ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ግጥሚ “መን’ዩ ዘይጽሓፊ?” ህየሳ ተስፊት ኣብራሃም

     ግጥሚ ኣማረ ወልደስላሴ “መን’ዩ ዘይጽሓፊ?”   ሃያሲ ተስፊት ኣብረሃም

    ግጥሚ፡ “መን’ዩ ዘይጽሓፊ?” እናኸንብባ እትህበኒ ስእሊን ምስሊን፡ ነቲ እጹብ ጽሓፊ ክንሱ ድርሰታቱ ግን፡ ብሰንኪ ምስኣን ባጀት ብዘይምሕታሙ ኣብ ሳንዱቑ ተዓምጺጾም ንዝነብሩ ኪነ ጥበበዊ ስርሓቱ ብምንጽብራቕ – በቲ ሓደ ሸነኽ ከርኢ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ እቲ ጸሓፊ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን ብዘበርክቶ ፍርያት፡ ኣንባቢ ንጸሓፊ ከም ዓቢ ጸሓፊ ብምሕሳብ ወይ ብምቑጻር ምስ ጽሑፋቱ ከዕልልን ከውግዕን ንዘሕደሪሮ ሃንቀውታ፡ “ክንደይ ኰን ጽሒፉ ይኸውን? እንታይ እንታይ ዓይነት ጽሑፋት ከ ይዀኑ? ልብ-ወለዳት? ሓጸርቲ ዛንታታት? ትርጕማት? ግጥሚታት?…” ቢሉ ንዝሓትት፡ ገጣሚ ድማ፡ ብመንገዲ ሳልሳይ ኣካል ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ ትጽቢትን ባህግን ንዝነበረ ኣንባቢ፡ ኣብ ቀዳማይ ማይቤት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክምልስን ክግስጥን ይርአ። (ብዘይካ እዚ ካልእ ስእሊ እውን እትህብ እያ። ኣብ ታሕቲ ክሪኦ ክፍትን’የ።)

[ብኡነት፡ ካብ ባዶ
“ገለ ኣሕቲምካዶ?”
ኣይትበሎ ከቶ፡]

ኣብ ሃገርና ይዅን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ብፍላይ’ኳ ኣብ ሳልሳይ ዓለም፡ ኣውራ – ኣውራ ከኣ እተን ብእምባገነንነት ዝመሓደራ ሃገራት፡ ደረስቶም ወትሩ ምስ ተጨቖኑን ምስ ተረግጹን እዮም። በዚ ድማ እቲ ድንድል ናይ ደረስቲን ናይ ኣንበብቲን ከይተራኸበን ከይተራጸመን ብተስፋን ሃፋን ይነብሩ። እቲ ደራሲ ብሕጽረት ባጀትን ናጽነትን ክሳቐ እንከሎ፡ እቲ ኣንባቢ ድማ፡ ስቕታ ደራሲ ከም መቕጻዕቲ ንኣንባቢ ብምግንዛብ ሃንቀው ክብሉ ይሓልፉዎ። ካብዚ ሕልፍ ብዝበለ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንደራሲ ብምርካብ፡ “ኣሕቲምካዶ? ዘርጊሕካዶ?” ብምባል ክቕስቅስዎ ይስምዑ እዮም።

[ እንተደሊካ
ቀርበሉ መንበር
ፈጺሙ ዘይስበር፣
ወረቐት ዝጽሕገር
ብቐሊል ዘይጽሕተር፡]

ኣብዚ ማይ ቤት ዘሎ ውክልናን ኣባህላን፡ ሓደ ነቲ ሕጽረታት ደራሲ ክፍወስ ብዘይ ምኽኣሉ ኣመታት ክህብ እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ደራሲ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰል (freedom of speech) ንኽውሃቦ እሞ፡ ብኡ ኣቢሉ ከኣ፡ ሓሳቡን ምስሉን ምስሊ ሕብረተ ሰቡን ንኸስምዕ – ዘይዕምጠር፡ ዘይድምሰስ፡ ዘይርምሰስ ወረቐት ንኽወሃቦን ንኽህልዎን ብምልባው፡ ናይ ደራሲ ዕምቆትን ስፍሓትን ከምኡ እውን ባሕረ-ሓሳቡን ከርኢ’ዩ ዝፍትን።

[ግዜ ብነዊሑ
ዘሕስቦ ኣስፊሑ፡
ቀለም ብዓይነቱ
ክትዕዘብ ክእለቱ፡
ነቶም ዝጽሓፉ
ከብል ዘይጸፈፉ]

ንሓደ ደራሲ፡ ኣስፊሑ ንኽሓስብ፡ ኣልዚቡን ንኽሕንጥጥ፡ ከም ናይ ልቡ፡ ከም ቃንዝኡ፡ ከምቲ ቃንዛ ከባቢኡን ሕብረተሰቡን ሃዲኡ ንኽቕልም ግዜን ኩነታትን የገድስዎ እዮም። እዚ ምስ ተዋደደሉ ከኣ ክእለት እቲ ጸሓፊ፡ ስፍሓት ዓለም እቲ ደራሲ ምርኣይ ኣየጸግምን’ዩ። ነዚ ብምንጻፍ ድማ፡ ነቶም ‘ጸሓፍናልኩም፡ መሃርናልኩም’ ንዝብሉ ሰብ መዓርግ፡ ከም ዘይጸፈፉን ከም ዘይጸሓፉን ካብቲ ድንቂ ጽሓፊ ምምልካትን ምግንዛብን ከም ዝከኣይ እዩ ዝእምተልና።

ግጥሚ “መን’ዩ ዘይጽሓፊ?” ምስ ደራሲ እዛ ግጥሚ’ውን ምትእስሳር ዘለዋ ዀይና ትስመዓኒ። ምኽንያቱ፡ ገጣሚ ኣብ ብዙሕ ስነ ጽሕፋዊ ዕዮኡ ከም እኒ ትርጉም፡ ሓጺር ዛንታ፡ ድራማን ግጥሚን ብምንጣፍ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ይነጥፍ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ሕትመት ግን፡ ኣብ ግዜ ሽምግልናኡ’ዩ ከሕትም ዝኽኣለ። በዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ናይ ስነ ጽሑፍ ህይወቱ ንዘጋጠምዎ ዝነበሩ መሓንቖታት ብምዝካር ንድሕሪት ተመሊሱ ከዘንትዎ ዝፈተነ ይመስል።
ንኣብነት’ኳ ኣብ መቕድም መጽሓፉ፡ ብከምዚ ዝስዕብ ብምስፋሩ፡ ከም መወከሲ ክውሰድ ይከኣል።
“ዝምባለ ምጽሓፍ ዘጥረየ ሰብ፡ [‘መጽሓፍ እንተ ዘሕትም ጽቡቕ ነይሩ፡’] ዝብል ስምዒት የሕድር’ዩ። እንታይ ዓይነት? ግጥሚ? ክልሰ ሓሳብ? ትርጕም? ኣብ ምንታይ ከም ዘተኵር ግን ኣይንጸረሉን።”
ኣብ’ዛ ግጥሚ፡ ከም ድኹም ጐድኒታት ተቘጺሩ ክርአ ዝግብኦ እንተ ኔሩ፡ ድክመታት ናይ ስርዓተ ጥትቢ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ግጥሚ ብዘይ ስርዓተ ነጥቢ ብምግዳፉ፡ ዝቕጽል ስለ ዝመስለካ ናብ ካልእ ገጽ ንክትሰግር ይደፋፍኣካ። እዚ ግድፈት ናይ ስርዓተ ነጥቢ ከኣ፡ ኣብ ኩለን እዘን ግጥሚታት ዘሎ ጉድለት እዩ። ኣብታ “መሳግሮ” እትብል መጽሓፉ እውን ተመሳሳሊ ከምዚ ኣሎ። ኣብ መቕድም መጽሓፉ እውን ኣጠቃቕማ ስርዓተ ነጥቢ ብፍላጥ ከም ዝገበሮ ኣነጺሩ እኳ እንተ ኣሎ፡ ምኽንያታዊ ግን ኣይኰነን።

ግጥሚታት፡ መምህር ኣማረ ወልደስላሴ ኵሎም ኣፈላሰፍቲ፡ ኣከራኸርቲ፡ ኣካታዕቲ (controversial)፡ ኣሕሰብቲ ብምዃኖም ደጋጊምካ ምንባብ የድልዮም’ዩ። ግጥሚ “መን’ዩ ዘይ[ጽሓፊ]” ሓንቲ ካብተን ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ “ጽሕፍቶ” ዘላ እያ። “ጽሕፍቶ”፡ 43 ግጥሚታት ዝሓቘፈት ኰይና፡ ብቛንቋ ትግርኛን ብእንግሊዘኛ እውን ተተርጕማ ኣብ 2014 ንሕትመት ዝበቕዐት እያ።
***
መን’ዩ ዘይጽሓፊ?

ብኡነት፡ ካብ ባዶ
“ገለ ኣሕቲምካዶ?”
ኣይትበሎ ከቶ፡
እንተደሊካ
ቀርበሉ መንበር
ፈጺሙ ዘይስበር፣
ወረቐት ዝጽሕገር
ብቐሊል ዘይጽሕተር፡
ግዜ ብነዊሑ
ዘሕስቦ ኣስፊሑ፡
ቀለም ብዓይነቱ
ክትዕዘብ ክእለቱ፡
ነቶም ዝጽሓፉ
ከብል ዘይጸፈፉ
***
ብ ተስፊት ኣብርሃም

from facebook  Red Sea Poetry  Cafe   Page

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

w

Connecting to %s