ተሰቢሩ ነቂዕ
በሊሑ ካራ መሲሉ
ይጽበ ንመደራጋሕ
ንፋስ ህቦብላ
ክደፍኦ ከውድቖ
ክድርበ ክሃሲ
ክቐትል ከድቢ
ከፈራርሕ
ክምብል የብሎ።
ኣብዛ ስታንዛ: እቲ ምውህሃድ ጽቡቕ ክንሱ ኣብ ኣሰኳኹዓን ኣሰራርዓን/ኣራብባን ቃላት: ቁሩብ ቂር! ይብለኒ: “ከውሒ ተሰቢሩ ነቂዑ:” ዘይኮነ: ‘ከውሒ ነቂዑ ተሰቢሩ’ እንተዝኸውን ነቲ መስርሕ ክሊማዊ ተፈጥሮ ዝጸለዎ: ንዝተፈጥረ ሳዕቤን ኣሚቱ’ኳ እንተሃለወ ዝያዳ ግን: ኣጒሊሑ መርኣየ።
እቲ ናዕታ እውን ለውጢ ስለ ዘየምጽእ ወይ ድማ ናዕታኡ ስለ ዘየጥፍእ ብኸምዚ ዝተጠቕሰ እንተትስፈ ነይራ ዝያዳ ሓይሊ መሃበት። ምኽንያቱ ኣብቲ ግምታዊ ስእለ ኣእምሮ ሂበያ ዘለኩ: ከውሒ ከይነቕዐ ስለ ዘይስበር፡ ኣብቲ ውሽጣዊ መንጽር ናይዛ ግጥሚ: ሰብ እውን እንተኮነ ተፈጥሮ ብዝደረኮን ብዝጸለዎን ብእርጋን ወጅህኡ ምስ ዓጠረ: ምንባር ህላወ ምስ ደንደነቶ: መልኣከ ሞት ምስ ተማሕዘወቶ ኣብ ዘሎ ህሞት እዩ: ‘እዝግዮ ዓቢ ገረብ ተማሊኡና ከይከይድ:’ ኢሉ እቲ ሕ/ሰብ ዝጽሊ።
ኣብ ካልኣይ ነግሒ ዘሎ ዉሓዚ ሓሳብ ምስ እንምልከት ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተርኣየ ነግሒ: መስርዑ ሒዙ ንኽኸይድ እናሓገዘ:ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሓረግ ክፉት ብምግዳፍ፡ ንቡር ሕብረ ኣገጣጥምኡ ከየጥፍአ ናብ ሳልሳይ ነግሒ የሰጋግረካ።
ብፍሩዩ: ኣብዞም ተኸታተልቲ ነግሕታት ዘሎ ተርእዮ ናይ ተፈጥሮ ነገር ዝፈጠሮ ስንብራት ብምርኣይ ድሕሪ እቲ ተግባር ንዝሰዓበ ፍጹም ዕንወት: ጠንቁ እናርኣየት ነቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ንኣንባቢ እናንጠልጠለት ብርሃና ከይቀደደ ናብ ካልኣይ ማይ ቤት ተሕልፈካ።
ይኹን እምበር ኣብ ሻሙኑይ መስመር ዘሎ ነግሒ “ከፈራርሕ” ዝብል ቃል ነዚ ቀዳማይ ስታንዛ ዘሪጋቶ ከም ዘላ ክዝንጋዕ የብሉን። “…ክቐትል ከድቢ: …ክምብል የብሎ።” እንተትኸውን ምመረጽክዋ። ድሓር ነቲ ኪንዮ እዚ ዘሎ ስለ ኣእምሮ ውክልና ንኽትርጎም እምበ ኣይመጸገመን።

ደራጋሕ ይፍታሕ
ሓመድ ምስ ረግአ
ዓመታት ይጽበ
እንደገና
ንህቦብላ ንፋስ
ክሳብ ዝመጾ
ምድባስ።
እዛ ካልኣይትን ናይ መወድኣታን ማይ ቤት እውን ነቲ መባእታዊ ጸገማታ ኣወንዚፈ ክሪኣ እንከለኹ: እቲ መስርሕ ተፈጥሮ ቀጻሊ ኮይኑ: ምውስሳብን ምውህሃድን ሓመድ ከውሕን ብምርኣይ፡ ደባስን ተደባስን ብምንጻር እቲ ውክልና ናብ ሰባዊ ተፈጥሮ ክትርጎም እንከሎ ድማ፡ እቲ ቴክኒካዊ መዳይ ናይዛ ግጥሚ ኣብዚ ይርአ። ዑደት መስርሕ ባህርን ተፈጥሮን ብስሩዕ እና ኸደ የርኢ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ እቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ከም ዘየለ እናዘኻኸረት: መስርሕ ቅባጸቱ ድማ: ደበስ ጥራይ ምኳኑ ተነጽር።
እዛ ብክልተ ስታንዛ ዝቖመት ግጥሚ ኳሕኳሒ ኮይና – ተምሳሌኣዊ: ውስጠዘኣዊ ቊንቊኛ ከም ዘለዋ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ምስትምቓረይ ንምጥቕላል: ኣብ መጽሓፍ “ዓቡዱ ዶ ትብልዎ?” ምሉእ ጠባይ መዝገበ ብዝበሎ ምስትምቃረይ ከጠቃልል:”ንሰብ ከም ዝመስሎስ: ሓደ ሰኣላይ ወይ ብእምኒ ግርም ስእሊ ወይ ቅርጺ ገይሩ ክብል ድሕሪ ደልዩ ናይ መልክዐኛታት ሰባት ናይ ዕንባባታትን ጽባቓት እንስሳታትን እንተውጽአ እዩ። እዚ ግና ብሓቂ ዓቢ ጌጋ እዩ ሓንቲ ቆንጆ ሰበይቲ ብእምብዛ ዝተቐዳደደ: ምሉእ ዝነበረ ኣካላታ ብቕጥኒ ዝተበላሸወ: ኣብ ሕቊፍኣ ብጥምየት ዝሞተ ወዳ ሓቊፉ እናበኸየት እንከላ ብስእሊ ወይ ብጽርበት እምኒ ድሕሪ ኣውጺእኻ ብኡነት። ናይ ህይወት ፈላጥ ክትበሃል ትኽእል። ጽባቔ ዝተኸፍተ ዕንባባታት ለምለም ሳዕሪ ጥዑያት ህንጻታት ጥራይ ኣይኮነን። ታሕጓስ ክምስ ምባል ኣይኮነን: ክንደይ ነገራት ንጋገ ኢና። ንብዓት ሓዘን: ጽባቔ ዝኾነሉ ግዜ ኣለዎ። ቀጺለ ምተዛረብኩ ግና ዕብዳን ከይመስለኪ።” ኢሉዋ ንቕድስቲ ሓብቱ። ኣነ እውን ይኣኽለኒ። ምስቲ ድሓረዋይ ባህጊ መዝገበ ነዛ ግጥሚ ኣንቢረ ወዲአ ኣለኹ።

ዘፍርሕ ከውሒ

ከውሒ ተሰቢሩ ነቒዑ
በሊሑ ካራ መሲሉ
ይጽበ ንመደራጋሕ
ንፋስ ህቦብላ
ክደፍኦ ከውድቖ
ክድርበ ክሃሲ
ክቐትል ከድቢ
ከፈራርሕ
ክምብል የብሎ።

መደራጋሕ ይፍታሕ
ሓመድ ምስ ረግአ
ዓመታት ይጽበ
እንደገና
ንህቦብላ ንፋስ
ክሳብ ዝመጾ
ምድባስ።


Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s