ዝተፈላለዩ ጽሑፋት

ጠንቅታት ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998 – 2000 Yikealo Beyene

ጠንቅታት ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998 – 2000
===============================
ብዙሓት ጸሓፍቲ ከም ዝጽሓፍዎ፡ ቀንዲ ጠንቅታት ናይቲ ደማዊ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998 -2000 ኣብ 3 ከፋፊሎም የቕርብዎ – ምጣነ-ሃብታዊ (ቁጠባዊ)፡ ታሪኻውን ጉዳይ መሬትን። እዞም ጠንቅታት ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ውን ይመስሉ። ብዝበለጸ ንምርዳእ በብሓደ ንርኣዮም።

ታሪኻዊ፦
———
Martin Plaut ከም ዝጸሓፎ፡ ህውሓትን ህግሓኤን ኣብ ሜዳ ኣብ ዝነበረን ዝምድና ብዙሕ ዘይምቅዳው ነይሩወን’ዩ። ህውሓት ንናጽነት ትግራይ ክሳብ ምግንጻል ዕላማ ሒዛ ክትቃለስ ምስ ወፈረት፡ ህግሓኤ ግን ትግራይ ዘይከም ኤርትራ፡ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን ዝኾነ መሰረት ከም ዘይብላ ኣረዲኣ። ህውሓት ከይተዋሕጠሎም ነቲ ሓሳብ ተቐቢሎሞ፤ ጸኒሖም ከኣ ንህግሓኤ ኣብ መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብሄራት ክሳብ ናይ መሰል ርእሰ-ውሳነ መሰል ክተፍቅድ ሓሳብ ኣቕሪቦም። ህግሓኤ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ኣይተቐበልዎን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣዚዩ ኣቖጢዑዎም። በዚ ከኣ ህውሓት ምስ ህግሓኤ ዘለዋ ዝምድና ብምስጢር “ስልታዊ” ጥራይ ምዃኑ ወሰነት። ብወገን ህግሓኤ ግን እቲ ዝምድና ስልታዊ ዘይኮነስ ቅንዕና ዘለዎ መትከላዊ’ዩ ኢሎም ክኣምኑ ጸኒሖም፡ ናይ ህውሓት ምስጢር ምስ ፈለጡ ዝምድናኦም ክበትኩ ወሰኑ። ንኣብነት፦ ኣብ 1985 ኣብ ትግራይ ከቢድ ድርቂ ስለዝነበረ፡ ረድኤት ካብ ሱዳን ብሓራ መሬት ኤርትራ ናብ ትግራይ ምእታው ህግሓኤ ከልኪላ። ብሰንኪ ድርቂ ብዙሕ ህዝቢ ሃሊቑ። ህውሓትን ህዝቢ ትግራይን ብውሳኔ ህግሓኤ ተቐዪሞም እዮም።

ብዘይካ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ዘይተመልከተ ዶብ ሓደ ካብ መስረትቲ ህውሓት ዝነበረ ኣቶ ግደይ ዘርኣጽየን ዝተባህለ ተጋዳላይ ከምዚ ዝስዕብ ይዝክር፡
“ጉዳይ ዶብ ኣብ ሕዳር 1984 ኣብ ሞንጎ ህውሓትን ህግሓኤን ዝተገብረ ርክብ
ንመጀመርያ ግዜ ተላዒሉ። ኣብቲ ርክብ ህግሓኤ ነቲ ንኤርትራን ትግራይን ዘራኽበን
ዶብ ብፍላይ ባድመ፡ ጸሮና-ዛላምበሳን ባዳን ውዕላትን ሰነዳትን ምርኩስ ብምግባር
ክምልከት ሓሳብ ኣቕሪባ። ህውሓት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብንጹር
ዘይተሓንጸጸ ቦታታት ከምዝነበረ ኳ እንተኣመነት፡ ንኢትዮጵያ ምሉእ ወኪላ ዶብ
ክትሕንጽጽ ግን ስልጣን ከምዘይብላ፡ እቲ ጉዳይ ድሕሪ ስዕረት ናይ ሓባር ጸላኢ ክርአ
ሓሳብ ኣቕሪባ። ህግሓኤ ውን ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ርዒማ፡ እቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት
ከምዝነበሮ ክጸንሕ ተሰማሚዐን ወሲነን።”

ብድሕር’ዚ ዝምድና ክልቲአን ውድባት ሓንሳብ ይሽሕኩር፡ ሓንሳብ ይመሓየሽ ከምኡ እናበላ ፍልልያተን ጸይረን ብሓባር ናይ ሓባር ጸላኢ ስዒረን፡ ኣብ ስልጣን መጺኤን። ብድሕር’ዚ ኩሉ ዝሓለፈ ክርሳዕ “ቁስልና ኣይንሕኸኽ” ተባሂሉ ሓድሽ ናይ ሰላም ዝምድናን ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽን ተጀሚሩ። እቲ ዝምድናን ክልተኣዊ ርክባትን ግን ካብ መንግስታዊ ወይ ትካላዊ ዝያዳ ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ መራሕቲ እዩ ዝመስል ነይሩ። (Campbell, 2014)

ምጣነ-ሃብታዊ (ቁጠባዊ)፦
————————
ኣብ መስከረም 1993 ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ “ስምምዕ ኣስመራ” ዝፍለጥ 25 ሰነዳት ዝሓዘ ውዕል ተፈራሪመን፤ እንተኾነ ዝኣክል ዝርዝራዊ መብርሂታት ስለዘይነበሮ ብዛዕባ’ቲ ሰነዳት ብነናተን ርድኢት ተርጒመንኦ። እዚ ከኣ ፍልልይ ናይተን ክልተ ውድባት (ህግሓኤን ህውሓትን) ዝኽተለኦ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘርኢ እዩ ነይሩ። እቲ ሰነዳት ዝበዝሕ ንንግዲ ዝምልከት ኮይኑ፡ ሓደ ካብቲ ስምምዓት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቁጽጽር ገንዘብ ክተሓባበራ፡ ክሳብ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ እተሕትም ከኣ ክልቲአን ብር ክጥቀማ ዝብል እዩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ስምምዕ ኤርትራ ኢንዱስትሪ ክተማዕብል፡ ወደባታ ተጠቂማ ከኣ ናይ ምምጻእን ምልኣኽን ማእከል ክትከውን፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ሕርሻ ክተተኩር ዝእምት እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ካብ 1993 ክሳብ 1996 ኢትዮጵያ ነቲ “ስምምዕ ኣስመራ” ብዝጻረር መልክዑ ቁጠባዊ መዋቕራ ብምቕያር ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ኢንዱስትሪታት ክትተክል ጀሚራ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ንብረት ብነጻ እናኣተወ እንከሎ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ንብረት ክትቅርጽ ጀሚራ።
ኣብ ፈለማ 1997 ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ኣሕቲማ ክትዝርግሕ ምዃና ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ሸርፊ 1 ብር፡ ብ1 ናቕፋ ማዕረ ክሽረፍን ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ክዝርጋሕን ሓሳብ ኣቕሪባ። ኢትዮጵያ ነቲ እማመ ምሉእ ብምሉእ ነጺጋቶ። (Negash and Tronvoll, 2000; Writenet 1998 as cited in Campbell, 2014)
ስለዚ ኣብ መወዳእታ 1997 ኤርትራ ባጤራ ናቕፋ ቀቅድሚ ምዝርጋሓ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝግበር ንግዲ ኩሉ ኣብቲ ዶባት ወግዓዊ ኮይኑ ብሸርፊ ዶላር ከም ዝውሰን ኣፍሊጣ። ድሕሪ ምዝርጋሕ ናቕፋ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከኣ ኢትዮጵያ ሓድሽ ገንዘብ ኣሕቲማ ዘርጊሓ። እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ብር ዝኾነ ምትእስሳር ከይህልዎ ምእንቲ ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ዝተሓትመ ሓድሽ ገንዘብ ሓድሽ ካርታ ኢትዮጵያ ዝተሳእሎ ኮይኑ፡ ንገለ ካብ መሬት ኤርትራ ቆርሚሙ ዘካተተ እዩ ነይሩ። እዚ ካርታ’ዚ ኣቐዲሞም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መምሃሪ ክጥቀምሉ ንሓደ GTZ ዝተባህለ ናይ ጀርመን ትካል ከሕትመሎም ሓቲቶምዎ ኣስታት 1000 ኣሕቲሙሎም ነይሩ’ዩ። ገና ናይ ዶብ ጉዳይ ኣብ ዝርርብ ከሎ፡ ነቲ ካርታ ኣብ ባጤራ ምሕታሞም ንሰበስልጣን ኤርትራ ኣቖጢዑዎም ጥራይ ዘይኮነስ ወያኔ ነቲ ኣብ 70ታት ዝነበራ “ሕልሚ ዓባይ ትግራይ” ብሕቡእ ክተተግብር ትሰርሕ ኣላ ዝብል ትርጉም ሂቦምዎ።

ጉዳይ መሬት፦
————-
ብተወሳኺ ኣብ መፋርቕ 1997 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ባዳ (ግዝኣት ኤርትራ) ኣትዮም። በዚ ከኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ኣመልኪቱ ናብ መለስ ዜናዊ ደብዳቤ ጽሒፉ፤ ነቲ ዘይምርድዳእ ሓንቲ ሓባራዊት ኮሚሽን ብምቛም ክፈትሕዎ ሓሳብ ኣቕሪቡ። (Plaut 2005) ይኹን’ምበር እታ ኮሚሽን ሓንሳብ ኣብ ሕዳር 1997 ቀዳማይ ርክብ ምስ ገበረት፡ ክሳብ ድሮ እቲ ኲናት ግንቦት 1998 ካልኣይ ርክብ ኣየካየደትን ነይራ። ግንቦት 8 1998 ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ውን ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክትበጽሕ ኣይከኣለትን። (Gilkes and Plaut 1999; Negash and Tronvoll, 2000 as cited in Campbell, 2014)።
ዕለት 5 ግንቦት 1998 ወተሃደራት ኢትዮጵያ 3 ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ባድመ ቀቲሎም፡ ንጽባሒቱ ዕለት 6 ግንቦት 1998 ብዛዕባ’ቲ ቅድሚኡ ምሸት ዘጋጠመ ክረዳድኡ ኢሎም ዝቐረብዎም 5 ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ መላሲ ኣውያት ዘይብሎም ተቐቲሎም። እዚ ፍጻሜ እዚ ነቲ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣብ ጉዳይ መሬት፡ ንግድን ቀረጽን፡ ቁጽጽር ባጤራን ነዳዲ ወሲኹ ክትቢት ሸርጢጥሉ። ዕለት 12 ግንቦት 1998 ብታንክታትን ከቢድ ብረትን ዝተሰነየ ኣሃዱ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ባድመ ዝነበረ ውሑድ ዝቑጽሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዑ ንባድመ ተቖጻጺሩ። ዕለት 13 ግንቦት 1998 ከኣ ፓርላማ ኢትዮጵያ “ተወሪርና” ብዝብል ነጋሪት ኲናት ኣዊጁ። ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ኲናት ናብ ምሉእ ወሰናስን ዶብ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ተዘርጊሑ።

ካልኦት ብዙሓት ተንተንቲ ነናቶም ትንታነ ይህቡ’ዮም። ንኣብነት፦ ጠንቂ ናይቲ ኲናት ኣብ ውሽጢ ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈጥረ ናይ ቁጠባ ሽግር ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝተገብረ’ዩ ይብሉ። ገለ ውሑዳት ውን ጠንቂ ናይቲ ኲናት ክልቲኦም ውድባት ኣብ ናይ ሃገራዊ ህንጸት፡ ሃገራዊ መንነትን ምጣነ-ሃብታዊ መዋቕርን ክልተ ዘይሳነ መርሆ-ሓሳብ (ኣረኣእያ) ከለዎም ሓባራዊ ስምምዓት ክገብሩ ምፍታኖም’ዩ ይብሉ። ውልቃዊ ባህርያት ክልቲኦም መራሕቲ ከም ኣንነት፡ ዘይምትእምማን መላኽነትን እቲ ኲናት ኣብ ምጅማር ኣስተዋጽኦ ነይሩዎም ዝብሉ ውን ኣለዉ። እዚ ኩሉ ግን ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ተመርኲስካ ዝወሃብ ትንተናታት ደኣ’ምበር ምስ’ቲ ኲናት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ጭብጥታት ወይ ፍጻሜታት የብሉን። እቲ ፍጻሜታትን ብኸፊል ዝተረኽበ ጭብጥታትን ጠንቂ ናይቲ ኲናት ኢሉ ኢሉ ናብ ጉዳይ ዶብ እዩ ዝወድቕ። ብወገን “ጉዳይ ዶብ” ክብሃል ከሎ፡ ዘከራኽር መሬት ጥራይ ኣይኮነን። ከም ልኡላውነተን ዝሕልዋ ሃገራት ኣብቲ ዘራኽበን ንቑጣታት ዝግበር ናይ ንግድን ቀረጽን ኢሚግሬሽንን ቁጽጽር ውን ምስ ጉዳይ ዶብ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝቐርብ ትንተናን ትርጉምን ካብ ጥርጣረን ግምትን (Speculation) ዝሓልፍ ኣይመስለንን። ኣብ ቀጻሊ ነዚ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ጭብጥታት ዘፍርስ ካልእ ጭብጥታት ክሳብ ዝርከብ እቲ ተዛማዲ ሓቂ ነዚ ይመስል።

[ብሰፊሑ ከንብብ ዝደሊ፡ ነዚ መወከሲ ዝተጠቐምኩሉ ዝቕጽል ጽሑፋት ከንብብ ይኽእል። ኣብ ዝቕጽል ብዛዕባ ስለምንታይ ኮሚሽን ዶብ ነቲ ኲናት ኤርትራ ከም ዝጀመረቶ ፍርዲ ሂቡ ከቕርብ ክፍትን’የ።]

John R. Campbell, (2014). Nationalism, Law and Statelessness
Martin Plaut: Background to war – from friends to foes
http://www.ascleiden.nl/pdf/paper1108459195.pdf

Edwin M. Teka (2010). Instability in the Horn of Africa: an assessement of the Ethiopian-Eritrean conflict
http://www.dtic.mil/dtic/tr/fulltext/u2/a531582.pdf

This slideshow requires JavaScript.

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

w

Connecting to %s