ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

መጽሓፍ፡ Things Fall Apart፡ ብሱል ኣእምሮ መንእሰይ ዝሃነጻ ጸላዊት መጽሓፍ፡ ብግርማይ ኣብርሃም

Things Fall Apart (ቲንግስ ፎል ኣፓርት)፡ ብሱል ኣእምሮ መንእሰይ ዝሃነጻ ጸላዊት መጽሓፍ  
                    ብጋዜጠኛ ግርማይ ኣብርሃም

መእተዊ

ኣብ 1958 ወዲ 28 ዓመት ዝነበረ መንእሰይ ቺኑዋ ኣቸበ፡ ነዛ ሕጂ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 12 ሚልዮን ቅዳሓት ዝሸጠትን ብልዕሊ 50 ቋንቋታት እተተጐመትን መጽሓፍ ‘ቲንግስ ፎል ኣፓርት’ (Things Fall Apart) ከሕትማ ከሎ፡ ክሳብ ክንዳኡ ዝናን ተቐባልነትን ክትረክብ ኣይተጸበያን። ድርሰት ወዲኡ ንሕትመት ከብቅዓ ምስ በለ ግርህ ኢሉ ዝተቐበሎ ኣሕታሚ ትካል ኣይነበረን። ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ግን ዝኣምነሉ ኣሕታሚ ረኺቡ፣ ቤት ማሕተም ዊልያም ሀይንማን ተቐቢሉዎ።

እንሆ ኸኣ ሎሚ ብእንግሊዝኛ ካብ ዝተጻሕፈ ኣፍሪቃዊ ድርሰታት ዝበዝሐ መጽናዕቲ ዝተኻየደላን ንንባብ ዝበቕዐትን መጽሓፍ ክትከውን በቒዓ። መጽሓፍ ቲንግስ ፎል ኣፓርት ንምብራቓዊ ናይጀርያ ምከና ብምጥቃም፡ ንባህሊን ያታን ህዝቢ ኢግቦ ብምጕላሕ፡ ብሰንኪ ምትእትታው መግዛእቲ እንግሊዝ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ልምድን ሕብረተሰብ ኢግቦ ፋሕጭንግራሕ ክኣትዎ ከሎ እተርኢ ልብወለዳዊት መጽሓፍ’ያ።

እዛ ኣብ ዓለምለኻዊ ስነ-ጽሑፍ ከይተጠቕሰት ዘይትሓልፍ መጽሓፍ፡ ኣፍሪቃዊት ምዃና ጥራይ ዘይኰነስ ከም ስነ-ጽሑፍ ብሉጽነታ ዘመስከረትን ብዙሕ ትምህርቲ ክቕሰመላ ዝግባእ ምስ ምዃናን ክትንበብን ክዝረበላን ኣገዳሲ’ዩ። ብሓደ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ገና ኣፍሪቃዊ ስነ-ጽሑፍ ብደረጃ ዓለም ትሑት ግምት ኣብ ዝወሃቦ ዝነበረ መዋእል ዝተሓትመት መጽሓፍ ቲንግስ ፎል ኣፓርት፡ ገና ዝጸሓፈላን ትንታነ ዝካየደላን ዘሎ መጽሓፍ ምዃና ምዝካር ጥራይ ከም ሓበን ኣፍሪቃውያን ከስምያ ዝኽእል እዩ።

ብዛዕባኣ ብዙሕ ተባሂሉ’ኳ እንተዀነ፡ ውርይቲ ኣቕራቢ መደብ ተለቪዥን ኦፕራ ዊን ፍረይ ዝበለቶ ምጥቃስ ንኣገዳስነታ ዘጕልሕ ኰይኑ እስምዓኒ፣ “እንተወሓደ ሓንሳብ ክንበባ ካብ ዘለወን ሓሙሽተ መጽሓፍቲ።” ቺንዋ ኣቸበ፡ ብዘይካ’ቲ ሓያሎ ዝረኸቦ ናይ ክብሪ ሽልማት ከም ደራሲ ካብ ቡከር ፕራይዝ ፎር ፊክሽን ናይ 120,000 ዶላር ሽልማት ከም ዝተቐበለ ምጥቃስ’ውን ኣገዳሲ’ዩ።

ጽማቝ ዛንታ

ትልሚ ወይ ፈትሊ ዛንታ ናይዛ መጽሓፍ፡ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ዝተመቕለ’ዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ሓደ ኦኮንክዎ ዝተባህለ ዓርጠም መንእሰይ ከመይ ኣቢሉ ኣብ ኡሞፍያ ዝተሰምየት ገጠር፡ ካብ ባዶ ተበጊሱ ናብ ሓደ ሓያልን ተፈራሕን ሰብ ክዓቢ ክኢሉ ይዝንቶ። ኦኮንክዎ፡ ምስ ሓደ ብቕልስ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ኣማሊንዝ ዘ ካት እተባህለ መንእሰይ ገጢሙ ምስ ተዓወተ’ዩ፡ ከምቲ ኣብቲ መጽሓፍ ዝግለጽ ስሙ “ከም ባርዕ ጫካ” ከስፋሕፍሕ ዝጅምር። ከም ድሙ ሕቖኡ ኣብ ባይታ ተንኪፉ ንዘይፈልጥ ኣማሊንዝ ገምጢሉ ባይታ ኣጥዒሙዎ’ዩ ኣኮንክዎ።

ኦኮንክዎ ብኣቦኡ ሕጕስ ኣይነበረን። ኣቦኡ ናይ ስራሕ መንፈስ ዘይብሉ ህኩይን ብለቓሕ ዝላደየን ሰብ’ዩ ዝነበረ። በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ ክቱር ንዕቀት ነይሩዎ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ኣብ ገዛእርእሱ ክገዝእ ፍቓደኛ ዘይነበረ ኦኮንክዎ፡ ዓዱ ምስ ምብያኖ ዝተባህለት ገጠር ኣብ ግጭት ምስ ኣተወት፡ መሪሑ ከም እትዕወት ብምግባር በዓል ውዕለት ደቂ ዓዱ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ጓል ዓዱ ዝቐተልሉ ሰብ ምብያኖ፡ ከም ካሕሳ ሓንቲ ሰበይቲን ኢኬሜፉና እተባህለ ወዲን ኣወፈዩ። ኢኬሜፉና ኸኣ ብሓደራ ዓዲ ንኦኮንክዎ ተረከበ።

ኦኮንክዎ ሰለስተ ኣንስቲ ነበራኦ፣ ኣቦ ሓደ ወድን ጓልን ድማ እዩ ዝነበረ፡ ንዎየን ኤዚንማን።

ኦኮንክዎ ከም ጠባይ ስምዒቱ ክጻወር ዘይክእል ቍጡዕን ንወስታ ድሕር ዘይብልን እዩ። በዚ ምኽንያት ብኣንጻር ናይቲ ኣብ ዓዱ ብጅግንነቱ ዘምጽኦ ክብሪ፡ መቕጻዕቲ ዘስዕበሉ ጥሕሰት ሕጊን ልምድን ዓዲ’ውን ይፍጽም ነበረ። ሓደ እዋን፡ ህዝቢ ኡሞፍያ፡ እቶቶም ክኽዕብት ምእንቲ ዝጽንብልዎ ቅነ ሰላም (Week of Peace) እተሰምየ ዓዲ ምልእቲ ብህድኣትን ሰላምን እተሕልፎ ወግዒ፡ ድራር ከይሰርሐት ጸጕራ ክትቍነን ንዝዘረት እጁጎ ዝተባህለት ሰበይቱ ክወቕዓ ከሎ ይዝንቶ። ብዘይካ’ዚ፡ ኦኮንክዎ እቲ ህዝቢ ኣብ ምውዳእ ዝናብ እቶት ያም እተባህለ ተኽሊ ምስ ኣኸለ ምስጋናኦም ዘብጽሕሉ ፈስቲቫል ያም ኣብ ዝጽምብለሉ ዝነበረ እዋን ነዲሩ ንቀዳመይቲ ሰበይቱ ብጥይት ገይሩ ክስሕታ ይረአ። እዚ ዘየመዛዝን ስምዒት ንኦኮንክዎ ኣደዳ መቕጻዕቲ እዩ ዝገብሮ። እዚ ይኹን’ምበር ዝተበየነሉ መቕጻዕቲ ካብ ምትግባር ድሕር ኣይብልን’ዩ።

ኣብዚ ክፋል እዚ፡ ካብ ምብያኖ ዝመጽአ ኢኬሜፉና ምስ ንዎየ ዝተባህለ ወዲ ኦኮንክዎ ዘሕልፍዎ ሕውነታዊ ፍቕሪ ይግለጽ’ዩ። ኢኬሜፉና ዛንታ ምጽዋይ ይፈቱ’ዩ። ንንዎየ ኸኣ የዘንትወሉን ይምስጦን። ንዎየ ጥራይ ዘይኰነ ግን ኦኮንክዎ’ውን ብፍቕሪ እቲ ከም ኣቦ ዘኽብሮን ዝልኣኾን ኢኬሜፉና ተረቲዑ’ዩ። እዚ ይዅን’ምበር፡ ኦኮንክዎ ተባዕታዊ ትምክሕቲ ስለ ዘለዎ ፍቕሩን ባህታኡን ብውሽጡ ክዓብጦ’ዩ ዝርአ። ኣደ ንዎየ ሕያወይቲ ኰይና ንወዳ ብዛዕባ ሰብኣውነትን ፍቕርን ዝገልጹ ዛንታታት ከተዘንትወሉ ትረአ። እዚ ይኹን’ምበር፡ ኦኮንክዎ ንንዎየ ይፈትዎ ኣይነበረን። “ልኡም እዩ፡” ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ ኸኣ ትህኪት ኣቦሓጎኡ፡ ኡኖካ፡ ከይወርስ ኣዝዩ ይሰግእ ነበረ። ብኣንጻር’ዚ ኦኮንክዎ ንኤዚንማ እትብሃል ካብ ኤክዌፊ እትብሃል ሰበይቱ ዝወለዳ ኣዝዩ የፍቅራን ብጥቡቕ ክቐርባን ይርአ። ካብ ዝነበሮ ሕሉፍ ተባዕታዊ ትዕቢት ድማ፡ “እዚኣስ ወዲ ክትኰነለይ ነይሩዋ፡” እናበለ ብምስትምሳል ክዛረብ ይስማዕ። ንዓኣ ግን ፍቕሩ ብግሁድ ክገልጸላ ኣይረአን።

ዓበይቲ ዓዲ ኡሞፍያ፡ ብመሰረት መምርሒ ልእኽቲ ኣማልኽቲ (Oracle)፡ ኢኬሜፉና ክቕተል ንኦኮንክዎ ትእዛዝ ሂቦምዎ። ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ምስ ኦኮንክዎ ዝዓበየ ኢኬሜፉና ንኦኮንክዎ ከም ኣቦኡ ስለ ዝርእዮ ግን ኦኮንክዎ ኣብቲ ቕትለት ኢዱ ከየእቱ ሓደራ ይብልዎ። እንተዀነ ሕጂ’ውን ካብ ተባዕታዊ ትምክቲ ተበጊሱ፡ ኦኮንክዎ ነቲ ከም ኣቦ ዘኽብሮ ኢኬሜፉና ይቐትሎ። በዚ ምኽንያት ንዎየ፡ ኣቦኡ ወላዲኡ፡ ነቲ ሓዉን ዓርኩን ኰይኑ ዘሳልዮ ዝነበረ ኢኬሜፉና ብምቕታሉ ምሒር ክጸልኦን ክጽየኖን ንርኢ። ዓሚቝ ሓዘን ከኣ ይስምዖ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ቀዳማይ ክፋል፡ ኦኮንክዎ ኣብ ቀብሪ ሓደ ሽማግለ ንሓደ መንእሰይ ወዝቢ ብጥይት ገይሩ ይቐትሎ’ሞ፡ ብመሰረት ሕጊ ኡሞፍያ፡ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ናብ ዓዲ ኣዲኡ ክስጐግ ይውሰን።

ኣብዚ ክፋል’ዚ፡ ወግዒን ልምድን ህዝቢ ኡሞፍያ ኣብ እዋን ኲናት፡ ማሕረስን ማሕበራዊ ህይወትን ንእግረመገዱ ይግለጽ’ዩ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል፡ ኦኮንክዎ ንሸውዓተ ዓመት መመላእታ ኣብ ዓዲ ኣዲኡ ምባንታ፡ ምስ ኣኮኡ ክነብር ይርአ። ኣኮኡ ነቲ ተባዕታዊ ትምክሕቲ ዝነበሮ ኦኮንክዎ ብዛዕባ ልዕልነት ኣደ የዘንትወሉ። ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ጸዓዱ ኣብ ኣባመ እትብሃል ዓዲ እግሮም ከም ዘንበሩ ይንገር። ጸኒሖም ኡሞፍያ ከም ዝኣተዉ ይዝንተወሉ። ህዝቢ ኣባመ ኣብ መሬቶም ንዝረገጹ ጸዓዱ ድሕሪ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንዝወረዶ ናይ ጃምላዊ ቅትለት ሕነ ምፍዳይ’ውን ብወረ ኣብ እዝኑ ይበጽሕ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ከም እንደገና፡ ወዱ ንዎየ ናብ ሃይማኖት ክርስትና ከም ዝተጸንበረ ይሕበር። በዚ ባህ ዘየብል ዜናታት፡ ኦኮንክዎ ሓንቲ ክገብር’ውን ብዘይምኽኣሉ፡ ከቢድ ጓሂ ይስምዖ። ነዚ ኵሉ ሓበሬታታት ጸይሩ ዝመጽኦ መዘናኡ ዝዀነ ኦቤሪካ’ዩ። ኦቤሪካ ኣብ ምሉእ እቲ ዛንታ ንነገራት ህድእ ኢሉ ዝርኢ ጠባይ ኰይኑ’ዩ ተሃኒጹ ዘሎ።

ኣብ ሳልሳይ ክፋል፡ ኦኮንክዎ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ጻንሖት ኣብ ዓዲ ኣዲኡ፡ ናይ መፋነዊ ወግዒ ገይሩ ንዓዱ ክምለስ ይርአ። ኣብ ዓዱ ዝጸንሖ ለውጥን ዕንወትን፡ ምህናጽ ቤተክርስያትን ጸዓዱን ኣዝዩ የጕህዮ። ህዝቢ ኡሞፍያ፡ ብፍላይ’ኳ እቶም ከም ጀጋኑ ኲናት ዝቝጸሩ ሰብ ሽመት ናብ ሃይማኖት ክርስትና ክልውጡን ኣገልገልቲ መግዛእታዊ ስርዓት ክዀኑን ፍጹም ክወሓጠሉ ኣይከኣለን። ዘይከም ቀደም፡ ኣብ ኡሞፍያ ዝነበሮ ክብሪ ክብሕጐግን ክስእኖን ከኣ ይጅምር።

ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ክፋል’ዚ፡ ሚስተር ብራውን እተባህለ ሚሽዮናዊ፡ ምስ ህዝቢ ኡሞፍያ ጥበብ ብዝመልኦ ኣገባብ ክዋሳእን ኣብ ምልዋጦም ተራኡ ክጻወትን ይርአ። ብድሕሪ ሚስተር ብራውን ዝመጽአ ሚሽዮናዊ ሚስተር ስሚዝ ግን ዘይጻወርን መላኽን ኰይኑ፡ ንህዝቢ ኡሞፍያ ኣብ ፍጹም ሕንፍሽፍሽ ከእትዎ ይርአ። ንዝነበሮም ኣምልኾ፡ ብመገዲ ሃይማኖቶም ዝለወጡ ደቂ ኡሞፍያ ኣቢሉ ከዕንዎን ብሰንኩ ድማ ከም ሕነ፡ ደቂ ዓዲ ቤተክርስትያን ከቃጽሉን ይርኣዩ። ብሰንኪ’ዚ ኦኮንክዎ ምስ ካልኦት ሰብ ዕድመ ጸጋ ኡሞፍያ ናይ ማእሰርቲ ዕጫ የጋጥሞ። ከም መቕጻዕቲ ብዝሕ ዝበለ ዛዕጎል ድሕሪ ምኽፋል ድማ ነጻ ተለቁ።

በቲ ዘጋጠሞም ዘሕንኽ መቕጻዕቲ ዝቐርሓነ ኦኮንክዎ፡ ሕነ ክፈዲ ይውጥን። ምስ ካልኦት ደቂ ዓዱ ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ ልኡኽ ኣኼባኦም ከቋርጹ ስምዕታ ከብጽሕ ይመጽእ’ሞ፡ ደሙ ዝፈልሖ ኦኮንክዎ ነቲ ልኡኽ ብጎዞሞ ገይሩ ክሳዱ ይስይፎ። ምስኡ ዝነበሩ ደቂ ዓዱ ኢዶም ክሕውሱ ኣይርኣዮምን። ኣዝዩ ኸኣ ይስምዖ። ሕርቃኑ ክጻወሮ ብዘይምኽኣሉ ድማ ንሱ’ውን ኣብ ገረብ ተሓኒቑ ነፍሰ-ቅትለት ይፍጽም።

ጦብላሕታ

ኣርእስቲ ናይዛ መጽሓፍ እንተ ተመልኪትናዮ ኣሉታዊ ኣመት ዘለዎ’ዩ። ቲንስግ ፎል ኣፓርት ዝብል ቃላት ካብታ ራኢ ዝሓዘለት ተባሂሉ ዝእመነላ፡ ካልኣይ ምጽኣት (Second Coming) ዘርእስታ ብ1919 ዝተጻሕፈት ግጥሚ ዊልያም ባትለር ዪትስ ዝተወስደ ሓረግ’ዩ። ‘ቲንግስ ፎል ኣፓርት’ ብመሰረት ብተከአ ተስፋይ ዝተሰናደወት መዝገበ ቃላት ኢንግሊዝኛ-ትግርኛ፡ “ፋሕፋሕ በለ፡ እናተፈላለየ ወደቐ፡ ተበታቲኑ ወደቐ፡ ፈራረሰ፡ ዓነወ” ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፡ “ምስራሕ ወይ ምህላው ኣቋረጸ፡ ተበታተነ፡ ፋሕፋሕ በለ። ውዕል መርዓ ወዘተ.” ዝብል ትርጉም ለቢሱ ይርከብ። በዚ መንጽር ክትርእዮ ከለኻ፡ ብፍላይ’ኳ ምስ ግጥሚ Second Coming ምስ ዝተኣሳሰር፡ እታ መጽሓፍ ገለ ተጠሚሩ ዝነበረ’ሞ ጸኒሑ ዝበታተን ነገር ሓዚላ ክትህሉ ከም እትኽእል ይእምተልካ’ዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ሕታም ናይዛ መጽሓፍ ኣብ ገበራ ሰፊሩ ዘሎ ስእሊ ቅብኣ ምስ እንምልከት ከኣ’ሞ ነቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ኣማቲ ይገብሮ። እቲ ገበር፡ ቁልቁል ኣፉ ዝተተኽለ ገጽ ሰብ ስለ ዘርኢ።

ኣርእስቲ ምስ ዛንታ ብልክዕ ተዛሚዱ ከም ዘሎ ዘግህዱ ፍጻመታት ኣብዛ መጽሓፍ መሊኦም’ዮም። ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ናይዛ መጽሓፍ፡ ኦኮንክዎ መወዳእታኡ ክብረት ዘስእን ሞት’ዩ ዝመውት። ቅድሚ ሞቱ ብደቂ ዓዱ ዝነበሮ ክብሪ ተመንዚዑ’ዩ። “ኣማውታ ከልቢ” ስለ ዝሞተ (ነፍሰ-ቅትለት ስለ ዝፍጽም)፡ ብመሰረት እምነት ህዝቢ ኡሞፍያ ሬሳኡ ውጉዝ ይኸውንን ኣብ ጐድፍ ይድርበን። ነፍሰ-ቅትለት ኣብ ህዝቢ ኡሞፍያ ምልክት ስብእነት ኣይኰነን። እቲ ብስብእነቱ ምኩሕ ኦኮንክዎ ኸኣ ናይ ስብእነት ሞት ኣይሞተን። ህዝቢ ኡሞፍያ ብዓቢኡ፡ ገረብ ብሓኽላ ከም ዝብሃል ብእምነት ሃይማኖት፡ ብግዝኣተ ሕጊ ወይ ምእዙዝነት፡ ባህልን ያታን ተፈላልዩ ንሓድሕዱ ክናቘት’ዩ ዝርአ። በዚ መንጽር ህዝቢ ኡሞፍያን ሓቚፍዎ ዝነበረ ንመዋእል ዘካየዶ መለለዪ ክብርታቱን ፋሕጭንግራሕ ኣትዩዎ’ዩ።

ናብ ኦኮንክዎ ምልስ ኢልና እንተ ተመልኪትና፡ ምስቲ ኵሉ ትብዓቱን ዝፈጸሞ ጅግንነትን ስንፍና ኣቦኡ እንተ ብእኡ ወይ’ውን ብውላዱ ከይስዕሮ ኣዝዩ’ዩ ዝፈርሕ። እዚ ብፍርሒ ዝተጐልበበ ትብዓት ክበሃል ዝከኣል ኵነተ-ኣእምሮ ኦኮንክዎ፡ ኣብ ሓያሎ ገጻት ናይዛ መጽሓፍ ይገሃድ’ዩ። ኦኮንክዎ ቍጡዕ’ዩ። ንኣንስቱ ክሃርመን፡ ክህድደንን ከነኣእሰንን ይርአ። ብመሰረቱ’ውን ኣንስታውነት ኣይብርሆን’ዩ። ድኹም ንዝበሎ ሰብ ክጻረፍ እንተዀይኑ፡ ብኣንስታውነት’ዩ ዝጽውዖ። ኣማስያኡ ሰብ ቀቲሉ ካብ ዓዲ ክወጽእ ምስ ተወሰነሉ ግን ኣብ ዓዲ ኣዲኡ’ዩ ክዕቘብ ዝረአ። እዚ ማለት ናብቲ ዝንዓቘ ኣንስታውነት ዑቕባ ሓቲቱ ማለት’ዩ። ወላ’ውን ኣኮኡ ብዛዕባ ብጹእነት ኣንስታውነት ክሓቶ ከሎ ዝምልሶ’ዩ ዝጠፍኦ።

ዓዲ ብኽብርን ፍርሕን ንእትጽንብሎ ሃይማኖታዊ ወግዒ’ውን ክጐስዮን ክሰብሮን ይረአ’ዩ። ጸኒሑ ነቲ ዝተበየነሉ መቕጻዕቲ ከተግብር ስለ ዝርአ ኸኣ፡ እሞ ድማ ነተን ብኣንስታውነት ዝተወከላ ኣማልኽቲ፡ ግርምቢጣውነቱ ይርኣየካ። ብሓፈሻኡ ግን ኦኮንክዎ መልሓሱ ዘይዓጽፍ፡ ውሳነኡ ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን፡ ጅግና ኡሞፍያ’ዩ። ጸገሙ ሰብኣዊ ኣበር ወይ ጕድለት’ዩ። ቍጥዓኡን ዘየተዓጻጽፍ ስምዒቱን ኣብ ጸገም ከውድቖ ንርኢ።

ብኻልኣይ ደረጃ ክዝረበሉ ዝከኣል ገጸ-ባህሪ፡ ንዎየ’ዩ። ንዎየ ካብቲ ናይ ኲናትን ደምን ዛንታታት ኣቦኡ ዝያዳ በቲ ናይ ኣደኡ ዛንታታት’ዩ ዝጽሎን ዝድረኽን። ኦኮንክዎ ነቲ ከም ዓቢ ዝርእዮ ጓሳዪኡ ዝነበረ በዓል ምባይኖ፡ ኢኬሜፉና ምስ ቀተሎ፡ ዘይፍትሓውነት እቲ ተግባር ክስቖሮ ዘኽኣሎ፡ ምናልባት እቲ ኣደኡ ተዘንትወሉ ዝነበረት ዛንታ ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ዘይፍትሓውነትን ስቅያትን ንኣቦኡ ምልክት ስብእነት’ዩ። ምናልባት ጸዓዱ ገዛእቲ ናብ ኡሞፍያ ምስ መጽኡ ቀልጢፉ እምነቱ ዘቐየሮ’ውን ሓደ ካብ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ገጽ 147 ናይዛ መጽሓፍ ኣዘንታዊ ብዛዕባ ንዎየ ከምዚ ክብል ኣስፊሩ ኣሎ፣

“ሞጎት ናይ ሰለስተነት ኣይኰነን ንንዎየ ዝመሰጦ። ኣይተረድኦን’ውን። ቅኔ ናይቲ ሃይማኖት’ዩ ኣብ ኣንጉዑ ኣትዩዎ። … ኣብቲ ጽሩይ መንፈሱ ኣትዩ ዝሃደኖ፡ ብኽያት ናይቶም ኣብ ጫካ እተደርበዩ ማናቱን ሞት ኢኬሜፉናን መልሲ ዝረኸበሉ ስለ ዝመሰሎ’ዩ። ቃላት ናይቲ መዛሙር ከም ነጠብጣብ ዝሑል ዝናብ ንጽሙእ ምድሪ እዩ ነይሩ። ዘይበሰለ ኣእምሮ ንዎየ እምብዛ’ዩ ድንግርግር ኣትዩዎ።”

ብተደጋጋሚ ሞይቶም ከም እንደገና ናብ ማህጸን ኣደኦም ይምለሱ ተባሂሉ ዝእመነሎም ከም መግለጺ ሕማቕ ፋል ዝርኣዩ ናጽላታት ናብ ጫካ ይድርበዩ ምንባሮም ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ንንዎየ ካብ ዝደሃሎን ኣእምሮኡ ዝቓነዮን ተርእዮታት ሓደ ከም ዝዀነ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ኦቤሪካ፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዛንታ ተገሊጹ ከም ዘሎ ህድእ ኢሉ ንነገራት ዝዕዘብን ዘስተውዕልን’ዩ። እዚ ይኹን’ምበር ነቲ ፍጻመታት ክልውጥ ወይ ኣንፈት ከትሕዝ ኣይርአይን’ዩ። ዳርጋ ልኡም ተራ’ዩ ዘለዎ ክበሃል ይክኣል። እንተዀነ፡ እታ ቲንግስ ፎል ኣፓርት ወይ’ውን ነገራት ከም ዝተበታተኑ እትገልጽ ሓረግ ካብ ልሳን ኦቤሪካ ክትወጽእ ኢና ንርእያ። ንሱ ንኦኮንክዎ ከምዚ ክብል ይዛረቦ፡ ጸዕዱ፡ “ነቲ ጠሚሩና ዝነበረ ነገራት ካራ ኣእትዮምሉ እዮም። ፋሕፋሕ ከኣ ኢልና ንርከብ።”

ሓደ ካብቲ ቺንዋ ኣቸበ ዝተጠቕመሉ ሜላ ኣዘናትዋ፡ ፍርዲ ብዘይምሃብ ልክዕ ከም ካሜራ ዝተራእየን ዝተዘርበን ጥራይ’ዩ ኣካፊሉ። ቲንግስ ፎል ኣፓርት ከም ኣርእስቲ መሪጹዋ ክንሱ፡ ካብ ልሳን ኦቤሪካ ከም እትወጽእ ምግባሩ፡ ወላ’ውን ከም ዝዀነ ጸሓፋይ ድምጹ ከስምዕ ይደሊ እንተዀነ ብጥበብ’ዩ ኣካዊንዎ። ብሓፈሻኡ’ውን ኣብዚ መጽሓፍ ፍርዲ ዝበሃል ንኣንባባይ’ዩ ተገዲፉ ዝርከብ። በዚ ምኽንያት ኣንበብቲ ኣብ ምርዳእን ምትንታንን እዛ መጽሓፍ ክፈላለዩ ባህርያዊ ኰይኑ።

ብሚስተር ብራውን ዝፍለጥ ገጸ ባህሪ፡ ንህዝቢ ኡሞፍያ ጥበብ ብዘለዎ መገዲ ክቐርቦምን ክልውጦምን ኢና ንርኢ። ብኣንጻሩ፡ ሚስተር ስሚዝ ተጻዋርነት ዘይብሉን መላኺን’ዩ። ነቲ ፋሕፋሕ ዘጐሃህሮ’ውን ንሱ’ዩ። ማስኬራ ለቢስካ፡ ብዓበይቲ ዓዲ ንዝግበር ዝነበረ ወግዒ ማሕበራዊ ህይወት ናይቲ ዓዲ ከንቱነት’ዩ ብምባል ብሄኖክ እተባህለ እምነቱ ዝለወጠ በዓል ኡሞፍያ ከም ዝቕንጠጥ ገይሩ’ዩ። እዚ ነቲ “ገረብ ብሓኽላ” ዝብል ኣበሃህላ ዘራጕድ’ዩ። ኣብ ምሉእ ዛንታ እንተርኢና’ውን ዝሞተ ጻዕዳ ኣይትርእን ኢኻ። ሄኖክ ወዲ ዓዲ፡ ምስ ደቂ ዓዱ ክብኣስ ንርእዮ። ኦኮንክዎ ዝቐተሎ ልኡኽ እውን ወዲ ዓዲ’ዩ። ኦኮንክዎ ንገዛእ ርእሱ ዝቐተለ ወዲ ዓዲ’ዩ። በዚ ኸኣ ሚስተር ብራውን ነቲ ብስጡምነቱን ምእዝዙነቱ ንልምድታቱን ዝፍለጥ ዝነበረ ህዝቢ ኡሞፍያ ንሓድሕዱ ክከራፈስ (ከፋፊልካ ግዛእ ሜላ መግዛእቲ እንግሊዝ) ጠንቂ ኰይኑ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ዛንታ፡ ኮሚሽነር ወረዳ (ጻዕዳ ምዃኑ’ዩ) ኣብታ ክጽሕፋ ዝሓስብ መጽሓፍ ብዛዕባ ኦኮንክዎ ክዛረብ ከሎ፡ “ዛንታ ናይዚ ነቲ ልኡኽ ድሕሪ ምቕታል ነፍሰ-ቅትለት ዝፈጸመ ሰብኣይ ንመጽሓፈይ ገለ መቐረት ክውስኸላ’ዩ። ምሉእ ምዕራፍ ከጽሕፈካ ይኽእል’ዩ። ምሉእ ምዕራፍ እንተ ዘይኰይኑ’ውን ብዝዀነ መለክዒ ሓንቲ ሕጥቦ ጽሑፍ ከጽሕፍ ይኽእል’ዩ፡” ይብል። እዚ ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ክገልጽ ዝደለየ ይመስል። ነታ ክጽሕፋ ዝሓስብ መጽሓፍ ከሎ ገና፡ ኣብ ጥንታውያን ዓሌታት ታሕተዋይ ኒጀር ሰላም ምስፋን ዝብል ኣርእስቲ ምሃቡ ኸኣ ቺንዋ ኣቸበ፡ ኣሽካዕላል ወይ ግርምቢጥነት (irony) ገዛእቲ ከጕልሕ ዝደለየ ይመስል። ምኽንያቱ መወዳእታ ዛንታ ብሰላም ዘይኰነ ብዕግርግርን ምብትታንን ስለ ዝዛዘም።

ኣብዛ መጽሓፍ ብዘይካ ናይ ኮሚሽነር ወረዳን ኦኮንክዎን፡ ሓያሎ ግርምቢጥነት ዘለዎም ተርእዮታት ይኽሰቱ’ዮም። ሚስተር ስሚዝ ቃል ክርስቶስ ክሰብኽ’ዩ ናብ ኡሞፍያ መጺኡ። ወላ’ውን ንሓያሎ ተነጺሎም ዝነበሩ (outcasts) ሓራ ከውጽኦም እንተኽኣለ፡ ነቲ “የማነይትኻ ዝወቓዓካ ጸጋመይትኻ’ውን ሃቦ” ዝብል ቃል ገልቢጡ፡ ስብከቱ ብሓይልን ምልክን’ዩ ከተግብሮ ዝፍትን። ብኣንጻሩ ከም በዓል ሄኖክ ዝኣመሰሉ ንጹላት ሕብረተሰብ ሓርነት ረኺቦም ክንሶም ነቶም ሓርነት ዝኸልእዎም ዝነበሩ ደቂ ዓዶም ናጽነት ክኸልእዎም ከለዉ ባህሪ ግርምቢጥነት ደቂ ሰብ ዘርኢ’ዩ።

ኣብዛ መጽሓፍ ውከላውነት ኣሎ። ኣብ ኡሞፍያ ኵብኵብታ ምስ መጽአ፡ ህዝቢ ክበልዖም’ዩ ዝርአ። እዚ ውራ’ዚ ነቶም ኣብ ዘይመሬቶም ወራር ዝፈጸሙ ጸዓዱ ይውክል’ዩ። ብሓቂ ኸኣ ሓይሎ ደቂ ኡሞፍያ ንጸዓዱ ሓቚፎሞም እዮም።

ኣብ ገጽ 153፡ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ፡

“ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ (ኦኮንክዎ)። ክድንግጸሉ ከም ዝደለየ ድማ እቲ ዝቃጸል ዝነበረ ዕንጨይቲ’ውን ኣስተንፈሰ። ኣዒንቲ ኦኮንክዎ ብኡንብኡ ተኸፍታ። ኵሉ ነጺሩ ኸኣ ተራእዮ። ቃልቃል ዝብል ሓዊ ዝሕቱልን ምዉትን ኣሞዅሽቲ’ዩ ዝወልድ። ከም እንደገና ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ።”

ኣብዚ ሓዊ ዘመልክቶ እንተሎ፡ ንውዑይ ስምዒትን ዘይተጸዓድነትን ኦኮንክዎ’ዩ ዝውክል። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዓለም ኦኮንክዎ ናብ ሓሙዅሽቲ ክትቅየር ኢና ንርኢ። ብዘይካ’ዚ ህዝቢ ኡሞፍያ ብጻውዒት ከበሮ’ዩ ክእከብ እንርእዮ። እዚ ዘርእየና እንተሎ’ውን ወላ’ውን ኣማስያኡ እቲ ህዝቢ ፋሕፋሕ ክብል ንርኣዮ፡ ዝነበሮ ሓድነት ወይ ሓደነት ህርመት ልቢ’ዩ።

ቲንግስ ፎል ኣፓርት፡ ከይፈተኻ ካብ ኮፍ ዝበልካዮ ከይተንሳእካ ናብ ናይጀርያ ብፍላይ’ኳ ናብ ህዝቢ ኢግቦ እተጕዕዘካ መጽሓፍ’ያ። ቺንዋ ኣቸበ ምከና ዛንታ ኣብ ናይጀርያ ምግባሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንገለ መጸዊዕታትን መግለጺታትን ቋንቋ ህዝቢ ኢግቦ ከይተርጐመ ከም ዘለዎ ከስፍሮ ምኽኣሉ ዘድንቖ’ዩ። ብዘይካ’ዚ 21 ምስላታትን ኣርባዕተ ጽውጽዋያትን ህዝቢ ኢግቦ ኣብቲ ዛንታ ከካትቶ ምኽኣሉ ነታ መጽሓፍ ብሓቂ ናይጀርያዊት ክገብራ በቒዑ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ባህልናን ልምድናን ዝተጋጠመ ነገራት ኣብዛ መጽሓፍ ከይረኸብኩ ኣይተረፍኩን። እምነታት ማሪታዊ ይኹኑ ሃይማኖታዊ ምስዚ ኵሉ ጂኦግራፍያዊ ርሕቀት ክራኽቡ ምርኣይ ዘየገርም ኰይኑ ኣይስምዓንን። ምሸት ምድሪ ፋጻ ምግባር ሕማቕ ምዃኑ፡ ንጋሻኻ ኣቐዲምካ ጥዒምካ ዝስተ ነገር ምእንጋድ፡ ዓይነይ ፈርፈር ኢላትኒ ምባል፡ ብቐርኒ ገይርካ መስተ ምስታይን ጥሪት ምዝራዕን ካብቲ ኣብዛ መጽሓፍ ዝረኸብኩዎ ምሳና ዘለዎ ተመሳሳልነት እዩ።

ግርማይ ኣብርሃም

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s