ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

‘እቲ ኻልእ ኲናት’ – ኣድማሳዊ ሓቅነት ዘለዋ ኤርትራዊት ድራማ! ብኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ቀ/ይ ክፋል

‘እቲ ኻልእ ኲናት’ - ኣድማሳዊ ሓቅነት ዘለዋ ኤርትራዊት ድራማ! 
            ደራሲ ኣለም ሰገድ ተስፋይ 
                      ብ'ዮሴፍ ሃይለማርያም

1ይ ክፋል

ናይ ሎሚ ዕዱም ዓምዲ ‘ቃለ-መሕትት’፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ እዩ። ብ1944 ኣብ ዞባ ደቡብ – ከተማ ዓዲ-ዃላ ዝተወልደ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ብ1969 ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ1972 ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሞያ ሕጊ ናይ ባችለርን ማስተርስን ማዕርግ ዝለበሰ’ዩ። ብ1974 ናይ ዶክቶረይት ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ከኣ፡ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ – ማለት ኣብ ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ምንቕቓሕን ዜናን ኣገልጊሉ። ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት ዕስራ ዓመት ናይ ናጽነት ከኣ፡ ነቲ ካብ 1941 ክሳብ 1962 ዝዝርጋሕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ጥሙርን ተኸታታሊን መጽናዕቲ ኣብ ምድላው ኣሕሊፉዎ። ‘ኣይንፈላለ’ (1941-1961)፡ ‘ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ማትየንሶ ክሳብ ተድላ’ (1951-1955)፡ ‘ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን’ (1956-1962)፡ ዝብላ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጻ ዓበይቲ ተኸታተልቲ ቅጽታት ከኣ ካብ ፍርያቱ እየን። ብዘይካ’ዚ፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ልብ-ወለዳዊ ዛንታታት፡ ተዋስኦታት፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ቴማታትን ብቛንቋታት ትግርኛን እንግሊዝን ዘበርከተ ገዲም ናይ ታሪኽ ተመራማሪ፡ ደራሲን ተርጓምን’ዩ።

ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ፡ ብዛዕባ’ታ ኣብ 1984 ኣብ ሜዳ ዝደረሳ – “እቲ ኻልእ ኲናት” እትብል፡ ገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራዝ ይጥቀምሉ ንዝነበሩ ስዉር ኲናት እተቃልዕን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ኤውሮጳ ተፈላጥነት ረኺባ ዘላን ተዋስኦኡ ብዝምልከት፡ ብስነ- ጥበባዊያን ደቂ ሪፖብሊክ ኣየርላንድ ብዝተገብረሉ ዕድመ ናብ’ታ ሃገር ገይሹ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ‘ማይልስ ሞርላንድ’ ዝተባህለ ንኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ብስነ- ጽሑፍ ኣወዳዲሩ ሽልማት ዝህብ እንግሊዛዊ ትካል ተሳቲፉ – ካብ 550 ተወዳደርቲ፡ ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ ብምዃን፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝደረሶም ናይ ታሪኽ ጽሑፋቱ እናተርጐመ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ንኸስፍር ዕድል ረኺቡን ናይ ገንዘብ ሽልማት ተዓዊቱን ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ 2ይ ክፋል ክቐርብ’ዩ። ንሎሚ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል – ብዛዕባ ምኽንያት መገሺኡን ተዋስኦ ‘እቲ ኻልእ ኲናት’ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ረኺባቶ ዘላ ተቐባልነትን ዝምልከት ክኸውን’ዩ – ሰናይ ንባብ፦

ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ብዛዕባ ናይ ደገ መገሻኻ ክንጅምር?

ንደገ ዝገሽኩሉ ምኽንያት፡ ኣብ ድራማ ዝነጥፉ ደቂ ሪፖብሊክ ኣየርላንድ ብዝገበሩለይ ዕድመ’ዩ ኔሩ። እቲ ዕድመ፡ ነታ “እቲ ኻልእ ኲናት” እትብል ኣብ ሜዳ ዝጸሓፍኩዋ ናይ መድረኽ ድራማ፡ ኣብ መድረኽ ድራማኦም ንኸንብብዋ ምድላዋት ስለዝነበረ’ዩ። ተዋስኦ “እቲ ኻልእ ኲናት”፡ ብመልክዕ ቪድዮ ይኹን ኣብ መድረኽ ድራማ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐት’ያ። በዓል ወዲ ሻውል፡ ግዜነሽ፡ ታንኪ፡ ወይኒ፡ ኣልማዝ ወዘተ ዝተዋስኡዋ ድማ’ያ። እዛ ናይ መድረኽ ድራማ እዚኣ፡ ኣብ’ታ “ክልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት”፡ (Two Weeks in the Trenches) እትብል ናብ እንግሊዝኛ ዝተተርጐመት መጽሓፈይ ዘላ እያ። ኣብ 1997 ድማ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ – ከተማ ሊድስ፡ ኣብ መድረኽ ድራማ ተራእያ ነይራ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተሓትመ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ፡ ምስ ካልኦት ተዋስኦታት ክትሰፍር ክኢላ።

እዞም ኣብ ድራማ ዝነጥፉ ሞያዊያን ደቂ ሪፖብሊክ ኣየርላንድ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ መጻሕፍቲ ምስ ረኸቡዋ ኣዝያ እያ መሲጣቶም። ትሕዝቶኣ’ውን ንዓኣቶም ዝምልከት ስለ ዝመሰሎም፡ ኣብ’ቲ ኣብታ ሃገር ዝዳሎ ፌስቲቫል፡ ናይ ልምምድ ምንባብ (Rehearse Reading) ፕሮግራም ከዳልውላ ወሲኖም። እዚ ከኣ፡ ምርኢት ዘይኰነስ፡ ነታ ተዋስኦ ኣብ መድረኽ ተለማሚዶም ብድሕሪኡ ከንብብዋ ማለት’ዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ’ዚ ፕሮግራም’ዚ ንኽሳተፍ’ሞ፡ ምስቶም ኣንበብቲን ኣብኡ ዝመጹ ተዓዘብቲን ንኽዘራረብ ዝዓለመ ዕድመ ሰዲዶሙለይ። እታ ተዋስኦ፡ ብፕሮፈሽናል ሞያዊያን ተዋሳእቲ’ያ፡ ከምታ ዘላታ ብምልእታ ተነቢባ። ብድሕሪ’ዚ፡ ምስቶም ኣብኡ መጺኦም ዝነበሩ ፕሮፌሰራት፡ ተመሃሮን ሓፈሻዊ ረኣይትን፡ ‘ስለምንታይ ከም ዝጸሓፍኩዋን እንታይ ከምዝገበርኩን ቃለ-መጠይቕን ዕላልን ገይረ። ናይ ብሓቂ ድማ ጽቡቕ ነይሩ። ታሪኽና፡ ከምዚ እናበለ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዝፍለጠሉ ዕድል ክፍጥር ከኣ ብሓቂ ኣሐጕሱኒ።

ድርሰትካ ምስ ኣንበቡዋ’ሞ፡ ከመይ ተወኪላ ረኺብካያ? እንታይከ ተሰሚዑካ?

እቶም ተዋሳእቲ፡ ፕሮፌሽናል ሞያዊያን ስለዝዀኑ፡ ብጽቡቕ’ዮም ወኪሎማ። ነቲ ጽሑፍ ርእዮም’ኳ እንተኣንበብዎ፡ ኣቐዲሞም ተለማሚዶምዎ ስለዝጸንሑ፡ ነቲ ንባብ ብጽፈት’ዮም ኣንቢቦምዎ። ናይ ብሓቂ ከኣ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝኣክል ጠልጠል ኣቢሎምና። ነቶም ኣብታ ተዋስኦ ዘለዉ ጠባያት’ውን ከምታ ዘለዉዋ – ለተየሱስ፡ ኣስቴር፡ ኣሰፋ ወዘተ እናበሉ’ዮም ኣንቢቦምዎ። ስለዚ፡ ሞያዊያን ስለዝነበሩ፡ ዘዕግብ’ዩ ነይሩ። ኲሉ ተሳታፋይ እውን ተሓጕሱ። ልዕሊ ኲሉ ግን ኣነ ተሓጕሰ። እቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝመጹ ካብ ሰብዓ ዘይውሕዱ ዕዱማት ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ ከኣ፡ እቲ መድረኽ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋጠሞ ስዉር ኲናት ናይ ገዛእቲ ንኽንጸባረቕን ንኽፍለጥን ዕድል ፈጢሩ።

ሕጂ ዕላማኦም እንታይ’ዩ?

ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ፡ ምወላ እንተደኣ ረኺቦም፡ ነታ ተዋስኦ ኣብ ሪፖብሊክ ኣየርላንድ፡ እንተስ ከምዘላቶ እንተስ ምስ ናይ ሃገሮም ብዝሰማማዕ መገዲ፡ ክርዕምዋ’ሞ፡ ብመልክዕ ድራማ ኣብ መድረኽ ከቕርብዋ ሓሳባት ኣለዎም። ንዘራረብን ንጸሓሓፍን እውን ኣለና። ትሕዝቶ ተዋስኦ “እቲ ኻልእ ኲናት”፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብገዛእቲ ዝፍጸም ዓመጽን ኣገዲድካ ቈልዓ ምውላድን ዝምልከት’ዩ። እዚ ከኣ ኣድማሳዊ ኣርእስቲ እዩ። ንሳቶም ተገዲሶሙሉ ዘለዉ’ውን በዚ ምኽንያት’ዩ። ከመይ ክትከይድ’ያ ብሕጂ ዝርአ ጕዳይ ክኸውን’ዩ።

ተዋስኦ “እቲ ኻልእ ኲናት”፡ ኣብ 1995 እየ ጀይን ፕላስቶ ዝተባህለት እንግሊዛዊት ፕሮፌሰር፡ ናብ ኤርትራ መጺኣ ናይ ትግርኛ ተዋስኦ ምስ ሓተተት፡ ናብ እንግሊዝ ተርጕመ ሂበያ። በዚ ከኣ፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ሪፖብሊክ ኣየርላንድ ዝገበርዎ፡ ኣብ 1996 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንመጀመርታ ግዜ ንባብ ተጌሩላ :: ሽዑ’ውን ኣነ ተዓዲመ ከይደ እየ። ምስ ተነበበት ከኣ፡ ኣብኡ ዝተሳተፉ ብዙሓት ህንዳዊያን፡ ጀማይካዊያን፡ ብራዚላዊያን ወዘተ፡ በቲ ዛንታ በኽዮም። ምስቲ፡ ገዛእቲ ሓይሊታት፡ ደቀንስትዮ ብሓይሊ ከምዝምርዓዋን ዓሚጽካ ከምዝወልዳን እናገበሩ፡ በቶም ቈልዑ ሕብረተሰቦም ንምብራዝ ዝተጠቐምሉ ሜላ ከምዝመሳሰል ብምምስካር ከኣ፡ ተዋስኦ “እቲ ኻልእ ኲናት” ኣድማሳዊ ክውንነት ከምዘለዋ ገሊጾም።ብምቕጻል፡ ኣብ 1997፡ ‘ዌስት ዮርክሼር ቲየትር’ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ዓቢዪ ናይ ትያትር ቦታ፡ ኣብ ናይ መድረኽ ድራማ ብግቡእ ተዋሲኦማ። ሽዑ’ውን ምስ ሓፍተይን በዓል ጠዓመ በየነን ካልኦት ኣዕሩኽተይን ተዓዲምና ተሳቲፍና ነይርና። እታ ተዋስኦ ድማ፡ ንኽልተ ቕነ ዝኸውን ኣብ’ቲ ቦታ ተራእያ። ካልእ፡ ኣብ ቢቢሲ፡ ‘ፕለይ ኦፍ ዘ ዊክ’ (BBC፡ Play of The Week) ተባሂላ፡ ክሳብ ሰለስተ እብረ ብመልክዕ ተዋስኦ ተሰሚዓ። ኣብ ካልእ ቦታታትን ዩኒቨርሲታትን ናይ ዓዲ እንግሊዝ’ውን ቀሪባ እያ። ሕጂ ከኣ፡ እዞም ኣየርላንዳዊያን፡ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት፡ ‘ከምዚኣ ዝኣመሰለት ተዋስኦኻ ረኺብና’ሞ፡ ኣብ ሓደ ፌስቲቫል ፕሮግራም ክንገብረላ’ ምስ በሉኒ፡ ንዓይ’ውን ገሪሙኒ እዩ። ነዛ ተዋስኦ ዝተገደሱላ ድማ፡ እንግሊዛዊያን ከምኡ ገይሮሙና እዮም ስለዝብሉ ይኸውን።

ተዋስኦ “እቲ ኻልእ ኲናት” ብኸመይ እያ ንህዝቢ ኤርትራ ትውክሎ?

ከምቲ ዝበልኩኻ፡ ተዋስኦ “እቲ ኻልእ ኲናት” ናይ ቀደም ተዋስኦ እያ። እዚ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዘሎ ወለዶ ዝፈልጣ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። ነዛ ተዋስኦ፡ ኣብ ሜዳ ኣብ 1984 ደሪሰያ፡ ኣብ 1985 ከኣ ኣብ ድራማ ተራእያ። ብድሕሪ’ዚ እውን ኣብ ቪድዮ ተቐሪጻ፡ ኤርትራዊያን ናብ ዝርከብዎ ከባቢታት ናይ ዓለም ተዘርጊሓ። እቲ ቪድዮ ደኣ ኣሪጉ’ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ሓሓሊፋ ኣብ እዋን በዓላት ኣብ ቲቪ- ኤረ ትርአ እያ። እዛ ተዋስኦ እዚኣ፡ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ መንጎ ሓደ ኤርትራዊት ዝተመርዓወ ካድር ናይ ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ኣደኣ ነታ ሰበይቱ እትኸውን ዘላን ዝፍጠር ሕቶ ‘መን ነዛ ሃገር ወነነ’ እዩ። እቲ ኢትዮጵያዊ ካብታ ኤርትራዊት
ስለዝወለደ፡ ‘ነዚ መሬት’ዚ ኣነ እየ ዝረግጾ’ ክብል ከሎ፡ እታ ዓባይ ኣደ ከኣ፡ ‘ብውላድና ዲና ንሕና ክንግዛእ’ ብዝብል፡ ነቲ ቈልዓ ኣሕዲጋቶ ንሜዳ ትኸይድ። ኣብ ሜዳ፡ ከም ኤርትራዊ ተዕብዮ። ስለ’ዚ፡ እዛ ተዋስኦ እዚኣ፡ ነቲ ገዛእቲ ሓይልታት ንህዝቢ ኤርትራ ንምብራዝ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ስዉር ኲናት ብሰፊሕ ተዘንቱዎ።ኣብ’ዚ፡ ሓንቲ ክትንጽር ዘለዋ ጕዳይ ኣላ። “እቲ ኻልእ ኲናት፡ ” ነቲ ገዛእቲ ኰነ ኢሎም፡ ኣቃውማ ግዙኣቶም ንኽቕይሩ ዝገብርዎ ዘርኢ ናይ ምብራዝ ዘመተ (ብእንግሊዝኛ Ethnic Cleansing ዝበሃል) እያ ተቃልዕ። ብዛዕባ ክልተ ፍቑራት ዝገብሩዎ ንጹህ መውስቦ ኣይኰነትን። ፍቕሪ ፍቕሪ እዩ። ኣብ’ዚ ዝረባ የለን። ዘርኢ ህዝቢ ንምብራዝ ዝካየድ ናይ ዓመጽ ተግባራት ግን ክውገድ ዘለዎ ኣድማሳዊ ነውሪ እዩ – መልእኽቲ “እቲ ኻልእ ኲናት” እውን እዚ እዩ።

ይቕጽል…

 

ምንጪ   Qadie Manche facebook page

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s