ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

   ሕምባበ ለውጢ ኢትዮጵያ፡          ንድፍኢት ‘‘መዝሙር ሰላም” ምስ ኤርትራ ኣንገሶም ኢሳቕ

                               ሕምባበ ለውጢ ኢትዮጵያ፡
                      ንድፍኢት ‘‘መዝሙር ሰላም” ምስ ኤርትራ
             መርገጽየይ ንጭርሖ ‘‘መዝሙር ሰላም” ኤርትራን ኢትዮጵያን
                                    ካብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ – 

                                                                          እንገሶም ኢሳቕ

 እዚ ጽሑፍ ክፋል ናይ’ቲ ኣብ ታሕቲ ብ PDF  ተጻዒኑ ዘሎ ደኣ’ምበር ብምሉኡ ኣይኮነን። ኩሉ ንኸተንብብዎ ነቲ ፋይል ምውራድ ከድሊየኩም ምዃኑ ክሕብረኩም እፈቱ።  ኣሰናዳኢ መኣዝን!

  …………………. ንዓና ነቶም….. ዋጋ ሰላም ህይወት ኣሽሓት ኣቦናን ኣዴናን ስኢንና፡ ሕቝፎን ሕንቃቐን ሓሪሙና፡ ዝዘኽተምና። ዋጋ ሰላም ወድናን ጓልናን ስኢንና፡ ፋርኔሎ ሓቝፍና ዝተረፍና፡ ጸሙዩና፡ ጥውርና ዝኸበደና። ዋጋ ሰላም ሰብኣይ ሰበይቱ፡ ሰበይቲ ሰብኣያ ስኢንና፡ ፍቕሪ ዝተዓንጸልና ሓዳር ዝተጕርሸና። ዋጋ ሰላም ሓው ሓውትና ስኢንና፡ መሳሕቕትን መቛይቕትን ዘይብልና፡ ካብ መኣዲ ናብ ብያቲ ጸሪና፡ ዝቝረርና። ዋጋ ሰላም እወ. . . . ግዳይ ድርብራብ ጾር ስንክልና ኴንና፡ ንእስነትና ኣብ መራዅስን ዓረብያታትን ስንኵላን ዘብለና. . . . ኤርትራውያን ምዃኑ. . . ፍሉይ‘ዩ። ፍሉይ !

እቲ ጻውዒት ን ‘‘ መዝሙር ሰላም ‘‘ ካብ ወገን‘ቶም. . . . እዚ ዅሉ ዋጋ ክንከፍል ዝገበሩ፡ ጕረቤት ኢትዮጵያውያን ምዃኑ ኸኣ፡ ነቲ ፍሉዩነት ብቐይሕ ድርብ መስመር ኣጕሊሕና ( heighlight´s ጌርና ) ክንምርምሮ፣ ካብኡ መርገጺና ከነነጽር ንዓና ንኤትራውያን ሕጂ ግዴታ ነብሲ ወከፍ‘ዩ ብሃላይ‘የ።

ካብ 1969 ክሳብ 1974 ቀዳመይቲ መኒስተር እስራኤል ዝነበረት ወይዘሮ ጎልድ ማየር፡ ንወጥሪ ኵናትን ወረ ኵናትን ብምምልካት፡ ሽግር ኣዕራብን እስራኤልን መዓስ‘ዩ ዝፍትሓ ዝብል ሕቶ ቀሪቡላ። ወይዘሮ ጎልድ ማየር. . . . ‘‘ ሰላም. . . . ዝወርድ ኣዕራብ ካብ’ቲ ንዓና (ንስራኤላውያን) ዘለዎም ጽልኢ ንላዕሊ ንደቆም ምስ ዘፍቅሩ’ዩ ’’ ኢላ መሊሳ።

    Golda Meir Asked when she thought the Arab problem would be resolved, she said: ‘When the Arabs love their children more than they hate us.’        By Richard Cavendish

                                            Published in History Today Volume 59 Issue 3 March 2009

ናይ ወይዘሮ ጎልድ ማየር መልሲ፡ ንነብሰይ ኣብ ታኼላ ሕሰም ውጹዓት ፍሊስጠማውያን ኣዕራብ ኣእትየ ክርእዮ’ንከለኹ፡ ፍጹም ብድዐ’ዩ። ኣብ ኵውንነት ኤርትራን ኢትዮጵያውያን ጕረቤትናን፡ እንተመጺኻ ግን፡ መልሲ ወይዘሮ ጕልድ ማየር ፍጹም ርትዓዊ’ዩ። ኢትዮጵያውያን ሊሕቃንን ( intellectual ) መንግስታቶምን፡ ካብ’ቲ ንኤርትራዊ ድሂኽካ ባሕረ መሬቱ ናይ ምውናን ህርፋኖም፣ ዝያዳ ንህይወት ናይ’ቶም ኣብ ውግእ ምስ ኤርትራ ዝኸፍልዎም ደቃቶም፡ ምስ ዘፍቅሩ’ዩ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነባሪ ሰላም ዝወርድ፡፡ ኣርባዕተ ነጥቢ።

ርዱእ’ዩ. . .በታ ንኢትዮጵያውያን ትምልከት፡ ሓንቲ ካብ ድርብ ቀይሕ መስመር’የ ጀሚረ ዘለኹ።

ሕጂ. . . . ኣብ’ዛ ዘላ ህልውቲ ኵነታት ኢትዮጵያ፣ ጻውዒት ’’መዝሙር ሰላም’’ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ወርቂ ዕድል’ያ። ንኢትዮጵያውያን ግን ዝያዳና፡- ምናልባት ካብ ኣልማዝ ዝልዕል ካልእ ማዕድን እንተሎ ኣይፈልጥን‘የ ፣- ንኢትዮጵያውያን እዛ ዕድል እዚኣ ከም ኣልማዝ’ያ።

እሞ’ኸ. . . . ጸዋዕቲ ’’ መዝሙር ሰላም ’’፣- እዚ ንኤርትራ ወርቂ፡ ንኢትዮጵያ ኸኣ ካብኡ ንላዕሊ ኣልማዝ ዝዅነ ዕድል ናይ ግዜ፡ ወዝቢ ተኸሲትሎምን ብልቢ ክውፈየሉ ተመባጺዖምን ድዮም ዝጽውዑና ዘለዉ. . . ? ከም’ቲ ዝበልዎ፡ ተበግሰኦም ብሓቂ ግላዊ እንተዅይኑ’ኸ. . ? ክልቲኡ፡ ማለት ኵናት ይዅን ኣይኵናት ኣይሰላም ይዅን፡ ካብ ንኤርትራ ዝያዳ ንኢትዮጵያ ከም ዝጕድኣ ተረዲእዎም’ዶ ይኸውን. .?

እዚ ንኢትዮጵያ ወጢርዋ ዘሎ ቅልውላው ከቢድ ሕርሲ፡ ምናልባት ካብ’ቲ ንኤርትራዊ ድሂኽካ ባሕረ መሬቱ ናይ ምውናን ህርፋን ንላዕሊ፣ ዝያዳ ንህይወት ናይ’ቶም ኣብ ውግእ ምስ ኤርትራ ዝኸፍልዎም ደቃቶም ዘኽብሩን ዘፍቅሩን፣ ኢትዮጵያውያን ዝቕልቀልሉ ፈላሚ መድረኽ ናይ ሰናይ ግዜ ዶኽን’ኸውን.? ተስፋ እገብር. . .!

ደጊም. . . . ደቂ ደቀይ ኣብ ዝርእየሉ ደራጃ ዕድመ’የ ዘለኹ። ኣነ ኣብ ቍልዕነተይ ካብ ግዜ ንጕስ ሃይለ ስላሳ፣ ዳሓር ከኣ ኣብ ብጽሕነተይ ደርግ ናይ ዝተባህለ ሓለቓ ሰይጣውንቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ መርሕቲ ኢትዮጵያ፣ ብጀካ ’’ በለው ግደለው ’’ ሓውን ዓረርን ሞትን ሞቝሰልትን፡ ዝርኣኽዋ ቅንጣብ ናይ ሰላምን ኣንፊ ጽቡቕ ተስፋን፡ የላን። ሓንጎልን ጕልበትን ኵለንትና ብቕዓት ንእስነተይ፡ ከም ዝበዝሑ ሰባት ናይ ታሪኽ ግዝየይ፡ ብምግዳል’ዩ ተጠሪሱ።

ዳርጋ ድሕሪ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ምፍልላይ ግዝያት ገድሊ፡ ምስ ብዙሕ በሰላታት ውግእ፡ ናብ’ታ ካብ ዕድመ ምሽራፍ ስነይ ቍሩብ ክብ…ብ.! ምስ በልኩ ዝተፈልኽዋ ገዛና፡ ኣብ ናጽነት ግንቦት 1991 ተመሊሰ። ከም’ቲ ኣብ ላዕል ዝበልክዎ፡ ወለደይ . . . ካብ ሾመንተ ውላድ ከስዐኦም፡ ሸውዓተ ናብ ገድልን ስደትን ፋሕፋሕ ኢልና፡ ሓደ ሕሳስ ልደ ወዲ ጥራይ ሒዞም፣ ካብ መኣዲ ናብ ብያቲ ጸርዮም፣ ኣብ ዕብየቶም ጥውርና ከቢድዎምን ቍሪሮምን ጸኒሖሙኒ።

ናጽነት . . . ተስፋ መለሳ ጽቡቕ ግዜ ስለ ዘሕድሪሎም፣ ውህሉል ሕሰም ዝደወኖ ገጻቶም ፍሽኽታ’ኳ እንተ ዘይተፈልዮ፡ ደጋጊሞ’ም. . . . ኣብ ነብሰይ ዝነበረ በሰላታት ውግእ እና ረኣዩ ግን እነብዑ ነይሮም። ድሓር ምንጋር ስማት ስውኣት መጺኡ፡፡ ገዛና መስዋእቲ ምዕባየይ ሓወይ፡ መስፍን ኢሳቕ ምስ ተነግሩ፡ ንበሰላ ውግእ ናተይ ብጻጋ ተቐቢለሞ። እቲ ካብ ኵሉ ጽንዓት ዝሃቦም ግን፡ ኣብ ጕረቤትና እንዳቦይ ገብረመድህን ( እምባርዳእ ) መስዋእቲ ናይ ኣርባዕተ ድቆምን ሓሙሻይ ሰብኣይ ሃና ጓሎምን ምስ ተነገሩ’ዩ። ካብ’ታ ገዛ ካብ ዝወፈሩ፡ ሓሙሽተ ትንፋስ ዋላ ሓደ’ኳ ኣይተመልሰን።

ሽዑ. . . ኣቦይን ኣደይን፡ ነቦይ ገብረመድህንን ብዓልቲ ቤቶም ኣደይ ለትንክኤልን፡ ዝሃበ ጽሮት ምስ ዛንታ ብጹእ እዮብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እና ኣነጻጸሩ፣ ምቕሊ ንዝሃቦም ኣምላኾም ከየቝጥዑ፡ ብዛዕባ ጕድኣቶም በጨቕ..ቕ.! ምባል’ውን ገዲፈሞ። ወትሩ ኣብ ጸሎተ ምህላሌኦም ዘይተባትኽ ሓንቲ ምሉእ ሓሳባት ግን ነይራ። ’’ ኣምላኽ ብእኡ ይኣኽለኩም፣ ንሱ ይዅን መፈጸምትኡ ይበለና ’’ ትብል።

ኣቦይ ዳግም ክፉእ ኣይትርአ ኢልዎ ፈጣሪኡ፡ ቅድሚ ምብራዕ ዳግማይ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ ዓሪፉ። ይውኣያ ኣደይ ግን፡ እቲ ዅሉ ምህላሌኣን ጾመ ጸሎታን እንታይ ኵይኑ ከም ዘይሰመረላ፡ ምስ ነብሳ ክሳብ እና ተሓሳሰበት፣ ምቕሊ ገድልን ውላድ ሓድግን ዝለኻኸመ ዳግማይ ውግእ ክትርኢ ጸኒሓ። ኣይጸናሕ. .!! ሕሳስ ልደ ውላዳ፡ ሓሙሻይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵይኑ፡ ዳግም ኣብ ዘተባርዕ ኵናት ተጸሚዱ። ኣብ ርእሲኡ ካልእ ነደይ መዓንጣ ከብዳ ዝዅምተራ ጕዳይ ከኣ ነይሩ፡፡ መስዋእቲ ምዕባየይ መስፍን ሓወይ፡ ኣብ’ቲ 1978 ቀዳማይ ወራር ድርግ ንምምካት፡ ጕርሁ ስርናይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ መሬት ትግራይ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ብምዃኑ፡ ክቡር ዓጽመ ስጋኡ ኣብኡ’ዩ ዓሪፉ ዘሎ።

ኵልና ከም ንዝክሮ ድማ፡ ካብ ሰነ 1992 ጀሚሩ፣ ወትሩ ምስ መዓልቲ ብዓል ስውኣት 20 ሰነ፡ ኣስከሬን ስዉኣት ፋሕ ካብ ዝበሎ ቦታታት ጕቦን ስንጭሮን፡ ተተላዒሉ ንዕኡ ኣብ ዝተኸለለ መቓብር ሓርበኛታት ዳግም ከም ዝዓርፍ እግበር ነይሩ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኣደይ ‘ ሓደ መዓልቲ ውን’ምበኣር እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ፡ ከም ናይ ስዉእ ወደይ መስፍን ኣስከሬን ተላዒሉ፡ ናብ ኤርትራ ብምምጻእ፣ ሓመድ ሃገሩ ክለብስ’ዩ ‘ ኢላ ሃረር እናበለት’ንከላ’ዩ፣ ዳግም ኵናት ዝተባርዐ። ሽዑ ኣምሪራን ናይ ልባን ረጊማ፦- ’’ ኤህ. . ህ. ህ. ! ደኣ መልስ ዜናዊ‘ሲ። ቍስልኹም ኣይትሕከኹ ኢሉ’ባ ጕድ ገይርና ’’ ብምባል።

ሽሕጣን ’’ ቍስልኹም ኣይትሕከኹ ’’፡ ናብ’ቲ ሓደ ካልእ ጫፍ ናይ ጽልኢ ተጠምዚዛ፣ ’’ ሕብሪ ዓይንኹም ባህ እንተ ዘይበለና’ኸ…. ’’ ምስ ተባሃልና፡ ካብ’ቲ ውግእ ንላዕሊ ክሳብ ክንደይ፡ ልቢ ኤርትራውያን ከም ዘድመየትን ልቢ ለባማት ቍንጣሮ ኢትዮጵያውያን ከኣ ከም ዘሰንበረትን መቸም ፍሉጥ’ዩ።

ብዘይ ቀላዓለም ንዛረብ እንተልና ግን፡ ዋላ እዞም ሕጂ ጽላል ኤርትራ ረኺቦም ንግዝኣት መንግስቲ ወያነ ዝቃለስዎ ዘለዉ ብዓል ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ከይተረፉ፣ ሽዑ ’’ ዓገብ. ብ. .! ምስ ኤርትራውያን ዘራኽበና ድንድል ፈጺምና ኣይነዕንዎ ’’ ኣይበሉን። ካብ ኵሎም’ቶም ሊሕቃንን ልሉያት ዝብሃሉን ሰባቶም፣ ዉሑዳት ’’ ሕያዎቶም ’’ ኣስቂጦም’ዮም። ዝበዝሑ ግን. . . መለስ ዜናዊ ‘’ ኤርትራውያን ሕብሪ ዓይኖም ባህ እንተ ዘይበለና’ኸ. . . ’’ ክብል’ንከሎ፣ ጽኑዕ ማሕተም መረጋገጺ ፍጹም ምብታኽ ሻዕብያን ወያንን’ዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ ኣጣቒዐሙሉ’ዮም።……………………

ምሉእ ዓንቀጽ ንምንባብ ኣብ’ዚ ሊንክ ጠውቑ   (..ሕምባበ ለውጢ ኢትዮጵያን መዝሙር ሰላም ምስ ኤርትራን ..)

 

ምንጪ In Quest of Freedom, facebook page

photo credit Tesfanews.net

Writer  Angesom Esak

 

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s