መጽሓፍ፡ ሓላዊ'ታ ወርቃዊት ገረብ፡ ብኽፋላት

ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ፡ ምዕራፍ መበል 26፡ ገነት ደሊና Daniel Tesfai

ምዕራፍ መበል 26

ገነት ደሊና

… እቲ መዋእለ ቡርጅዋ ብቀዋሚ ዘይርግኣትን ተቓዉሞታትን ዝልለ ክኸውንዩ። ኵሎም’ቶም ዝሰረቱን ዝጸንዑን ዝምድናታትን ኣተሓሳስባታትን ኣረኣእያታትን ክድምሰሱ’ዮም። ኵሉ’ቲ ቀዋምን ንቡርን ክሃፍፍ’ዩ። ኵሉ’ቲ ቅዱስ ክረክስ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ደቂ ሰባት፡ ንዅሉ መርገጽ መናብሮኦምን ሕድሕዳዊ ዝምድንኦምን ብንጹር ክመምዩ ክግደዱ’ዮም … ።
ካርል ማርክስ፡ ርእሰዴሳዊ ኣዋጅ

ኣብ ሓደ እዋን ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ኵሉ፡ ናይ ኵሉ ኔሩ። ናይ ኵሉ ፍጡር’ውን። ስእነት ኣይነበረን። ሰብ፡ ብእንስሳዊ ገምሩ ጥራሕ ተመሪሑ፡ ምስ ባህርዪ ተወሃሂዱ ኣብ ገነታዊ ኵነት ነበረ።
ድሕሪ ሓሙሳ ሽሕ ዓመታት፡ ሓደ ካልእ እዋን፡ ሰብ ነቕሐ። ክሓስብ ክኢሉ ነብሱ ፈለጠ። ንነብሱ ካብቲ ካልእ ነጺሉ ፈለጠ። ንነብሱ ከም ውልቂ ፈሊጡ ድማ ንብሕቱ ነገራት ክውንንን ክዓቍርን ጀመረ። ኣንጻር ካልኦት ክውንኑን ክዓቑሩን ዝደልዩ ተቘራቘሰ። ነቲ ኣቐዲሙ ብሽንቱ ዘነጸሮ ግዝኣቱ ድማ ብደሙ ሓንጸጸ።


ብሕታዊ ውነና – ውድድር፡ ቅንኢ፡ ስስዐ ዝኣመሰሉ ንቕሓታት ፈጢሩ ድማ ኣብ መሬት ውግእ ኮነ። እዚ ንቕሓት’ዚ ‘ናማዕበለን ‘ናዓሞቐን ‘ናረቐቐን መጺኡ ከኣ ንዘመናዊ ሰብን ስልጣኔኡን ባህሉን ኣተሓሳስብኡን ሃነጸ።
ሰብ ግን ኣነነቱ ዘስዓቦ ብሕታዊ ውነና ቀንዲ ረቛሒ ዘይቅሳነቱ ምዃኑ ወርትግ ይፈልጥ። ንመዋእላት ኣብ ከውሒ ትሕተንቕሓቱ ተወቒሩ ከቶ ዘይድምሰስ ሓባራዊ ዝካሬ ሕሉፍ ተሞክሮኡ’ዩ። ወርትግ ድማ ናብቲ ኣብ መንፈሱ ዝተቀርጸ ሓባራዊ ገነታዊ ናብራ ክምለስ ይሕልን። ኣብዚ ሕልና’ዚ ድማ ክልተ ዓበይቲ ጸገማት የጓነፍዎ። መጀመርያ፡ ኵሎም ደቂ ሰባት ብባህርዪ ማዕረ ኣይኮኑን። እቲ ሓደ ትኵር እቲ ሓደ ቀዛዝ፡ እቲ ሓደ ትጉህ እቲ ሓደ ህኩይ፡ እቲ ሓደ ሕሙም እቲ ሓደ ጥዑይ፡ እቲ ሓደ ኣፍራዪ እቲ ሓደ መጥፍኢ ኴይኖም ነቲ ዝሕለን ሓባራዊ ናብራ ኣደናገሩዎ። ካልኣይ፡ ንድሕሪት ናብቲ ዝሓለፈ ‘ ጥዑም ‘ ክምለስ ይሓልም። ምዕብልና ግን ንቕድሚት ጥራሕ ዝኸይድ መስርሕ ኴይኑ ይተዓናቐፍ። ኣብ ሃገርና’ውን፡ ‘ ጥዑም ‘ ጥዑም ከይበልናዮ ሓሊፉ! ኢልና ብርቱዕ ኢና ንጠዓስ። ነፍሲ ወከፍ ወለዶ፡ ንገነቱ ካብ ምቅላስ ከቋርጽ ከቶ ኣይኮነሉን። ፈተና ድሕሪ ፈተና ድማ ተመክሮታቱ ማዕበሉን ረቐቑን።
እቲ ኣብ ጽሑፍ ታሪኽ ንመፈለምታ ጊዜ ብሕታዊ ውነና ዝፈጠሮ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ክትንትንን ፍታሕ’ውን ክእምምን ዝፈተነ እቲ ገለ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበረ ግሪኻዊ ፍላስፋ ኣፍላጦን’ዩ። ፖሊተያ ኣብ ዝተባህለ ጽሕፉ ሓደ ፍጹም ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ኣብ ብሰለስተ ዓምድታት ኣብ ዝቘውም ቅርጻ መንግስቲ ከምዝትከል ይገልጽ። ንሳቶም ድማ ናይቲ ምጣኔሃብታዊ ቅርጻ ሓላፍነት ዝወስዱ ነጋዶን ወነንቲ ማእቶትን፡ ድሕንነት ሕብረተሰብ ዘረጋግጽ ሰራዊትን፡ ብፍላስፋታት ወይ ለባማት ነጋውስ ዝቘውም ፖለቲካዊ መሪሕነትን’ዮም።
መንነት ውልቀሰብ ብኣተዓባብይኡን ኣመላምልኡን ከምዝውሰን የረጋግጽ’ሞ ኣፍላጦን፡ እቲ ሸቶ ምሉእ ኣመላምላ’ቲ ውልቀሰብ ናብ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ውልቀ ፈላስፋ ንምህናጹ ዘተኮረ ክኸውን ከምዝነበሮ የረድእ።
እቲ ምሉእ ኣቃርጻ ናይቲ ፍጹም ፍትሓዊ ማሕበራዊ ስርዓት ዝብሎ ኣብቲ ናይ ሽዑ ግሪኻዊ ማሕበረሰብ ብሉጽ ጠብያት ኢሉ ዘነጸሮም ባሕረጠባያት ዝተመርኮሰ ነበረ። ማለት – እቲ ወናን ማእቶት ዕቁን፡ እቲ ሰራዊት ጅግና፡ እቲ መራሒ ድማ ለባም። ፍትሓውነት ድማ ከም ራባዓይ ብሉጽ ጠባይ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ይለምም። ኣብዚ ፍትሓዊ ማሕበራዊ ስርዓት’ዚ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሕብረተሰብ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ዕንቅፋት ከይኮነ ነቲ ንዕኡ ዝብጽሖ ግቡእ ጥራሕ ይፍጽም። ኵሉ ሓሓላፍነቱ ዝፈልጥ ፈላስፋ ስለዝኾነ ድማ እቲ ስርዓት ይገጥም።
ኣብ ምትካል’ቲ ፍጹም ፍትሓዊ ሕብረተሰብ፡ መንፈሳዊ ቅርጻ’ቲ ውልቀሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምንባሩ ኣተኵሩ ይናገር ኣፍላጦን። መንፈስ ሰብ ድማ ብሰለስተ ረቛሒታት ከምዝቘመ ይገልጽ። – ርትዒ፡ ድልዬት፡ ሃረርታ። ሃረርታ ኣዎንታውን ኣሉታውን ኴይኑ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ርትዕን ጽቡቕ ድልዬትን ይቈጻጸርዎ።
እቲ ብኣወንታዊ ሃረርታ ዝጕስጐስ፡ ርትዕን ጽቡቕ ድልዬትን ከኣ ዝቈጻጸሩዎ ፍጹም ፍትሓዊ ፍላስፋዊ ሕብረተሰብ ኣፍላጦን ኣይቈመን። ሓሳባቱ ግን ሓንሳብ ኣብ መንፈስና ነኺሱ ክሳብ ለይተሎሚ ኣይሰደደን። ኣበው መማህራንን ሚስዮናውያንን ክርስትናን እስልምናን፡ ነቲ ኣፍላጦናዊ ስነሓሳብ ኣብ መንበረ ትምህርታቶም ሰዅዖሞን ሓዊሶሞን ጥራሕ ዘይኮነስ ክትግብርዎ’ውን ፈቲኖም’ዮም። ጥንታዊ ክርስትና፡ ኣብቲ መፈለምታዊ ህይወቱ፡ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስን ኣፍላጦንን ዝተመርኮሱ ፍትሓውን ማዕርነታውን ኮማት ኣቝሙ ነበረ። ኣፍላጦን፡ ኣብቲ ጸልማት ማእከላይ ዘመን ተረሲዑ ጸኒሑ ኣብቲ ከም ዘመነ ዳግመ ትንሳኤ ዝፍለጥ ክፋል ታሪኽ ኤውሮጳ፡ ቶማስ ሙር ( 1478 – 1535 ) ዝተባህለ እንግሊዛዊ ፖለቲካዊ ወረጃን ሰብኣዊ ተመራማርን ደራስን ብ1516 ጦብያ ዝተሰምየት ውርይቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ነቲ ኣፍላጦናዊ ኣረኣእያ እንደገና ኣለዓዓሎ።
ጦብያ፡ ብቋንቋ ግሪኽ፡ ቃል ብቃሉ ‘ ኢመካን ‘ – ኣብ ዝኾነ ቦታ ዘይኮነ – ማለት’ዩ። ጦብያ፡ ሓንቲ ፍጹም ቅኑዕ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ስርዓት ዝነገሳ ልበ ወለዳዊት ደሴት’ያ። ኣብታ ደሴት ውልቀሰብኣዊ ጥቕሚ ብሓባራዊ ጥቕሚ’ቲ ምሉእ ሕብረተሰብ ዝተገዝአ’ዩ። ኣብዚ ሕብረተሰብ’ዚ ከኣ ኵሉ ይሰርሕ። ኵሉ ክመሃርን ክዕለምን መሰል ኣሎዎ። ናይ ኵሉ እምነታዊ ነጻነት ዝተሓለወ’ዩ። መሬት ድማ ብዅሉ ብሓባር ይውነን።
እታ መጽሓፍ፡ ጦብያ፡ ክሳብ’ዚ ዘመናዊ ጊዜናዚ መናሃርያ ናይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መጻሕፍትን ጽሑፋትን ምንቅስቓሳትን ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ትካላትን ኴይና’ያ። እቲ ኣፍላጦናዊ ኣምር ድማ ናብ ሓደ ምሉእ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ማዕቢሉ ጦብያነት ተባህለ። እቲ ማእከላዊ ሓሳብ ጦብያነት ማዕርነት፡ ሕውነት፡ ፍትሕን ማሕበራዊ ድሕንነትን’ዩ። እዞም ዕላማታትዚኦም ግን ናብ ጭቡጥ ማሕበራዊ ክውንነት ክልወጡ ኣይተኻእለን። ነቲ መሰረታዊ ድልዬት ኵሎም ደቅሰባት ዝኾነ ሕልሚ ማዕርነትን ፍትሕን ግን ደጊሞም ኣበራበርዎ። ነታ ብኣፍላጦን ዝተወልዐት ሃልሃልታ ክርቢት ናብ ዳሜራዊ ሃልሃልታ ደርጕሑዋ። ካርል ማርክስ ከኣ ነቲ ሃልሃልታ ተቐቢሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣቃጸሎ።
ማርክስ መስራቲ ዘመናዊ ስነፍልጠታዊ ዴስነት’ዩ። ነቲ ምሉእ ሓሳባት ግን በይኑ ኣይመሃዞን። ወይ ከኣ ሓዲስ ኣይመሃዞን። መሰረታዊ ትሕዝቶ ፍልስፍንኡ ጦበያዊ’ዩ። ኣብ ኣገባብ ተግባራዊ ኣተረጓጉማ ጦብያዊ ዕላማታት’ዩ ብመሰረቱ ዝተፈልየ። ማርክስን ኤንግልስን፡ ኣብቲ ኣዋጅ ርእሰ ዴሳዊ ሰልፊ ዘርእስቱ ጽሑፎም ነቲ ብብዙሓት ሓሰብትን ፈላስፋታትን ሰውራዊ ተቓለስትን ‘ናዓሞቐን ‘ናሰፍሐን ዝመጸ ጦብያዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ፍልስፍና ጦብያዊ ዴስነት ኢሎም’ውን ሰመዪዎ።
እቲ ቃል፡ ዴስነት፡ ንባዕሉ ኣብቲ መጀመርያ ርብዒ ናይ 19 ዘመነ ምሕረት ንዕላማታት ሰውራ ፈረንሳ ካብ ጸጋንነትን ዓቃብነትን ንምንጻርን ዕምቈተ ዕላምኡ ንምጕላሕን ንፈለማ ጊዜ ኣብ ፖለቲካዊ ስነጽሑፍ ዝተጠቕሰ’ዩ። ኣብ መስርሕ ናይ 18ን 19ን ዘመነ ምሕረታት ከኣ፡ እዚ ሓፈሻዊ ቃል’ዚ ንዅሎም’ቶም ማሕበራዊ ሽግራት ሰብ ንምፍታሕ ዝኣመሙ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባትን ሞዴላትን ዘጠቃለለ ሓፈሻዊ ኣምር ኮነ። ሰውራ ፈረንሳ ዴሳዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ኣይተዓወት እምበር እቲ ናይ ማዕርነትን ሕውነትን ነጻነትን ጭርሖኡ ጽልውኡ ኣይሓደገን።
ኣብ 19 ዘመነ ምሕረት ንኤውሮጳ ካልእ ሰውራ ዓበጣ። ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ። እቲ ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ መስፍናዊ ማሕበረፖለቲካውን ምጣኔሃብታውን ቅርጻ ብኣብ ኢንዱስትሪያዊ ማእቶት ዝተመርኮሰ ርእሰማላዊ ስርዓት ተዓብለለ። ኢንዱስትርያውነት ኣዝዩ ግዙፍ ማሕበራዊ ለውጢ ኣምጽአ። እቲ ሕርሻዊ መስፍናዊ ሕብረተሰብ ናብ ርእሰማላዊ ኢንዱስትሪያዊ ሕብረተሰብ ተለወጠ። እቲ ተዋፋራይ ካልእ ምርጫ ማእቶታዊ ንጥፈት ረኺቡ ካብ መቝረንቲ መሳፍንትን መሬትን ሓራ ወጸ። ሸቅሊ ንምንዳይ ከኣ ብብዝሒ ናብ ከተማታት ወሐዘ። ምስኡ ተተሓሒዙ ከኣ ከም ስድራን ቤተሰብን ዝኣመሰሉ ጸኒሓዊ ልምዳዊ ማሕበራዊ ዝምድናታት ተዘርጉ። እቲ ግዙፍ ብዝሒ ደላይ ስራሕ ድማ ንደሞዝ’ቲ ሰራሕተኛ ኣመና ኣሕሰሮ። እቲ ርእሰማላዊ እምብዛ ‘ናሃብተመ፡ እቲ ሸቃላይ ከኣ ኣዝዩ ‘ናደኸየ እቲ ጋግ ምሒር ረሓበ። ኵሉ’ቲ ጸጋታት ኢንዱስትርያዊ ምዕብልና ተነፊጉዎ ድማ እቲ ናይ ሽዑ ሰራሕተኛ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ናብራ ነበረ። እዚ ኵነታቱ ድማ ንፍትሓዊ ለውጢ ቅሩብ ገበሮ።
ማርክስን ኤንግልስን፡ እቲ ንዅሉ ክብረት ወድሰብ ዝገሃሰ መዝማዚ ርእሰማላዊ ስርዓት፡ ብሰውራ ሸቃሎ ጥራሕ ከምዝዓኑን ብምልኪ ሸቃሎ ጥራሕ ከኣ ከምዝትካእን ኣመኑ። ብመንጽርቲ ጦብያዊ ዴስነት፡ ንማሕበረፖለቲካውን ምጣኔሃብታውን መደቦም ስነፍልጠታዊ ዴስነት ሰመዪዎ።
ማርክስ፡ ህይወቱ ምሉእ ንምጣኔሃብታዊ መስርሕ ርእሰማልነት ዘጽነዐ ሊቅ ነበረ። ካብቲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከኣ እቲ ንርእሰማል ዝገዝእ ሓደ ሕጊ ምኽዕባት እትዋትን ብሕታዊ ውነናን ርእሰማልን ጥራሕ ምኻኑ ኣስተውዓለ። ዕላምኡ፡ ላዕልን ታሕትን ዘይብሉ ደርበኣልቦ ሕብረተሰብ ንምትካል ነበረ። ኣብ መእተዊ 20 ዘመነ ምሕረት ከኣ ኣተሓሳስቡ ኣብ ምንቅስቓሳት ሸቃሎ ተቐባልነት ‘ናረኸበ ከደ።
ብኣራኣእይኡ፡ ስነፍልጠታዊ ዴስነት፡ ኣብተን ምዕቡላት ርእሰማላውያን ሃገራት ጥራሕ’ዩ ክዕወት ዝኽእል ዝነበረ። ታሪኽ ፈንጠጋር ኴይና ግን፡ ማርክሳዊ ዴስነት፡ ኣብታ ብቅድመ ርእሰማላዊ ምዕብልና ዝተዓብለለት መስፍናዊት ሩስያ ተፈተነ።
ዴሳዊ ስርዓት ንምትካል ምዕቡል ርእሰማልነት ግድን ኣይኮነን ክብል ተንስአ ለኒን። ንሱ ተነጢሩ ብኣኳላም ዴሳዊ ስርዓት ክትከል ይከኣል’ዩ ሓሲቡ ሓደ ዘይርእሰማላዊ ስርዓተ ምዕብልና ዝሰመዮ ክልሰሓሳብ ወሰኸ። ደጊም ከኣ፡ ማርክስነት፡ ነዚ ሓዲስ ሓሳባት ኣጠቃሊሉ ማርክሰ ሌኒንነት ተባህለ።
ምስ ዝተፈላለዩ ጭቡጣት ፖለቲካዊ ሽግራትን ዘይተመጣጠኑ ባህላዊ ምዕብልናታትን ምእንቲ ክሰማማዕን ክሰርሕን ከኣ፡ ማርክስነት፡ ‘ናተመሓየሸን ‘ናጫለደን ክሳብ’ቲ ዝነውሐ ስም ዝሓዘለ ስነሓሳብ ኮነ። ማርክሰ ለኒናዊ ስታሊናዊ ማኦኣዊ …! እቲ ስነሓሳብ ክሳብ ዝከኣሎ ተመጢጡ ከኣ ክበጣጠስ ጀመረ። ክሳብ’ውን ሓምላይን ጸሊምን ዴስነታት ተማህዙ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክልሰሓሳባዊ ዕግርግርን ምግዝዛዕን እቲ ስነሓሳብ ከስፋሕፍሕ ብዙሕ ኣሳልጦ ከምዘይረክብ ፍሉጥ ኮነ። ሞስኮ ድማ ንጽርዬት’ቲ ስነሓሳብን ምውዳብ ምንቅስቓሱን እትቈጻጸር ሓዳስ ሮማ ኮነት። ክረምሊን ድማ ቫቲካን።
ብ1919፡ ሌኒን፡ ሓደ ርእሰዴሳዊ ኣህጉራዊ ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣህጉራዊ ማሕበር ሸቃሎ ኣቘመ። እዉጅ ዕላማ’ዚ ውድብ’ዚ ከኣ ብምስሊ ሕብረት ሶቬት ዓለማዊ ሰውራ ምልዓል ነበረ። ኣብቲ ብ1920 ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ፡ ለኒን፡ ንለኒን ፍጹም ምእዙዝነት ዘረጋግጹ 21 ዓንቀጻት ሓንጸጸ። እቲ ፈላሚ ዴሳዊ ጳጳስ ኮነ።
ድሕሪ ሞት ለኒን ስታሊን ነገሰ። ንዕኡ፡ እቲ ሲኖድ ኣቡናት ሸቃሎ እንትርፎ ከም መሳርሒ መሐየሊ ውልቃዊ ስልጣኑ ኣብ ሃገሩን ወጻእን ካልእ ትርጕም ኣይነበሮን። ናይ ካልኣይ ውግእ ዓለም መሓዙቱ እንግሊዝን ኣሜሪካን ከሐጕስ ከኣ ብ1943 ነቲ ማሕበር ፈንጥሖ። ኣብ ቦትኡ ሓደ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ዴሳዊ ሓበሬታ ከፈተ። ከም ፕሮፓጋንዳዊ መሳርሒ ስታሊን ከኣ ክሳብ 1956 ጸንሐ።
ስታሊን፡ ነታ ወርቃዊት ገረብ ብጽንዓት ሓለዋ። ነታ ለኒን ዘውረሶ ፖሊትቢሮ ብምልእታ ደምሰሳ። ኣእዳዉ ክሳብ መክሲኮ በጺሐን ድማ ንትሮትስኪ ብፋስ ጨፍጨፎ።
እዚ ኵሉ፡ ንገነት፡ ብኣህጉራዊ ደረጃ ንምውዳባን ምድንፋዓን ዝሃቀነ ነበረ። እቲ ብተግባር ዝኾነ ግን ጥቕሚ ኣህጉራዊ ሸቃላይ ምስ ጥቕሚ ሕብረት ሶቬት ምቝራን ጥራሕ ነበረ። ጥቕሚ ሕብረት ሶቬት ድማ ጥቕሚ ኣህጉራዊ ሸቃላይ ኮነ። ጥቕሚ ኣህጉራዊ ሸቃላይ ዝገልጽን ዝውስንን ድማ ሕብረት ሶቬት ኮነት። እቲ ንጥቕሚ ሕብረት ሶቬት ዝጻረር ድማ ጸረ ጥቕሚ ኣህጉራዊ ሸቃላይ ኮነ። ከምቲ ምልኪ ሰልፊ ሸቃሎ ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ እቲ ምልኪ ሰልፊ ሸቃሎ ሕብረት ሶቬት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰልፊ ሸቃሎ ኮነ። እዚ፡ ስነሞገታዊ መደምደምታ ናይ’ቲ ፒራሚዳዊ ኣሰራርዓ’ቲ ምንቅስቓስን ንዕኡ ዝጠምር ለኒን ዝመሃዞ መትከል ማእከላዊ ጥርናፌን’ዩ።
ሽሕ’ኳ’ቲ ጳጳስ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ሸቃሎ ካብ ክረምሊን ከማእክል ‘ተፈተነ፡ ከም’ቲ ወርትግ፡ ካብቲ ማእከልነት ዝሽፍት ኣይተሳእነን። እቲ ኦርቶዶክሳዊ ቺናዊ ርእሰዴሳዊ ማሕበር ካብ ሮማ ተፈልየ። ንሱ ዝጸልወን ዴሳዊ ሰልፍታት’ውን ኣጥረየ። ዮሴፍ ቲቶ፡ ኣብ ኣፍደገ ሩስያ ሸፈተ። ኣልባንያ’ውን ካብ’ቲ ጳጳስ ንላዕሊ ኮትለኸት።
ርእሰዴስነት ኣብ ሩስያ ካብ ዝዕወት ኣትሒዙ ምስቲ ርእሰማላዊ ስርዓት ምዕራብ ኣብ ስነሓሳባዊ ውግእ ኣቶወ። ካብ 1918 ክሳብ 1920 ድማ፡ ኣሜሪካ፡ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ዝኾኑ ሰራዊት ብምልኣኽ ነቲ ዕሸል ሶቬታዊ መንግስቲ ከተዕኑ ፈተነት። ሽሕ’ኳ እቲ ቃል ብ1947 ይመሃዝ’ምበር፡ እቲ ዝሑል ውግእ’ስ ካብዚ እዋን’ዚ’ዩ ጀሚሩ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ነቲ ሓባራዊ ጸልኢ፡ ሂትለር፡ ንምውጋእ እቲ ዝሑል ውግእ ዘሓለ። እቲ ውግእ ብ1945 ምስተወድአ ከኣ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቬትን ካብቲ ውግእ ዝሓየላ ኴይነን ወጻ። ነቲ ዝሑል ኵናት ከኣ እንደገና ቀጸልኦ። ዕላምአን ንዓለም ከም ሓዲስ ኣብ ሞንጎአን ንምጉዛይ ነበረ። ሕብረት ሶቬት ንማእከላይን ምስራቓውን ኤውሮጳ ሓራ ኣውጺኣ ኣብዚ ሰፊሕ ቦታ’ዚ ብምስላ ዝተሰርሑ ዴሳዊ መንግስታዊ ስልጣናት ኣቘመት። ብ1949 ከኣ ኣወል ኣቶሚካዊ ቦምባ ወኒና ብወግዒ ልዕለሓያል ተሰምየት።
ብ1949፡ ኣሜሪካን ምሓዝኣ ምዕራብ ኤውሮጳን ውድብ ስምምዕ ሰሜን ኣትላንቲክ ዝተስየመ ወትሃደራዊ ምትእስሳር ኣቘማ። 1955 ድማ፡ ሞስኮ፡ ውድብ ስምምዕ ዋርሶ መስረተት። ክልቲኡ ስነሓሳባት ከኣ ነናቱ ወትሃደራዊ ቀላጽም ኣቝሙ ኣብ ዓለም መን ገነት (ገሃነም!) ይሃንጽ? ንትርኹ ቀጸለ።
እምበርከስ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ብኣፍላጦን ዝተጸንሰ ቁልዒ ሓሳብ ‘ ፍትሓዊ ‘ ማሕበረሰብ፡ ንክልተ ሽሕ ዓመታት ተሓቝኑ ኣብ ዘመን’ና ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መልክዕ ቃልሲ ማዕበለ። እቲ ፍትሓዊ ድልዬት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣካል ናይዚ መስርሕ’ዝን ብእኡ ዝጽሎን ንዕኡ ዝጸሉን ኮነ። ከምዚ’ሉ እምበኣር፡ ኣብ ዘመን’ና፡ ስነፍልጠታዊ ዴስነት ጊዜኡ ዝመጸሉ ስነሓሳብ ኮነ። ኣብተን ክልተ ዝዓበያን ዝደኸያን ሃገራት ኤውሮጳን እስያን ከም መንግስታዊ ስነሓሳብን ማሕበረፖለቲካዊ ስርርዕን ቈይሙ ንዓለም ክጸሉ ጀመረ። ክልቴኣን ሃገራት ነቲ ስነሓሳብ ኣብ መላእ ዓለም ንምስፍሕፋሕ ግዙፍ ስነሓሳባዊ ዘመተታት ኣካየዳ። ንዅሉ ጸረ ባዕዳውን ውሽጣውን መግዛእትታት ዝካየድ ቃልስታት ዓለም ድማ ሞራላውን ንዋታውን ደገፋት ኣበርከታ። ስለዚ ከኣ፡ ሰውራ ኤርትራ፡ በቲ ፍትሓውን ማዕርነታውን ጭርሖታት ዓለምለኻዊ ዴስነት ክምሰጥ ባህርያዊ ነበረ።
ድሮ ኣብቲ ናብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝመርሐ ምንቅስቓስ ምዕራይ ሰውራ፡ ማርክስነት፡ ከም ስነሓሳባውን ፖለቲካውን ሞራላውን ደራኺ ተቐልቂሉ ምንባሩ ኣሰራት ኣሎ። ሰላሕ ኢሉ ድማ ኣብ ድሮን ድሕርን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሓውሲ ወግዓዊ ስነሓሳባዊ መራሒ ኮነ። ኣንጻር ሃጸይነትን መግዛእትን ጽዮንነትን ኵሉ ዓይነት ጭቈናን ዝኾኑ መትከላት ብደረጃ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ተቐሪጾም፡ ሰውራና፡ ኣካል ናይቲ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ውጹዕ ህዝቢ ዓለም ምዃኑ ብተግባር ኣወጀ። ካልእ ምርጫ’ውን ኣይነበሮን። ካብ ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ናይ ሓደ ደንበ ወጻኢ ክዕወት ቀሊል ዝኾነሉ ጸረመግዛእታዊ ገድሊ ወይ ከኣ ክቘውም ዝኽእል ጨቋኒ ሃገራዊ መንግስቲ ኣብቲ ሳልሳይ ዓለም ተባሂሉ ዝተሰየመ ክፋል ዓለም ክህሉ ኣሸጋሪ ነበረ። ብሓጺሩ፡ እዚ ክልተ ደንበታት’ዚ፡ ንዓለም፡ ከም ብሓዲስ ኣብ ክልተ ክቢታት ቍጽጽር ከመቕላ ይቆራቖስ ኔሩ። ከም ጸረመግዛእታዊ ስለዚ ድማ ጸረ ሃጸያዊ ምንቅስቓስ፡ ሰውራ ኤርትራ፡ ንጥቕሙ፡ ኣብቲ ጸረሃጸያዊ ደንበ ከዘንብል ብታሪኽ ዝተፈርደ ነበረ።
ድሕሪ’ቲ ውግእ፡ መግዛእታዊ ንብረት ስዑራት ሃገራት ክጉዘ ኔሩዎ። ጉዳይ ኤርትራ ከኣ እቲ ዝተሓላለኸ ነበረ። እቲ ካብ ኢጣልያ ብቐጥታ ዝመንጠላ እንግሊዝ ኣብ ክልተ ቈሪጹ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክመቕላ ደለዬ። ኢትዮጵያ፡ ብምልእታ ክትዕዅልላ ደለዬት። መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ብዝወሓደ ኣብ’ቲ ፈለማ፡ ምሉእ ነጻነት ደለዩ። እቲ ኵሉ ክርክር፡ ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ሓደ ጊዝያዊ ማእከላዊ ፍታሕ – ማለት ኤርትራ ብፈደራስዮን ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር – ኣምርሐ። መገዲ ተጸሪጉ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ብኢደወነና ጸንበረታ። ኤርትራ ሓንቲ ኣውራጃ ኢትዮጵያ ኮነት።
ብዘይካ’ቲ ንዋታውን ንያታውን ሓገዝ ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብፈደራስዮን ክትመሓዘዋን ከይዳ ከይዳ ድማ ክትጐብጣን ኣምበይከኣለትን። ኣብቲ ስነሓሳባዊ ዕዳጋ፡ ንኣሜሪካዊ ጥቕምታት፡ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዝበለጸ ክብሪ ኔሩዋ። ኢትዮጵያ ዓባይ ኤርትራ ንእስቲ፡ ኢትዮጵያ ብዝሕቲ ኤርትራ ውሕድቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ኤርትራ ክፍልቲ፡ ኢትዮጵያ ፍልጥቲ ቅውምቲ ኤርትራ ገና ዘይርግእትን ኣቅጣጫኣ ዘይተፈልጠን – እዚኦም ነቲ ዋጋ ዕዳጋ ዝወሰኑ ረቛሒታት ነበሩ። ንኣሜሪካ ግን እቲ ዝዓበየ ረቛሒ እቲ ሰብነት ሃይለስላሴን ባህርያቱ ኴይኑ ዝእምቶ ማሕበረፖለቲካዊ ኣቅጣጫን ነበረ። እቲ ፍጹም ስልጣን ዘእምነገደ ኣይሁዳዊ ሓጸይ ሃይለስላሴ፡ ናብ ጸረሓጸያዊ ጥቕምታት ክዝንብል ፍጹም ዘይሕለም፡ ካብኡ ንላዕሊ ክእመን ዝከኣል ዘየሎ ጸረ ርእሰዴሳዊ መሳርሒ ኣብቲ ዞና ምንባሩ ንኣሜሪካውያን ብርሃን ቀትሪ ነበረ። ንሱ ድማ፡ ወሸለ ድኣ ኤርትራ ናብ ግዝኣቱ ትጸንበር’ምበር፡ ዝኾነ ዋጋ ክኸፍል ድሉው ምንባሩ ቶሎ ብዘየወላውል መገዲ ኣረጋገጸ። ስለዚ ኣሜሪካ ንሃይለስላሴ ዓደገት።
ሕብረት ሶቬት ግድን ተቓወመትé። ተቓዉሞኣ ግን ካብ ሞራላዊ ግቡእ ጥራሕ ዘይሓልፍ ነበረ። ሃይለስላሴ፡ ንክልቲኡ ደንበታት ኣተሃላሊኹ፡ ንክልቲኡ ኣብ ጥቕሚ ዕላምኡ ከንብሮ ዝተዓወተ ብልሂ ጥበበኛ ነበረ። ንሕብረት ሶቬት’ውን ኣኳሺሙዋ ጎምጅያ ብሰንኪ ኤርትራ ክትባተኽ ኣይደለየትን።
ኤርትራ ተጸንበረት ሰውራ ኤርትራ ድማ ተተኵሰ። ሽሕ’ካ’ቲ ሰውራ ቈላሕታ’ቲ ዴሳዊ ደንበ ክስሕብ ብርቱዕ ‘ተፈተነ፡ ዴሳዊ ደንበ ንምሕጋዙ ህሩግ ኣይበለን። እኳ’ድኣ፡ ዘገም ኢሉ ኣንጻሩ ቈመ። እታ ኤርትራ ምሒር እንድያ ዓቢራ!
እቲ ንሃይለስላሴ ስልጣኑ ዝመንዝዖ ደርግ ጐሪሑ፡ ንሰውራ ኤርትራ ሰውራውነቱ ንምስኣን፡ በብቁንጭል ‘ ዴሳዊ ‘ ኮነ። እቲ ንዓመታት ኣድፊጡ ዝጸንሐ ሶቬታዊ ተዅላ ዕድል ረኺቡ ነታ ዝሰብሐት በጊዕ መንዝዐ። ብዋጋ ሰውራ ኤርትራ ድማ ኣብ ጎድኒ’ቲ ዓማጺ ስርዓት ደርግ ቈመ። ሰውራ ኤርትራ ንሰውራ ኢትዮጵያ ኢዱ ክህብ ደሪኹ ምዃን ኣብዩዎ ክጭፍለቖ ወሲኑ ግዙፍ ፖለቲካውን ንያታውን ንዋታውን ሰብኣውን ደገፍ ኣወፈየ። እቲ ከም ‘ ገስጋሲ ‘ ክፍለጥ ዝጸንሐ ሰውራ ኤርትራ ድማ ብሃንደበት ‘ ኣድሓርሓሪ፡ ጸቢብ ሃገራዊ ‘ ተሰየመ።
ክልቲኡ ደንበታት፡ ብዛዕባ መሰልን ክብርን ወድሰብ እንታይ ይሰብኽ ብዘየገድስ፡ ቀዳማዊ ተግዳሱ እቲ ኣህጉራዊ ጥቕሚ ዝኾነ ሃገራዊ ጥቕሙ ነበረ። ከምዚ’ሉ ድማ እቲ ‘ ጭቝን ሓፋሽ ‘ ዓለም መጻወቲ እምኒ ኣብቲ ስነሓሳባዊ ሻኽ ኮነ። ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ! እንተኾነ፡ ጀብሃ፡ እቲ ሽዑ፡ ድሮ ስነሓሳባዊ ኣቅጣጫኣ ወጂሃስ ብማርክሳዊ ስነሓሳብ ዝተመልመሉ ካድራት ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ኣዋፊራ ነበረት። እቲ ብመዳፍዓትን ነፈርትን ‘ ማርክስነት ‘ ክጭፍጨፍ ዝጀመረ ህዝብን ሰራዊትን ምስቲ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ክደናገጽ ናይ ምግባሩ ጸገም ድሮ’ቲ ስነሓሳብ ክስፋሕፍሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ጎልሐ። ከምዚ’ላ፡ ታሪኽ፡ ንጀብሃ ኣብ ሓደ ስነሓሳባዊ መንቀራቕሮ ኣእተወታ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ጀብሃ፡ ንማርክስነት ብዝምልከት ምስታ መወዳድርታ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ስነሓሳባዊ ቅድድም ጕያ ኣትያ ነበረት። ግንባር፡ ንነብሳ ከም ሕኑን ማርክሳዊት ውድብ፡ ንጀብሃ ከኣ ከም ኣድሓርሓሪ የማናዊ ምትእኽኻብ ገሊጻ ነዚ ስእሊ’ዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከተንጸባርቖ ተዓዊታ ነበረት። ስለዚ፡ ጀብሃ፡ ምስቲ ኵሉ ጸገማቱ፡ ነዚ ስነሓሳብ’ዚ ምቕባል ጥራሕ ዘይኮነስ ፊተውራሪት ተሰካም ሰንደቑ ክትከውን ተደረኸት። ወነንትን ዓለምለኻዊ መራሕትን’ቲ ስነሓሳብ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ተጋግዮም ኣሎዉ’ሞ ክንእርሞም ኢና ክሳብ ዝብል ተቐርቀረ መሪሕነታ።
ካብ መናብርትና ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ካብ ግቡእና ንላዕሊ ኣይጠለብናን። ዘይመሬትና ኣይተመነናን። ኣብታ ንእስቲ ድኻ ዕባራ ሃገርና ብነጻነትን ሰላምን እንነብረላ ናትና ንእሽቶይ ገነት ክንሃንጽ ጥራሕ ኢና ዝደለና። ክልቲኡ’ቲ ገነትና ክንሰርሕ ክሕግዘና ዝተጸበናዮ ንነብሱ ከም ስልጡን ዝፈልጥ ዓለማት ግን ከዲዑና። ኣብ ክንዲ ገነት ናብ ገሃነመ ውግእ ደቕዲቑና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስነሓሳባዊ ድንግርግር’ዩ እምበኣር፡ ጴጥሮስ፡ ንእግዚኣቢሔር ዝቐተለ።
ድሕሪ ዳርጋ ናይ ሰለስተ ቅነ ትጽቢት፡ ነቲ ንከቲባ ናብ የማንን ጸጋምን ዝፈላለየ ስነሓሳባዊ ጸገም ንምእላይ፡ ምስ ኣጥዋፎም ክልተ ቶዮታ ላንድክሩሰር ዝመልኡ ኣባላት ምምሕዳር ፖለቲካውን ወትሃደራውን ቤት ጽሕፈታትን፡ ዮናስን ጴጥሮስን ናብ ከቲባ መጹ። ፈለማ ምስ ወትሃደራዊ መራሕቲ ከቲባን ኣብታ ከቲባ ከኣ ክሰምዑን ከስምዑን ይኽሉ’ዮም ዝተባህሉ ተጋደልትን ተራኺቦም ነቲ ጉዳይ ከጥልሉ እቲ ዝበለጸ ሜላ ምንባሩ ርኣዩ።
ኣኼባ ተወዲቡ፡ ተወካሊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ታሪኽ ዓለማዊ ዲሞክራስያዊ ቃልስን ምዕብልንኡን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጀብሃን ሰውራ ኤርትራን ኣተኵሩ ኣስፊሑ ገለጸ። ተራ’ቲ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ጀብሃ ተንተነ።
ሃገራዊ ነጻነታዊ ገድሊ ኤርትራ፡ ብዘይካ’ቲ ዲሞክራስያዊ ሸነኹ፡ ሰውራዊ ትሕዝቶን ትርጕምን ከምዘይብሉን፡ ንሱ፡ እቲ ኵሉ-ሸነኻዊ ፍትሓዊ ትሕዝቶ ሰውራ ኤርትራ ኴይኑ፡ መነሃርን መግብን ናይቲ ሃገራዊ ቃልስን ሸቶኡን’ውን ምዃኑን ኣብርሀ። “ ሃገራዊ ነጻነት ከፋት ኣፍደገ ንዝለዓለን ዝረቐቐን ሰውራ ድኣ’ምበር ንባዕሉ ውዱእ ዕላማ ኣይኮነን! ” ድማ ጸቐጠ ደጋጊሙ።
“ ነቲ ንጀብሃ ከዐሪ ዝተቃለሰ ከም ዲሞክራስያዊ ሓይልን ፊተውራርን ገሊጽካዮ። ከም ሓይልን ፊተወራርን ዝኣመሰሉ ኣምራት ምጥርናፍን ምውዳብን ይእምቱ። እሞ እቲ ምንቅስቓስስ ውዱብ ድዩ ኔሩ? እንተኔሩኸ ከመይ? ” ሓተተ በርሀ።
“ እቲ ምንቅስቓስ ብዕላማ ድኣምበር ኣብ ሓደ ውሱን ውድባዊ ቅርጻ ዝተጠርነፈ ኣይነበረን ” ዝብል ሓጺር መልሲ ተዋህቦ።
“ እሞ’ቲ ‘ ፊተውራሪ ‘ ዝብል ቅጽል’ሲ ቍሩብ ዝገፍሖ’ዶ ኣይመስለካን! ” ወሰኸ በርሀ። ሕቶ ኣይነበረን።
“ ነቲ ክዳን ክንመልኦ ተስፋ ኣሎና ” ሰሓቐ መላሲ።
ከምቲ ተነፊሕካዮ ዘሎኻ’ኳ ክንቐዶ ኢና! ሓሰበ ወራሲ። ወልዳይ ክህዝርጥ ጀሚሩ ኔሩ። በርሀ፡ ኣብ ጀብሃ ሚስጢራዊ ማርክሳዊ ውድብ ‘ተሃልዩ ኣጥቢቑ ሓተተ። ብቐሊሉ ብሰሓቕን ዋዛን ዝጥበር ኣይነበረን። ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ብኣሉታ ጥራሕ መለሰ።
“ እዚ ማለት ግን ማርክሳዊ ዝንባሌን ኣብኡ ዝተመርኮሰ ዝምድናታትን የሎን ማለት ኣይኮነን! ” ድማ ኣመልከተ። “ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ምስ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማ ዝጓነጽ ኣይኮነን። ከም ዝኾነ ካልእ ዝንባሌ ከኣ ኣብቲ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ክሳተፍን ጽልዋታቱ ከሕድር ክፍትንን መሰል ኣሎዎ ” አረጋገጸ።
“ እቲ ዝንባሌ ገዛእ ስነሓሳባዊ ቤት ትምህርቲ ከፊቱ፡ ገዛእ ካድራት መልሚሉ ብወግዒ ማርክስነት ከምህሩ ናብ ሰራዊትን ህዝብን ‘ናለኸ ከመይ ኣብ ጀብሃ ውዱብ ማርክሳዊ ማሕበር የሎን ትብል? ” ወጠረ ሸረፈዲን።
በርሀን ሸረፈዲንን ከካብ ተቓራኒ ኩርንዓቶም ህልውና ሰልፊ ክእመተሎም ደረኹ። እቲ ሕቶ ንዅሉ ካልእ ሕቶታት ዝምልስ ሕመረታዊ ነበረ። ነዚ ሕቶ’ዚ ከልዕሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ድማ ክልቲኦም’ዮም። በርሀ ብማርክስነት ዝተመሰጠ’ዩ። ዝቕይዶ ዲሲፕሊን ድማ ኣይነበሮን። እቲ ሰልፊ ብወግዒ ክህሉን ብወግዒ ድማ ክሰርሕን ደጋፊ’ዩ።
ሸረፈዲን ሓደ እዋን ‘ መሪሕነት ‘ ኔሩ። ገና’ውን ብመገዱ መሪሕነት’ዩ። እቲ መሪሕነት ዘይብሎን ከይበለ ዝብሎን ኢሉ ዘይብሎን ኵሉ ይፈልጥ። ነቶም እዞም ቈልዑት! ኢሉ ዘልዕሎም በጻብዕቲ ኣእዳዉ ዝሓለፉ ‘ መሪሕነት ‘ ድማ ፍርሒ ኣይነበሮን። ኣኽብሮት’ውን ውሑድ። ግን፡ ክውጥሮም ኢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ስነሓሳብ፡ ካብ ኩርንዑ፡ ነቲ ሃገራዊ ቃልሲ ክጐድእን ከዝሕጥን ተዓዚቡ’ዩ።
ኣብታ ሃገራዊት ዲሞክራስያዊት ጀብሃ ሕቡእ ማርክሳዊ ሰልፊ የሎን ኣረጋገጻ ክልቲአን ቤት ጽሕፈታት። “ ኣብቲ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሰውራ ጭቡጥ ሓባራዊ ጥቕሚ ስለዘለዎም፡ ንሱ ዝሓቕፎም ዝተፈለለዩ ሓይልታት ኣሎዉ። ንሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ድማ ብሰላማዊ ውሽጣዊ ዲሞክራስያዊ ውድድር ይፈትሕዎ። እቲ ዝዓብለለ ዝንባሌ ድማ ነቲ ምሉእ ምሕዝነት ብዘዕቅብ መገዲ ፖለቲካዊ መደባት ሰሪዑ የተግብር። ኣብዚ መድረኽ’ዚ እቲ ቅኑዕ መገዲ ቃልሲ እዚ ጥራሕ’ዩ ” መሓላ ጠሓላ።
“ ንስኻ፡ ወዲ ቀሺ፡ ኣባል ማሕበራዊ ቤት ጽሕፈት ኢኻ። ስለምንታይ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሽግርና ክትፈትሕ ንዓኻ ልኢኹ? ፖለቲካዊ ድኣ’ምበር ማሕበራዊ ሽግር የብልናን … ” ኣላገጸ ሸረፈዲን። ንዝፈልጥ ክትቕሽሽ ብርቱዕ’ዩ።
“ ኣባል ገድላዊ ባይቶ ከኣ’ዬ። ስለ’ዚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሽግር ክፈትሕ ይምልከተኒ’ዩ … ” ኣመኽነየ ወልዳይ ቀሺ። ንሱ፡ ንዝፈልጥ’ውን ይቕሽሽ’ዩ።
“ ከላም ፋርቕ! ” ሓረቐ ሸረፈዲን የማነይቲ ኢዱ ንታሕቲ ደርብዩ።
… ንቅድሚታዊ ጕዕዞ ታሪኽ ዘደናጕ ድኣ’ምበር ዝገትእ የሎን! እቲ ምስኣ ዘይተጓዕዘ ንድሕሪት ይሕደግ! እቲ ኣብ ቅድሚኣ ደው ዝበለ ድማ ኣብ ትሕቲ መንኮርኮራ ይጠሓን! … እዚ፡ ኣካታዒ’ኳ ‘ተኾነ፡ ካብቶም ፍቱዋት ጥቕስታት ጀብሃ ናይቲ ጊዜ’ቲ ነበረ። … እሞ፡ ሸረፈዲን ሓደ ካብቶም’ታ ባቡር ምዕብልና ጠንጢናቶ ዝኸደት ድዩ? ስለምንታይ’ዩ’ኸ ኣብታ ባቡር ዘይተሰቕለ? ስለምንታይ ኣብታ ባቡር ክስቀል ዘይተገብረ? ብንቕሓት ኣብታ ባቡር ክስቀል ስለዘይደለየ ድዩ? ናብ ዒላማ መገሽኡ ክበጽሕ’ከ ኣብታ ባቡር ክስቀል’ከ ግድን ድዩ? … ሚናብ’ዩ ንበይኑ ሃውቲቱ። ናብቲ ሰብ ዝስሕብን ነቲ ሰብ ዝነጽግን ዝተሓላለኸ ስምዒት ነበሮ። ኣብ ሃገራዊ ፍቕሩ፡ ተወፋይነቱ፡ ጽንዓቱ ጥርጥር ኣይነበሮን። ሃይማኖታዊ እምነቱ ድማ መሰሉ’ዩ። … ባህረታዊ ስነኣመራርሕኡ ዲሞክራስያዊ ኣይኮነን። እዚ ግን ፍልስፍና ኣይኮነን። ብዕድሜኡን ከባቢኡን ተሞኵሮኡን ዝተገልጸ ባህርያዊ ተረክቦ’ዩ። ‘ተዘራሪብካዮ ድማ ክርዳእን ክመሳሰልን ዘይክእል ኣይነበረን። ዲሞክራስያዊ ኴይኑ ዝተወልደ ድማ የብልናን …! ተተንከፈ ሚናብ ኣቦኡ ተተንኪፉ።
… መሪሕነት፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ገዲምን ሓዲስን ዝተፈጥረ ጋግ ጠባይን ስምዒትን፡ ተሞኵሮን ክእለትን ንቕሓትን ንምትዕርራይ ዝወሰደቶ ተግባራዊ መደባት’ኳ ዘየሎ! ተገረመ። እሞ እዚ ሰብኣይ’ስ እንታይ ስለዝገበረ’ዩ ወይስ ዘይገበረ ‘ የሚን! ‘ ተባሂሉ ዝፍንፈንን ዋጋ ተጋድሎኡ ዝስእን …? ብውሽጡ ተፏቜ። … እቲ ኣብ ሰውራ ከይበስበሰ ቀልጢፉ ዝተሰውአ ጥራሕ ድዩ’ቲ ‘ ሓደ ‘ ጅግና? ዓዋተ ክሳብ ሕጂ ‘ተዝነብር’ከ ..? ሕጂ ወዲ ስሳን ሽዱሽተን ዓመት ምኾነ … ። ኣብታ ባቡር ም”ተሰቕለ’ዶ ወይስ ም’ተጣሕነ? ወይስ ኣነ ጀሚረ’ዬ ንስኻትኩም ድማ ፈጽምዎ ም’በለ? ዓዋተ’ስ ም’በለ። ምናልባት ኣይምበለን። ላእ ምበለ። ርግጸኛ ካብ ዘይንኸውን ግን እቲ ሕቶ ከይተላዕለ እንቋዕ ቀልጢፉ ተሰውአ! እንቋዕ ጅግና ኣይሰኣን’ና! እዚ ግን ፍትሓዊ ኣይኮነን …!
“ እንታዩ’ቲ ፍትሓዊ ዘይኮነ? ” ተወከሱ ኣካየድቲ ኣኼባ።
“ ላእ ምስ ነብሰ’ዬ … ” በለ ሚናብ ሰንቢዱ’ታ መወዳእታ ሓረግ ከይተፈለጦ ስዒራቶ።
” እሞ’ቲ ናይ ምስነብስኻ’ዶ ቍሩብ መካፈልካና? ” ደረኾ’ቲ ኣባል ወትሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ካብ ነዊሕ ይፋለጡ’ዮም ርግጽ ደጋፊ ርእይቶ ተጸብዩ።
“ እቲ ዘረባ ምስ ነብሰይ’ዩ። ግድን ኣካፍለና ካብ በልካ ግን ተፈደል። ዝበለት ዘረባ ኣብ ሓንጐለይ ተሰዅዓ ከተዕገርግረኒ ሓዲራ። ድሓር፡ ዓዋተ ቀልጢፉ ‘ተዘይስዋእስ ጅግና ኴይኑ’ዶ ምቐጸለ ዝብል ሕቶ መጺኡኒ። ብዛዕብ’ዚ ብዙሕ ሓሲበ ከኣ እንቋዕ ድኣ ቀልጢፉ ተሰውአ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ ” ኢሉ ደው በለ። እቲ ኣኼባ፡ እታ ኣምላኸ ምትሃት፡ ባዕላ፡ ብኣካል ከም ዝሰረየቶ ጸጥ በለ። ኣዕይንቲ ፈጠጡ፡ ኣፍ ተኸፍቱ፡ ከናፍር ተጀልዑ ዓዋተ ተላዒሉ ጅግንነቱ ተሓቲቱ። ብኣካል ኣብቲ ኣኼባ ከይነብር ግዲ ጠርጢሮም የማነ ጸጋሞም ቍሊሕ ምሊሕ ዝበሉ ኔሮም። ድሕሪ ነዊሕ ጸጥታ ከኣ እቲ ኣባል ወትሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኣፉ ከፈተ። “ ዓወተን ጅግንነቱን ኣብዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘሎና ኣርእስቲ እንታይ ከምዘምጽኦም መብራህካልና’ዶ? ” ተወከሰ ነፍሲ ወከፍ ቃል ተጠንቂቑ ቃል ድሕሪ ቃል ኣውጺኡ።
“ ንስኻ! ” በለ ሚናብ ፍሽኽ ኢሉ። “ ውሽጣዊ ሓሳብካ ንገረኒ ኢልካኒ ነጊረካ።
ዓዋተ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘሎና ኣርእስቲ እንታይ ርእይቶ ም’ነበሮ ሓደ ክህውትተሉ ብቑዕ ዝኾነ ቴማ’ዩ። ከም ንቡር ኣብ ማእከል ኣኼባ ናብ ውሽጠይ ኣይህውትትን’ዬ። ገለጻኹም ኣይሰሓበንን ኣየዕገበንን። ዕቱባት ኴይንኩም ኣይረኸብኩኹምን። ነቲ ኣብ ከቲባ ዝተኾልዐ ፍንጫሕ ሽግር ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣይተገንዘብኩሞን። ‘ተዘይኴይኑ፡ ኣብዚ ኣኪብኩም ጽሑፋት መጺሔት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይምደጓሕኩምልናን። ንሽግርናን ንዓናን ዕቱብ ኣይወሰድኩሙናን ስለዚ ናብ ዓዋተ ኣስጊለ። ሓንቲ ነገር ክብለኩም ድማ ተማሕጺኑኒ። ኣብ ጕዕዞ ዘረባይ ክዝክረልኩም’ዬ … ” ኢሉ ደጊሙ ደው በለ። እቲ’ቲ ዘረባ ኣገዲስዎ ንቕድሚት ተወጥዊጡ ዝነበረ ኣባል ወትሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ቀስ ኢሉ ንድሕሪት ተመልሰ። ሽዓ፡ ክስማዕ ምዃኑ ፈለጠ ሚናብ።
“ መጀመርያ፡ እቲ ኣብ ጀብሃ ሕቡእ ማርክሳዊ ሰልፊ የሎን ዝተባህለ ኣይኣመንክዎን። ከምዘየሎ ከተረድኡኒ ጊዜ ከተጥፍኡ’ውን ኣይደልን። ህልውና’ዚ ሰልፊ’ዚ ንዓይ ሽግር ኣይኮነን። ሕቡእ ኴይኑ ክሰርሕ ዝገበርዎ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ሕጋውን፣ ግዳማዊ ዲፕሎማስያውን ምኽንያታት ከምዝህልዉ’ውን ይርድኣኒ። ብሸለልትነኩም እቲ ሕቶ ብቀጥታ ክሕተት ካብ ገበርኩም ግን ተረድኦና ብዘኽብር መገዲ ክትምልስዎ ኔርኩም።
ህልውና’ቲ ሰልፊ እመኑ ኣይትእመኑ፡ ነቲ ሕጂ ክብሎ ዝደሊ እቲ ባዕልኻትኩም ሕጂ’ውን ዝኣመንክምሉ ህልውና’ቲ ዝንባሌን ምትእስሳራቱን ዓብላሊ ተርኡ ኣብቲ ስልጣንን እኹል’ዩ።
እዚ ዝተጠቕሰ ዝንባሌ ነቲ ኣብ ውድብ ዝርከብ ጋግ ሓፈሻዊ ንቕሓት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሞንጎቲ ገዲምን ሓዲስን ተጋዳላይ ፈኸም ‘ናበለ ናብ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዝማዕበለ ጋግ ብንቕሓት ኣተኵሩ ከመዓራርዮ ኣይፈተነን። እቲ ገዲም፡ ኣብቲ ዝጸንሖን ዝፈልጦን ወትሃደራዊ ክንፊ ተሸኺሉ ንዅሉ ውድባዊ ንጥፈታት ካብ ወትሃደራዊ ባህልን ልምድን ጥራሕ ክጥምት ተሓዲጉ። እቲ ዕዮታት ፖለቲካውን ስነሓስሳባውን ምንቅቓሕ ድማ ሕዛእቲ’ቲ ሓዲስ ተጋዳላይ ኴይኑ። ብርእይቶይ፡ እቲ ግምጣሉ’ዩ’ቲ ኣፍራዪ ዝምነበረ። ብዝወሓደ ከኣ ምዝናቑ።
እዚ ስለዘይተገብረ ግን፡ እቲ ገዲም፡ ንነብሱ ከም እቲ ‘ ዝገብር ወትሃደር! እቲ ዝዋጋእ! እቲ ምእዙዝ! እቲ ጽኑዕ! እቲ ሓቀኛ ጀብሃ! … ‘ ወሲዱ፡ ነቲ ሓዲስ ከም ወትሃደራዊ ቁምነገር ዘይብሉ ‘ ኣፈጨለ! ሓደ ዓርሞሸሻዊ መልሓስ! ሃይማኖተኣልቦ ካፍር! እታ ሓንቲ ዕላምኡ ከኣ ንጀብሃ ካብ ውሽጢ ምቡዅቧኽ ጥራሕ ዝኾነ ፋሉል! ‘ ጌሩ ተረዲእዎ። እቲ ሓዲስ ድማ ነቲ ገዲም ከም ፖለቲካዊ የማን! ትሓዝ ጸኒሕ! ኣድሓርሓሪ! ለጓም ምዕብልና! … ተረዲኡ፡ ንነብሱ ከም እቲ ደላዪ ለውጥን ግስጋሴን ወሲዱዋ። እቲ ተራ ገዲም ተጋዳላይ ንማርክሰነት ከም ፍሉይ ከባሳዊ ስነሓሳብ ‘ተረኣዮ ኣይተጋገየን።
ኣብ ጀብሃ፡ ስነኣእምሮኣዊ ግርጭት ‘ተዘይኴይኑ ደርባዊ ግርጭት የብልናን። ኣብ ሃገርና ዶበን በሊሑ ዝተነጸረ ደርብታት’ኳ ዘይብልና! እዚ ባዕልኻትኩም ዘብራህኩሙልካን ሓቂ ከኣን እዩ። ስለ’ዚ፡ ኵሉ ፖለቲካዊ ዕዮታትና ካብ ንዘየሎ ደርባዊ ግርጭታት ምጽሕታር ነቲ ዘሎ ክዉን ባህላዊ ግርጭት ኣብ ምፍታሕ ዝያዳ ዘተኮረ ክኸውን ኔሩዎ በሃላይ’ዬ። ትሕዝቶ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ካድራት ብሃውሪ ዝተሰርሐ ድኣ’ምበር ንጀብሃ እንታይ የድልያ ተባሂሉ ዝተጸንዐ ኣይመስለንን። ከምኡ’ውን’ቶም ተመሃሮ።
ጀብሃ ንእሽቶይ ኤርትራ’ያ ተባሂሉ ተደጋጊሙ ይንገረና’ዩ። እዚ፡ ንዓይ፡ ኣብ ጀብሃ ብዙሕ ፍልልያት ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ኣብቲ ስልጣን ዝለዓለ ተራ ዘሎዎ ስነሓሳባዊ ምትእስሳር ነዚ ፍልልያት’ዚ ንምጽባብ ዝተጸንዐ ተግባራዊ መደባት ኣይሰርዐን። ኣይረኣናን። ጴጥሮስ ድማ ፈጣሪ የሎን ክብል ‘ናጋለበ መጺኡና! እንታዩ ከረጋግጽን ከዐውትን ደልዩ?
እወ፡ ኣብ ጥርናፌ ሓደ ውሁድ ስነሓሳብ ፍልልያት ውድብ ክለግሱ ክጸዓር ይከኣልዩ። ማለት – ሓደ ስነሓሳብ ሓደ ውድብ! እዚ ግን ነቲ ሽግር ብርእሱ ምሓዙ እመስለኒ። መጀመርያ እቲ ስነሓሳብ ዝህነጸሉ እምነሰረት ክንጸፍ ኔሩዎ። መጀመርያ መሰረታዊ ሽግራት ክንፈትሕ ኔሩና። ኣብ ጀብሃ ኵላትና ብቋንቋ ንረዳዳእ ዲና? እቲ ትግሪኛኛ ነቲ ቢለን፡ እቲ ባዛ ነቲ ዓፋር ይርድኦ ድዩ? እቲ ሓዲስ’ከ ነቲ ገዲም? እቲ ግምጣሉ’ኸ? ኵላትና’ኸ ክንጽሕፍን ከነንብብን ነቲ ዘንበብናዮ ድማ ክንርዳእን ንኽእል ዲና? ነዚ ሕቶታት’ዚ ብኣዎንታ ክንምልስ ‘ተዘይኪእልና ሓደ ስነሓሳባዊ ግንቢ ባቤል ጥራሕ ኢና ክንሃንጽ።
ካድራት ንሓፋሽ ኣኪቦም፡ … እግዚኣቢሔር የሎን! … ሃይማኖት ዓፍዩም’ዩ! ቅድሚ ምባል፡ እሞ በስተርጓሚ! ብክልቲኡ’ቲ ወግዓዊ ቋንቋታት’ቲ ውድብን ሃገርን ብዝወሓደ ክረዳድኡ ክኽእሉ ኔሩዎም። ቋንቋ ሃገር’ዩ! ምጥፋእ ፊደላዊ ድንቍርና ቅድሚ ምጥፋእ ስነሓሳባዊ ድንቍርና ክመጽእ ኔሩዎ መሰረቱ’ዩ።
እቲ ማርክሳዊ ዝንባሌ ግን ብታህዋጽ ጥረ ስነሓሳባዊ ትምህርቲ ቅልጡፋት ካድራት ኣፍርዩ ብዝቀልጠፈ ናብ ሓፋሽ ብምልኣኽ ቅልጡፍ ማርክስነት ምስፍሕፋሕ ዝቐለለ ኴይኑ ረኺብዎ። ምስ መን ትቐዳደሙ ከምዘሎኹም ድሓር ከተብርሁልና ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣብ ከቲባና ዝተፈጥረ ሽግር ግን ጠንቁ እዚ’ዩ። እቲ በደለኛ እቲ ውልቀ ካድር ኣይኮነን። እቲ ዝመልመሎን ዝለኣኾን ድኣ። ስለ’ዚ እቲ በዚ ሓላፍነት’ዚ ዝሕተት ኣካል መሪሕነት ጌግኡ ክኣምንን ክእርምን አተሓሳስብ።
ኣብዚ መድረኽ’ዚ ገድልና ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጥራሕ’ዩ። ካብኡ ናብኡ ከኣ’ቲ ሃገራዊ ሸነኹ ይቕድም። ነቲ ዝምድና’ቶም ሃገራዊ ሓይልታት ዘይዝርጉን ነቲ ሃገራዊ ቃልሲ ዘገልግሉን ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ኵሉ ሃገራዊ መርሓባ ኢሉ ዝቕበሎም’ዮም። ሰለስተ መድረኻት ነጢርካ ነቲ ቀንዲ ዕላማ ዝዝርጉ ምልዕዓላት ግን ለባም ፖለቲካ ኣይመስለንን። ካብ ኵሉ ድማ፡ ጀብሃ፡ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታት ኣትያ ከተቆማጥዕ የብላን። ርእይቶይ ከምዚ’ዩ። ‘ የሚን ‘ ተበልኩሙኒ ድማ፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ግን ከም ስልማት ኣብ ግንባረይ ክውቅጦ’ዬ። መን’ዩ የማን መን’ዩ ጸጋም ከኣ ጊዜ ባዕሉ ከበርሃልና’ዩ። ፈለማ ግን ነታ ሃገር ነጻ ነውጽእ! ” ደምደመ። ፈኾሶ ድማ። ዘረባ መድሃኒት ግዲ’ዩ!
“ ኣላህ የዲክ ዓፍያ! ” በለ ሸረፈዲን።
ሓድጉ’ውን ዝወጾ ዘይብሉ ዘረባ በለ። ቀጺሉ ድማ ‘ ሓደ ካድር ክሃንጾ ዘሎዎ ሰውራዊ ጠባይ ‘ ከም ኣርእስቲ ኣልዒሉ ንጴጥሮስ ሓመዱ ንላዕሊ ገበሮ። “ ንሓደ ካድር ካድር ዘብሎ ክልሰሓሳባዊ ኣፍልጦ ጥራሕ ኣይኮነን። ካድር ሰውራዊ ጠባይ’ዩ። እቲ ንጴጥሮስ ዘጋገዮ ድማ ድኽነት ሰውራዊ ጠባይ’ዩ! ቀንዲ ሕማሙ፡ ጴጥሮስ፡ ኣነነት’ዩ! ኢሉ ነታ ኣበር ኣንትዓ። “ ስለምንታይ’ዩ ሓደ ካድር ሓፋሽ ዘይከታተሎን ኣብ ዝምድንኡ ከኣ ዕግርግር ዝፈጥርን ዘይእዋናውን ትሕዝቶ ትምህርቲ ሒዙ ዝቐረበ? ” ኢሉ ሓቲቱ፡ ሓድጉ፡ መልሲ ከይተጸበየ፡ “ ነብሱ ናብ ሓፋሽ ክሸይጥ፡ ወልቃዊ ስንብራት ክሓድግ ስለዝደለየ’ዩ! ናይ ገዛእ ርእሱ ሕኑን ሰውራዊ ዝና ክሰርሕ ዝሓለነ ነብሰፕሮጋጋንዳ’ዩ! ተኾሊዑ ክርአ ዝደለየ ፖለቲካዊ ስሱዕ’ዩ! ” ኢሉ ሕቶኡ ባዕሉ መለሰ። ዝኾነ ካድር ድማ ብሰንኪ ጉጉይ ኣስተምህሮኡ ንዝፈጥሮ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውን ኣማሕጸነ! እወ፡ ጴጥሮስ ንሰላሕታዊ ዕዮታቱ ዓንቂፉ ብዙሕ ተቐዪምዎ ነበረ። ንሱ’ውን ተዛሪቡ ፈኾሶ።
ሓሰን ፋይድ ተንሰአ። እቲ ብድሕሬኡ ‘ መንቀርቀር ‘ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራሕ ሳልሰይቲ ሓይሊ’ዩ። ቀላል ሕቶ፡ ጀብሃ፡ እንታይ ዝዓይነታ ፖለቲካዊት ውድብ ምዃና ሓተተ። ሃገራዊት ዲሞክራስያዊት ግንባር ምዃና ሽሕ ጊዜ ዝተገልጸን ብዛዕብኡ ከኣ ኪሎሜተራት ወረቓቕቲ ዝተጻሕፈን ኴይኑ እቲ መልሲ ጠፊእዎ ኣይነበረን። እቲ ንቡር መልሲ ድማ ተዋህቦ። ጀብሃ፡ ናይ ኵሎም ኣብ ሃገራዊ ነጻነትን ዲሞክራስያዊ ምዕብልናታትን ረብሓ ዘሎዎን ኵሎም ኤርትራዊ ሓይልታት …. ‘ያ።
እቶም ሓይልታት እዝን እትን ኢልኩም ጠንቍሩለይ በለ ሓሰን። ሸቃላይ፡ ዓዃይ፡ ንኡስ ቡርጅዋ፡ ሃገራዊ ቡርጅዋ ተባህሎ።
“ እቲ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መደብዕዮ ንዅሎምዞም ሓይልታት እጥርንፍን ጥቕምታት ኵሎም ድማ ይውክልን’ዩ። ማርክስነት ግን ጥቕሚ ኵሉ ዝውክልን ንዅሉ ዝጥርንፍን ኣይኮነን። እሞ ኣብ ዘይመድረኹስ እንታይ ኣምጽኦ? ” ቀርቀረ ሓሰን።
… ሕመረት ሓይሊ ሰውራና ሸቃላይን ዓዃይን’ዮም። እቲ ምሁር ንሪስ ቡርጅዋ ድማ ይመርሖም። ስነሓሳብ ሸቃላይ ወይ ከኣ ቡርጅዋ ከኣ ይውክል ገዛእ ስነሓሳብ የብሉን። እቲ ማርክሳዊ ንኡስ ቡርጅዋ፡ ብንቕሓት፡ ረብሓታት ሸቃላይን ዓዃይን ይውክል። ርሑቕ ዕላምኡ ዴሳዊ ሰውራ ምክያድ’ዩ። እቲ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሰውራ ድማ ኣካል ናይቲ ርሑቕ ዕላማ ኴይኑ እቲ ሓፈሻዊ ንቕሓት ዝጸሮ ምቅርራባት ዝግበረሉ መድረኽ’ዩ … ፡ ተባህሎ።
“ እሞ ሓፋሽ ኣኪብካ፡ ‘ ሃይማኖት ዓፍዩም’ዩ! እግዚኣቢሔር ከኣ የሎን! ‘ ምባልስ፡ እቲ መድረኽ ዝጸሮ ዴሳዊ ምቅርራብ ድዩ? ማለትስ፡ ኣብ ሃይማኖትን እግዚኣቢሔርን ሃገራዊ ነጻነትን ዲሞክራስያዊ ምዕብልናታትን ዝኣምን ሓይሊ ኣብቲ ግንባር ኣሎ። ክህሉ ድማ ሃገራዊ መሰል ኣሎዎ ” ኣኽረረ መንቀርቀር።
ቀዳማይ ዕላማና ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽ’ዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ናይ ዘዓውቱ ሓልይታት ሓድነት ዝነጻጽል ፖለቲካዊ ኣስተምህሮን ተግባርን ቈልዓዊ’ዩ፡ ጌጋ’ዩ ኢልና ደጋጊምና ገሊጽና እንዲና! ኣንጸርጸረ መሪሕነት። ብዘይካ’ቲ ዲሞክራስያዊ ሸነኹ፡ ሃገራዊ ቃልሲ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ‘ቶም ቀንዲ ሓልታቱ – ዓዃይን ሸቃላይን ድኣ’ሞ ንምንታይ ንሃገራዊ ነጻነት ክቃለሱ? ኣጕልሐ። ዴሳዊ ሰውራ፡ ስነሞገታዊ መቐጸልታ ናይቲ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሰውራ’ዩ .. ደጋገሙ ኣካየድቲ ኣኼባ ደኾሞምን ትዕግስቶም ከኣ ወዲኦምን። ሓሰን ግን ገና ሕቶታኡ ኣይወድአን። “ ‘ቶም ካልኦት ሓይልታት’ቲ ግንባር ንዝኣምንሉ ስነሓሳብ ኣብ’ቲ ግንባር ንምስፋን ማዕረቶም ማርክሳውያን መሰል ኣሎዎም’ዶ? ” ቀጸለ።
“ እወ! ”
“ ኣቕሽሽትን ሸኻትን ኣምጺእና ብዛዕባ ኣምላኽ ክንሰብኽ ንኽእልዶ? ”
” ‘ተልዮሙኻስ ኣምጽእ ”
“ ሃይማኖትን ወድብን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት’ዮም። ሃይማኖት ብሕታዊ’ዩ ውድብ ግን ናይ ኵሉ ” በለ ሓደ ብኮፉ።
“ ኣነ’ውን ከምኡ”ዬ ዝበልኩ። ማርክስነት ሃይማኖት’ዩ ስለዚ ከኣ ብሕታዊ … ” ተሰማምዐ ሓሰን’ውን። ሓሰን ተዛሪቡ ግን ኣይፈኾሶን።
“ ከምኡ ማለተይ ኣይነበረን … ”
ኣብቲ ዘረባ ክልተ ኣይተገደሱን መሪሕነት። ከምቧህቑ ድማ ጀመሩ ኣብ መገዲ’ዮም ሓዲሮም። ሓደ ገና ዘይተተንከፈ ኣርእስቲ ግን ነበረ። ሕቶ ኣህጉራዊ ምሕዝነትን ስትራተጂ ዓወትን። ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ኣካል’ቲ ዴሳዊ ሰውራን ስትራተጅያዊ መሓዝኡን’ዩ ከኣ ኣረጋገጹ።
“ ንሰውራ ዝፈለጣን ዝሕግዛን ግን ሃገራት ኣዕራብ ጥራሕ’የን። ወይስ ዝሓባእኩሙልና ካልኦት ፈተውቲ ኣሎዋና’የን? ”
“ ስለዚ ከኣ’ዩ’ቲ፡ ሰውራ፡ ደገፍ ካልኦት’ውን ዘድልዮ …! ”
“ እሞ ነቲ ዘይተረጋገጸ ሓገዝ ዴሳዊ ደንበ ክንከስብ ነተን ድሮ ዝኸሰብናየን ሃገራት ‘ተከሰርናኸ …? ”
“ ምሕዝነታትና ክንውስን መሰልና’ዩ። ካብ ዝኾነ ክሕግዘና ዝደሊ ሓገዝ ክንቅበል’ውን። ስለዝሓገዘ ኣቅጣጫ መገድና ክሕንጽጸልና ዝደሊ ግን ኣይንቕበሎን። ድሓር’ውን’ኮ ዳርጋ ኵለን ሃገራት ዓረብ ምስቲ ዴሳዊ ደንበ ጽኑዕ ዝምድና ኣሎወን’ዩ። ገሊአን እኳ’ድኣ ምስኡ ጥራሕ። እቲ ኵሉ ካላሽናትና’ኮ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተሰርሐ ኣይኮነን …! ”
“ ክሳብ ሕጂ ንሰውራና ዝፈለጠን ዝሓገዘን ዴሳዊ ሃገር ግን የሎን! ”
“ ምስ የመን ጽቡቕ ዝምድና ኣሎና …. ”
“ ኣዝማምያ’ቲ ዴሳዊ ደንበ ግን ናብ ኢትዮጽያ ገጹ ይዝንብል ኣሎ …? ”
“ ነዚ ክንቃለሶ’ይና ….. ”
እቲ ኣኼባ ጎሳስን ኣሰልካዪን ነበረ። እቲ ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ኣሃዱ፡ ውዱባት ማርክሳውያን ኢና ብዕሊ ግን ኣይንብሎን እዩ ዝበለ። እቲ ሓደ ከኣ በሉዋ ድኣ በለ። ብዛዕባ’ቲ ምትእኽኻባት ‘ ዕዮ ‘ ከኣ ይፈልጥ’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ሚስጢራውነት ዝፈጥሮ ኵነት መለኮታዊ ኣድናቖትን ምድንጋጽን ሃገራዊ ርእሰዴሳውያን ክዓኵኽ ጀሚሩ ኔሩ። ንኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ከም ሓደ ‘ ብጹእ ‘ ማርክሳዊ ይዝረበሉ ኔሩ። ኣባል ማርክሳዊት ሰልፊ ሱዳን ዝነበረ ገዲም ኮሚንስት’ዩ! ተባህለሉ። ሓደ ሓጺር፡ ቍንጹብ፡ ትሑት ኣስከታዊ ‘ዩ። ኣብ ፈለማ ጦብላሕታ ዓይኒ፡ ርእሱ፡ ንመጠን ኣካሉ ዝገዘፈቶ ክሓስብ ጥራሕ ዝተፈጥረ ዓይነት ሰብ ይመስል። ካብቶም ‘ ራእሱ! ‘ ዝምተሰምዩ። ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ከኣ’ዩ ሓላፊ ማሕበራዊ ቤት ጽሕፈት። ሓንጎል ዝስርሓሉን ዝሕከመሉን ሰፊሕ ሓላፍነት። ብሰንኪ ምግዳሉ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ኣዝዩ ሸጊሩዋ ነብሳ ቀቲላ ይበሃል። ሓቂ ‘ተዄይኑ ምእንቲ ሰወራ ብርቱዕ ኣወፍዩ’ዩ። እቲ ሰብ፡ ድኹምን ሓያልን፡ ትሑትን ደፋርን፡ ልምሉምን ደረቕን ምንባሩ ይንገረሉ። እቲ ኣብ ኣኼባታት ፈጻሚት ሽማግለ ምስ ዓብደላ ኢድሪስ ዝፋጠጥ ንሱ ጥራሕ’ዩ ይበሃለሉ። ሆ ች ሚንህ ዝዓይነቱ ርእሰ ጸዳል ከኣ ተሰርሓሉ። ኣብ’ቲ ሓፋሽ መሰረት ግን ኣይርአን’ዩ። ከምዚ’ሉ እምበኣር፡ ከምቲ ወርትግ፡ ኣብቲ ሕቡእ፡ ኣብቲ ርሑቕ፡ ኣብቲ ምስጢራዊ፡ ኣብቲ ጸልማት ሓደ ርእሰዴሳዊ ሚጦስ ክሳብ ክዕንብብ ጀሚሩ ነበረ።
ዮናስ’ውን ነዊሕ ተዛረበ። ኣብ ሃገርና ኵሉ ሸነኻዊ ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል መሰረት ዝኸውን ባህላዊ ለውጥታት ክንሃንጽ ከምዝግብኣና በለ። እዚ ግን ክሳብ ሓድነቱን ዓወት ቀንዲ ዕላማታቱን ዘይትንከፉ ጥራሕ ክኸይድ ከምዝግብኦ ኣመነ።
ጴጥሮስ ቃል’ኳ ኣይበለን። ንሱ ኣይፈኾሶን።
ኣኼባ ብወግዒ ተዓጽወ። እቲ ኣባል ኣርካን ንሚናብ ኣግሊሉዎ ዕላል ቀጸሉ። ሸረፈዲን ተሓወሶም። “ ዓዋተ’ባ እንታይ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ’ዩ ተማሕጺኑካ? ” ድማ ተወከሰ።
“ እ? ” ኣንጎልሓጣ ኣዕይንቱ ንሚናብ።
“ እወ፡ ኣነውን ክሓተካ ‘ናበልኩ … ” ለቀበ’ቲ ኣባል ኣርካን።
“ ዓዋተ ኢሉኒ … እቲ ጀጋንኡ ዝቕንጽል ኣማስያኡ ነብሱ ይቕንጽል! ከመይ’ሲ፡ ጀጋኑ፡ እቲ ዘይነጽፍ ምንጪ ፍናኑ’ዮም ” ሰሓቐ ሚናብ።
“ ከላሙ ሳሕ! ዓዋተ ኣይጋገን’ዩ! ” በለ ሸረፈዲን’ውን ፍሽኽ ኢሉ። ከምቲ ብውላዱ ዝኾርዐ ወላዲ ድማ ጠመቶ።
ንጽብሒቱ ኣኼባ ከቲባ ‘ተገብረ። ካብቲ ንኡስ ኣኼባ ዝወሓደ ጊዜ ከኣ ወሰደ። ናስር ኢብራሂም ደጋጊሙ ናብቲ ሕኑን ጸጋም ‘ተዘይሃልል’ውን ኣዝዩ ምሓጸረ። እግዚሔር ይግበረሉ ግን ሓድጉ ልጓም ኣጽኒዑ ከረው ኣበሎ። ኣብቲ ኣኼባ ግን ኣብቲ ቅድሚት ኴይና ብዙሕ ዝለፍለፈት ሓንቲ ውቅብቲ ጓል ነበረት። ገለ ካብ ሓሳባታ ነቲ ንቡር ኣተሓሳስባ ጀብሃ ሓዲስ ነበረ። እቲ ሕልኽላኽ ተሞኵሮ ተግባራዊ ቃልሲ ዝጐደሎ ዝመስል የዋህ ርእይቶታታን፡ እቲ ተልመዴን ቋንቋኣን፡ እቲ ዓይኑ ዘፍጠጠ ተምሳጣን ርእሰኣማኒ ኣቀራርባኣን ግን ኣብ ኣዕይንቲ መሪሕነት ጕልሕቲ ገበራ።
“ እንታወይቲ’ያ’ታ ጓል …? ”

A chapter from ‘The Guardian of the Golden Tree’
Share if you like
Daniel Tesfai
The Author

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s