ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ዘተ ስነ-ጥበብ፡ ኣብ መጽሓፍ እኩብ ዛንታ ‘ተረፍ’ ብኣኸደር ኣሕመዲን

-- ዘተ ስነ-ጥበብ፡ ኣብ መጽሓፍ እኩብ ዛንታ ‘ተረፍ’ ብኣኸደር ኣሕመዲን --
                            ብ ግርማይ ኣብርሃም

ብ14 ታሕሳስ 2017 ኣብ ክልተ ሰሙናዊ ሓንሳብ ዝካየድ ዘተ ስነ-ጥበብ፡ ንደራሲ ኣኽደር ኣሕመዲን ዓዲሙ ኣምስዩ። ንመጽሓፍ እኩብ ሓጺር ዛንታታት ‘ተረፍ’ ብኣኽደር ኣሕመዲን ዝተደርሰት ሒዙ ቀሪቡ። ንመድረኽ ዘተ ዝወረደት፡ 11 ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓቘፈት መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ኣብ 2014 ዝተሓትመት እያ። ንሳተን ድማ፡ ሓድሽ ጸወታ፥ ቶም ኣብ ገዛና፥ ምብራቕ፥ ዝፈለሰ ፍቕሪ፥ ጻማኣ፥ ተረፍ፥ ፊጎ፥ ሓቂ ንሓቂ፥ እተን ጫማ፥ ዓራይ ሰዓትን ዕርቂን ዘርእስተን ዛንታታት እየን።

ብሌላ ምስ ኣኽደር ኣሕመዲን ከም ስነ-ጥበበኛ ዝፈለመ መደብ፡ ናብ ምስትምቓር መጽሓፍ ‘ተረፍ’ እዩ ሰጊሩ። ቅድሚኡ ግን ስነ-ጥበበኛ ኣኽደር ኣሕመዲን፡ ሓባራዊ ርድኢት እንታይነት ትርጒም ምስትምቓር ምእንቲ ክህሉ፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ትርጒም ምስትምቓር’ዩ ንተሳተፍቲ ኣካፊሉ። ምስትምቓር ውጽኢት ምግጣም ጽሑፍን ኣንባብን ምዃኑ ዝገለጸ ኣኽደር፡ ሊቃውንቲ ስነ-ጽሑፍ ባህለት ወይ ትርጒም ናይ ሓደ ጽሑፍ ኣብ ተመኲሮ ኣንበብቲ ከም ዝምርኰስ ከም ዝገልጹ የብርህ። “ህይወት ክህልዎ እንተደኣ ኰይኑ፡ ዳግም ክፍጠር እንደኣ ኰይኑ፡ ተመኲሮ፡ ትዕዝብቲን ፍልጠትን ናይ ኣንባቢ ኣገዳሲ እዩ ዝብሃል። ሓደ ጽሑፍ ጥዑይ ኣንባቢ እንተዘይረኺቡ ከም ዝሞተ ገይርካ’ዩ ዝውሰድ፡” ከኣ ኢሉ።

ምንባብ ክብሃል ከሎ መሃይምነት ምጥፋእ ዘይኰነ፡ ንስዋሱው ስነ-ጽሑፍ ክትርድኦ ምኽኣል ምዃኑ ዘብርሀ ኣኽደር ኣሕመዲን፡ ግድን ስነ-ጽሑፍ ከተስተማቕር ክትመሃር ኣለካ ማለት ዘይምዃኑ ይሕብር። ዕሙቚ ብዝበለ መገዲ ክትርድኦ ግን፡ ከም ኣብ ዝዀነ ዓውዲ፡ ዓሚቚ ፍልጠት ናይ ስነ-ጽሑፍ ክህልወካ ከም ዘሎዎ የገንዝብ። “ኣንባቢ ኣገዳሲ’ዩ፣ ጥዑይ ንባብ ከኣ ንምስትምቓር የገድስ’ዩ።”

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጽሑፍ ብኣንባቢ ዳግማይ ንኽፍጠር ወይ ንኽትንስእ ዘኽእሎ ባእታታት ክህልዎ ከም ዘሎዎ’ዩ ደራሲ ኣኽደር ዘዘኻኽር። ነዚኦም ባእታታት ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ዓንድታት ጸሚቚካ ምርኣዮም ከም ዝከኣል ድማ ኣብ መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ንዘለዉ ሓጸርቲ ዛንታታት ከም ኣብነት ብምስናይ ኣረዲኡ፣ ንሳቶም ከኣ ያታ (Tradition)፡ ውልቀ-ሰብ (Individual) ከምኡ’ውን ሕብረተ-ሰብን እዮም።

“ትራዲሽን ንብሎ ዘለና እቲ ኣቕዋማት ወይ መትከላት ናይ ሓደ ዓይነት ስነ-ጽሑፍ (genre) እዩ። ሓጺር ዛንታ ብኸመይ ይጸሓፍ? ኣገባባቱ ከመይ ዝኣመሰሉ እዮም? ምስ ትራዲሽን’ዩ ዝምደብ። ሓጺር ዛንታ ቊጡብ’ዩ ክንብል ከለና ንኣብነት፡ ኣብ ቃላቱ፡ ገጸ-ባህርያቱ፡ ፍጻመታቱን ግዜኡን ቊጡብ ወይ ምጡን’ዩ።”

ኣብ መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ተጠቒመሉ ዘሎ ቅዲ ኣዘናትዋ፡ ሓደ ዓይነት ከም ዘይኰነ ዝሕብር ኣኽደር ኣሕመዲን፡ ከም ካልኣይ ንሓደ ጽሑፍ ህይወት ዝህብ ባእታ ዝጠቐሶ እቲ ውልቀ-ሰብ (Individual) ምዃኑ ይገልጽ። ጸሓፋይ ኣብቲ ዛንታኡ ወይ ኣብቲ ጽሒፍዎ ዘሎ ኣሎ-ዶ የሎን ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ምዃኑ ድማ ይጠቕስ። “ጽሒፉን ኣይጽሒፉን ኣይኰነን እቲ ዘገድስ። ዝዀነ ሰብ ክጽሕፍ ይኽእል’ዩ። ኣብቲ ዛንታ ኣትዩ-ዶ? ትዕዝብቱ፡ ስምዒቱ፡ ኣመለኻኽታኡ ሒዙ ኣብቲ ጽሑፍ ኣትዩ-ዶ? እዚ ኣንባባይ ነቲ ጽሑፍ ዳግማይ ንኽፈጥሮ ዝሕግዝ ባእታ’ዩ።”

ጸሓፊ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ጽሑፉ እንተዘይኣትዩ ኣንባባይ ክኣቱ ከም ዘይክኣሎ፡ ብኣብነታት ኣሰንዩ ዝገለጸ ኣኽደር፡ ኣቕዋማት ናይ ሓጺር ዛንታ ተኸቲልካ ከም ጸሓፍይ ኣብቲ ዛንታ ክትኣቱ ክትክእል፡ ጥበብ ከም ዝሓተካ ይሕብር። ነዚ ንምትግባር፡ ኣብ ገሊኡ ዓቕሚ ዝሓጽረሉ እዋናት ክህሉ ከም ዝኽእል ከኣ ኣገንዚቡ። “እዚኣ መሰረታዊት ነገር’ያ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ። ንጽሕፈት ኣቐንዛዊ እትገብሮ ነጥቢ ኸኣ እዚኣ’ያ። ገሊኡ ጽሑፋት ዝፈዂሰካ እዚ ስለ ዝጐድሎ’ዩ።” ፍጹምነቱ ብዘየገድስ፡ ስራሓቱ ከሕትም ነዊሕ ግዜ ዝወስደሉ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ንሱ ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

ሳልሰይቲ ነጥቢ፡ ሕብረተ-ሰብ’ያ። ከም ኣበሃህላ ደራሲ ኣኽደር ኣሕመዲን፡ ሕብረተ-ሰብ ብገለ ሸነኹ ኣብቲ ዛንታ ክንጸባረቕ ኣለዎ። “እቲ ጸሓፋይን እቲ ሕብረተ-ሰብን ክህሉ ከሎ’ዩ ነቲ ጽሑፍ ህይወት ዝህቦ። ገሊኡ ዝሰማዕካዮ፡ ገሊኡ ናትካ፡ ገሊኡ ናይ ብጻይካ ይመስለካ። ገለ ፊልምታት ክትርኢ ከለኻ ዓቕልኻ ዝጸበካ፡ እቲ ሕብረተ-ሰብን እቲ ጸሓፍን ስለ እትስእኖም’ዩ። እቲ ጸሓፋይ ወይ እቲ ዳይረክተር ኣየዋስኣካን ማለት’ዩ።”

ብድሕር’ዚ መድረኽ ናብ ተዓዘብቲ’ዩ ተገዲፉ – ኣብ መጽሓፍ እኲብ ሓጺር ዛንታ ‘ተረፍ’ ዘለዎም ምስትምቓር ከካፍሉ።

ሳባ፦ እተን ዛንታታት ኩለን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ውሽጠይ’የን ፈለኽለኽ ዝብላ ዘለዋ። ዛንታ ‘ምብራቕ’ ኲሉ ነገራትና ክንፍትሽ እትድርኽ ዛንታ’ያ። ስም እዛ ሰብ፡ ቀላል እትመስለና ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃና ተርእየና። ነቲ ተማሂረ’የ ዝብል ወዲ ክሳዕ ክንደይ ክትመራመሮ ክኢላ ርኢና። ነቲ ምብራቕ – ምዕራብ፣ ነቲ ምዕራብ ከኣ ምብራቕ ከም ዘለዎ ርድኢት ከተሕድረልና ዝኸኣለት ጽብቕቲ ዛንታ’ያ። ‘እተን ጫማ’ ኸኣ እቲ ገዛ እንፈልጦ፡ እተን ጫማ ዝስቀላኦ ቦታ እፈልጦ። እቲ ሊስትሮ ዘዘራረብክዎ ኰይኑ እስምዓኒ። ንዋት ክሳብ ክንደይ ንውሽጦም ብሒቱ ዋጋ ከም ዘይብሎም ይገብሮም፡ ጽቡቕ ገይራ ትገልጸልና’ያ። እቲ ክትብሎ ዝጸናሕካ ክልሰ-ሓሳብ ኣይፈልጦን’የ። ከንብቦ ከለኹ ግን እቲ መቐረት፡ ነቲ ጽሑፍ ኣተንሲእካ ቀዲሙካ ከም ዝኸይድ ኣብ ምግባር፣ ኣንባባይ ነፍሱ ኣብቲ ጽሑፍ ከም ዝረኽባ ክትገብር ምኽኣልካ፣ ዝዓበናሉ ጐደና፡ ካንሸሎ፡ ንነብሮ ዘለና ህይወት፡ ምስ ተማሃርና እንታይ ይስምዓና፡ ዘይተማህሩ ሰባት ብዛዕባ ዝተማህሩ ከመይ ይስምዖም ኣርኢኻና ኢኻ። ስለ’ዚ ባህ ኢሉኒ ዘንበብኩዋ መጽሓፍ’ያ።

ግርማይ ኣብርሃም፦ መጽሓፍካ መሲጣትኒ’ያ። ሓደ ካብቲ ምኽንያት ኣድህቦ ስለ ትሓትት ኰይኑ እስምዓኒ። ተራ ዛንታ ወይ ፍጻመ ድሕሪ ፍጻመ ዝኸይድ ተራ ዛንታታት የብላን። ክሳብ ክንደይ ተረዲአያ ኣይፈልጥን ግን ከም ዝሓዘትኒ እፈልጥ። ሓደ ካብቲ ፍሉይነት ናይዛ መጽሓፍ፡ እቲ መንጽረ ዛንታ ኲሉ ብቐዳማይ ኣካል’ዩ ተዘንትዩ ዘሎ። ቀዳማይ ኣካል ኣዘንታው ናይ ተኣማንነት ሕቶ ኣለዎ። ኣኽደር ሓሲቡሉ-ዶ ይኸውን ነዚ ኢለ ሓሲበ። ዝሓሰብካሉ ኰይኑ ኸኣ ተሰሚዑኒ፡ ኣብ መብዛሕትአን ዛንታታት። ዕሽነት፡ ግርህነትን ድንቁርናን ናይቲ ኣዘንታዊ ክግለጽ ኢና ንርኢ። ‘ቶም ኣብ ገዛና’ ቀላል ዛንታ ኢልካያ’ምበር፡ ንዓይ ቀላል ዛንታ ኣይኰነትን። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣዘንታዊ ነቲ ድሙ ከም ገርህን ዓሻን’ዩ ዝቘጽሮ። እቲ ዛንታ ክውዳእ ከሎ ግን፡ እቲ ኣዘንታዊ’ዩ ንገዛእ ርእሱ ዓሻ ኰይኑ ዝረኽባ። ‘ምብራቕ’ እንተ ርኢኻያ፡ ካብ ኣርእስታ ጀሚርካ ኣሽሙር (Irony) እዩ። ኣዘንታዊ ምስ ምብራቕ የዕልል። ከዕልል ከሎ ግን ዓሪቡ ከም ዘሎ’ያ ትነግሮ። ብድንቁርናኡ ዓሪቡ ከም ዘሎ ትነግሮ። ‘ሓድሽ ጸወታ’ እንተርኢኻያ ኸኣ ንብዙሓት ኣሕሲባትና ኢለ እሓስብ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ግርህነት ብዙሓት ዘይንብለሉ’ዩ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ነቲ ኣንባባይ ኣብቲ ዛንታ ከተእትዎ እንተኽኢልካ ዕውት ኢኻ። ንሕና ኸኣ ተመኲሮና ኣብኡ ርኢናዮ ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ልዕሊ ኲሉ ኸኣ መስትያት ናይ እዋንካ’ዩ።

ግን እንታይ ኣሰኪፉኒ፡ ምስቲ ቀዳማይ ኣካል ምዃኑ፡ እቲ ኣዘንታዊ ኣብ ገሊኡ ፍርድታት ክህብ ትርእዮ። ጽሑፍ ‘ንለባም ኣምተሉ …’ እንተዀነ-ዶ ኣይምሓሸን? ኣንባባይ ካብቲ ትሕዝቶ ባዕሉ መልእኽቲ እንተወሰደ-ዶ ኣይምሓሸን ዝብል ሕቶ ኣሎኒ። እቲ ኣዘንታዊ ዝህቦ ፍርዲ ክሳብ ክንደይ ተኣማኒ ወይ ቅቡል’ዩ?

ፍጹም (ወዲ ዓዴ)፦ ሓንቲ ነገር ኣዘኪርካኒ። ኣብ ሓደ መጽሔት፡ ኢጣልያዊ ጸሓፍን ሃያስን ኡምቤርቶ ኡኩ፡ “ስነ-ጽሑፍ ሃካይ ማሽን’ዩ። እቲ ሕብረተ-ሰብ’ዩ ዘበራብሮ፡” ኢሉ ነይሩ። ካብተን ጠቒስካየን ዘለኻ ሰለስተ ባእታታት ኣብተን ክልተ እሰማማዕ’የ። ኣብታ ሳልሰይቲ ግን ንጽባቐ’ምበር ንሕብረተ-ሰብ ኣይኰንካን ትጽሕፍ። እቲ ሕብረተ-ሰብ ብኣፍንጫኡ’ምበር ከንብቦ ኣሎዎ። ንስነ-ጥበብ ኢልካ ኢኻ ትጽሕፍ።

ናብ ዛንታ ‘ተረፍ’ ክመጽእ። እዛ ዛንታ ካብቲ ዘሐጒሰኒ ነገር፡ ነቶም ሰለስተ ዝበልካዮም ባእታታት ኣጠቓሊላ ኣላ። ኲናት ምስ ተኻየደ ዝስዕብ ሳዕቤናት ወይ በሰላታት ኣሎዉ። እተን ኣብቲ ዛንታ ዘለዋ ሰበይቲ ዝብልኣ ኣላ ኣዝያ ደስ እትብለኒ። እቲ ኣዘንታዊ ኣብቲ ኲናት ኣሎ። እቲ መንእሰይ ኣብኡ ኣሎ። እቲ ሕብረተ-ሰብ ድማ ኣብቲ ኲናት ኣሎ። ኣነ ከንብቦ ከለኹ ኣብቲ ኲናት ኣይነበርኩን። ሻድሻይ ህዋስ’የ ነይረ። ኣብቲ ገለ እዋን ምስቶም ሰራዊት እጒዓዝ፣ ኣብ ገለ እዋን ፍቕሪ ይካፈል፣ ኣብ ገለ እዋን ይበኪ፣ ኣብ ገለ እዋን ጠጠው እብል፣ ኣብ ገለ እዋን ከኣ እኸይድ። ከይፈተኹ ተጸንቢረ። ምኽንያቱ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ጸገም ናተይ ጸገም’ዩ። ይሃሉ ኣይሃሉ ማለት’ዩ። በዚ መገዲ እዛ ዛንታ ነተን ዝጠቐስካየን ሰለስተ ባእታታት ዘጠቓለለት’ያ እብል።
ኣብታ ‘ሓድሽ ጸወታ’ ሓንቲ ሕቶ ኣላትኒ። ከምዚ ናይ ብዓል ኤሚሊ ዞላ ‘ናቹራሊዝም’፡ ማለት ክዝረበሉ የብሉን ንዝብሃል ነገር ክትሰብሮ ዝደለኻ ኴንካ ተሰሚዕኻኒ። ክትሰብሮ መደብ ኣለካ ድዩ?

መልሲ ኣኽደር ኣሕመዲን፦ ቀዳማይ ኣካል ኣዘንታዊ፡ ጸሓፋይ ዝያዳ ስምዒቱ ከውጽእ ዝሕግዞ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ ገሊኡ ባዕልኻ ትብሎ ዘለኻ ኰይኑ ስለ ዝስምዓካ፡ ካብቲ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ስምዒታት፡ ቊጥዓ፡ ነድሪ ሓራ ክትኸውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ ገሊኡ ምፍንጻግ’ዩ። ሓቂ ክስዕረካ ይደሊ። ስምዒት ስለ ዝሃበኒ ቀዳማይ ኣካል ኣዘንታዊ መሪጸዮ።

እታ ‘ንለባም ኣምተሉ …‘ ዝበልካያ ጥበብ ይሓትት’ዩ። ከመይ ገይርካ ትምጥኖ? ኣብ ገሊኡ ኣይተኻእለን ይኸውን’ዩ። ዘሸገረትኒ ዛንታ ‘ሓቂ ንሓቂ’ እያ። ኣብ ገሊኡስ ባዕልኻ ትቋየቚ ዘለኻ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ። ወላ’ኳ ዝርኣናዮ ብዙሕ እንተዀነ፡ ስምዒትካ ከተንብር ከለኻ ጥበብ ይሓተካ’ዩ። ጦብሎቚ ዝብል ነገራት እንተሃልዩ ግን ከም ድኻም ክንቈጽሮ ንኽእል ኢና። ነዛ ዛንታ እዚኣ ካብ ቅድሚ ሓያሎ እዋን ገሊኡ ብሃተፍተፍ ገሊኡ ብሕልሚ ፈቲነያ’የ። ገና ኸኣ ከም ዘላቶ ኣብ ድራማ ኣእትየ ክሰርሓ እፍትን ኣለኹ። ዝያዳ ቦታ እንተረኸብኩ’ሞ እቲ ክብሃል ዘሎዎ ክብሎ እንተኽኢለ ማለት’ዩ።

ኣብታ ናይ ወዲ-ዓዴ፡ ባዕልኻ መሊስካያ ኢኻ። “ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ” ዝበልካዮ ነናትና ኣረኣእያ ኣሎና። ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ ክንዛረበሉ። ከም በዓል ጎርኪ ዝኣመሰሉ ኣብ ሶሺያሊዝም ሪያሊዝም ዝኣምኑ፡ ስነ-ጽሑፍ ንሕብረተ-ሰብ ወይ ንሰውራ ከገልግል ኣሎዎ ክብሉኻ ይኽእሉ’ዮም። ካልእ ከኣ እቲ ስነ-ጽሑፍ ዝህበካ ደስታታት-ከ ብምባል ክማጐተካ ይኽእል’ዩ። ብርእይቶይ፡ እዚ ሕብረተ-ሰብና ካብ ስነ-ጽሑፍ ብዙሕ’ዩ ዝጽበ ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። ኣብ ህንጸት ኢና ዘሎና። ሃገራዊ ጥራይ ዘይኰነስ ወላ’ውን እቲ መንፈሳዊ ሸነኻትና ይህነጽ’ዩ ዘሎ። ኣብዚ ኸኣ ስነ-ጽሑፍ ዓቢ ተራ ክጻወት እጽበ። ክኸውን ከኣ እደልዮ።

ኣብታ ናይ ‘ሓድሽ ጸወታ’ ዝሓተትካያ፡ እታ ዝበዝሐ ግብረ-መልሲ ዝረኸብኩላ ዛንታ’ያ። ገና ተማሃሮ ስነ-ጽሕፍ ከለና ቅድም ዝተጻሕፈት ዛንታ’ያ። ከምኡ ኣይተጸበኹዋን። ብዙሓት ብፍላይ’ኳ ደቀ’ንስትዮ ሓያል ርእይቶ ሂበናላ። ዘይተነግረ ማእለያ ዘይብሉ ሓድሽ ጸወታታት ከኣ ኣዕሊለናኒ። ክሳብ ክንዳኡ ስምዒት ትህብ እያ ኢለ ኣይገመትኩን። ብኸምኡ ክቕጽል ድየ ኣይቅጽልን ሕጂ ክሕሱ ኣይደልን፣ ኣይሓሰብኩሉን። ግን ብዙሕ ሰብ ዘይነገሮ ዛንታ ከም ዘሎ ስለ ዘፍለጠትኒ ኣሕሲባትኒ’ያ።

መለስ ንጉሰ፦ እዘን ዛንታታት ብቐዳማይ ኣካል ጥራይ ክዝንተዋ ምኽኣለን ከም ኣንባባይ ግር ይብለካ’ዩ። እንታይ ኰን ኰይኑ ትብል ኢኻ። ካብኡ ተበጊሰ ነታ መጽሓፍ ክርእያ ከለኹ፡ ኣኽደር’ውን ምናልባት ክዛረበላ ሓሲበዮ ነይረ፣ ሓሲብዎ ድዩ ኣይሓሶቦን ኣብቲ መጽሓፍ ሓደ ቅዲ ኣሎ። እቲ ኣዘንታዊ ሓደ ሰብ’ዩ። ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓሉ፡ ደረጃ ብደረጃ ዝተጻሕፋ’የን – እተን ዛንታታት። ብቐዳማይ ኣካል ከጽሕፎ ዝኽኣለ ነጥቢ እምበኣር እዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ።

ቀዳማይ ኣካል ኣዘንታዊ ክብድ ይብል’ዩ። ኣብ ገሊኡ እቲ ኣዘንታዊ ኣነ እናበለ ከዘንቱ ከሎ ዕርቃኑ ይወጽእ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ዛንታ ‘ምብራቕ’ እንተርኢና ምብራቕ’ያ ትስዕሮ። በዚ ኸኣ እቲ ኣዘንታዊ ዘይተኣማኒ ዓይነት ኣዘናትዋ ተጠቒሙ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ብኸምዚ ክትርእዮ ከለኻ ቀዳማይ ኣካል ምምራጹ ደስ ይብለካ።

ካልእ ሓይሊ ናይ ኣኽደር፡ ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝበሎ፡ ንሓደ ኣብ ሓደ ምሉእ-ሓሳብ ከተንብሮ እትኽእል ዛንታ፡ ከመይ ገይርካ ናብ ሓጺር ዛንታ ትልውጦ ሓይሉ ኣርእዩና’ዩ። ኣገባብ ኣጸሓሕፋኡ ፍልይ ዝበለ’ዩ። ‘ኤፎኒ’ ዝብሃል ኣሎ ኣብ ስነ-ጽሑፍ። ከተንብቦ ከለኻ እቲ ድምጺ መኣዛ ብዘለዎ መገዲ ገይርካ ከተስተማቕሮ የኽእለካ። ስዲ-ንባብ ክንሱ እቲ ድምጺ ይሃርም። እዚ ድምጺ’ዚ ነቲ ስእሊ ኣብ ኣእምሮና ከም ዝሰርጽ ይገብሮ’ዩ። ዛንታ ‘ዓራዪ ሰዓት’ ብኸምዚ ኣገባብ ዝተነድቀትያ። ካብቶም ፍጻመ ንላዕሊ፡ እቶም ኣበሃህላታት ዝያዳ ስእሊ ይፈጥሩልካ።

መልሲ ኣኽደር ኣሕመዲን፦ ኣብ መመረቕታ መጽሓፍ ‘ተረፍ’ ሓንቲ ሊፍሌት ተዳልያ ነይራ። ኣብኣ ሄኖክ ተስፋብሩኽ፡ “እተን ዛንታታት ርእሰን ክኢለን ትርጉም ዝህባ እንተዀና’ኳ፡ ብተርታ እንተተነባ ኸኣ ዝያዳ ትርጒም ይህባ፡” ኢሉ ነይሩ። ክሳብ ማሕተም ናይ’ታ መጽሓፍ ብሓንሳብ ስለ ዝነበርና፡ ብመደብ ዝተገብረ’ዩ። ኣብ ውሽጢ እናዓበየ፡ እናተመኰረ፡ እናበሰለ ዝኸይድ ኣዘንታዊ ኣሎ። ስለዚ ብመደብ ዝተገብረ’ዩ።
*****

ኣኽደር ኣሕመዲን ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብዓውዲ ኤለክትሪካዊ ምህንድስና ዝተመረቐ ኰይኑ፡ ብሞያኡ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ። ጐድኒ ጐድኒ ኸኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብድራማን ሓጺር ዛንታን ንስነ-ጥበብ ሃገርና ሰፊሕ ኣበርክቶ ክገብር ዝጸንሐ’ዩ። ‘መልሲ ጐደና’፥ ‘ዓራይ ሰዓት’፥ ‘ደቓይቕ’ን ዘርእስተን ሓጸርቲ ዛንታታቱ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫላት ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ተዓዊተን ንማሕተም ክበቕዓሉ ዝኸኣላ እየን። መበቈላዊት ድራማ ‘ጓል ጀነራል’ ከምኡ’ውን ናይ ኒኮላይ ጎጎል ናይ ትርጒም ድራማ፡ ‘ልኡኽ መንግስቲ’ ንመድረኽ ዘብቕዐን ዘሕተመን፡ ከም ኣባል ቦርድ ኣሕተምቲ ሕድሪ ብምዃን ኣብ ምድላውን ምርታዕን ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብፍላይ’ኳ ኣብ መጻሕፍቲ ቅጽታት ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ ነጢፉ። ብዘይካ’ዚ፡ ከም ኣቦ-መንበር መማይት ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ ኰይኑ ንነዊሕ ዓመታት ሰሪሑ።

ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ኣብ Creative writing and critical Response to Literature ዘተኰረ ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ዝተኸታተለ ኣኽደር፡ ምቅልቓልን ምምዕባልን ሓጺር ዛንታ ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ። ብዘይካ’ዚ ኣብ 2016 እውን ኣብ International conference on Eritrean studies ኣብ ዝብል ዓውደ-ዘተ፡ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛን ለውጥን ኣብ ኤርትራ ካብ 1941-1991 ብዝብል ኣርእስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ እዩ።

ግርማይ ኣብርሃም

from  Aman Tekeste W    facebook page

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s